Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

disabled people


ዮሃንስ 9:2-7 | 24 Helpful votes

ደቀ መዛሙርቱ ድማ፥ መምህር፡ ዕዉር ኰይኑ ዚውለድሲ መን እዩ ዝበደለ፡ ንሱዶ ወይስ ወለዱ፧ ኢሎም ሐተትዎ። የሱስ ከኣ፡ ግብሪ ኣምላኽ ኣብኡ ምእንቲ ኺገሃድ ደኣ እዩ እምበር፡ ንሱ ኣይበደለ፡ ወለዱ ኣይበደሉ። መዓልቲ ኸላ፡ ግብሪ እቲ ዝለአኸኒ ኽገብር ይግብኣኒ እዩ፡ ሓደ እኳ ኺዓየላ ዘይከአሎ ለይቲ ትመጽእ አላ። ኣነ ኣብ ዓለም ከሎኹ፡ ብርሃን ዓለም እየ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ኢሉ ናብ ምድሪ ጡፍ በለ፡ በቲ ጥፍጣፉውን ጸብሪ ገበረ፡ በቲ ጸብሪ ኸኣ ኣዒንቲ እቲ ዕዉር ለኸየ እሞ፥ ኣብቲ ቐላይ ሰሊሆም - ትርጓሚኡ ልኡኽ፦ ኬድካ ተሐጸብ፡ በሎ። ከይዱ ተሐጽበ፡ እናረአየውን ተመልሰ።

Translation | Context
ሉቃስ 14:12-13 | 11 Helpful votes

ነቲ ዝጸውዖ ሰብኣይ ድማ፥ ምሳሕ ወይስ ድራር እንተ ገበርካ፡ ንሳቶም ድማ ምናልባሽ መሊሶም ከይጽውዑኻ እሞ፡ ምፍዳይ ለቕሓ ኸይኰነካስ፡ ኣዕሩኽካ ዀነ ወይ ኣሕዋትካ፡ ወይ ኣዝማድካ፡ ወይ ሃብታማት ጐረባብትኻ ኣይትጸውዕ። ምሳሕ እንተ ገበርካስ፡ ድኻታትን ቈራያትን ሓንካሳትን ዕዉራትን ደኣ ጸውዕ።

Translation | Context
ዘጸአት 4:11 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ፡ ንሰብ ኣፍ ዝገበረሉ መን እዩ፧ ወይ ዓባስ ወይ ጸማም ወይ ዚርኢ ወይ ዕዉር ዝገበሮኸ መን እዩ፧ ኣነ እግዚኣብሄር ኣይኰንኩን፧

Translation | Context
ሮሜ 5:3-5 | 8 Helpful votes

ግናኸ ብጸበባ ድማ ንመካሕ እምበር፡ እቲ ጸበባስ ትዕግስቲ ኸም ዜምጽእ ስለ ዝፈለጥና፡ በዚ ጥራይ ኣይኰነን። ትዕግስቲ ድማ ምፍታን፡ እቲ ምፍታንውን ተስፋ፡ በቲ እተዋህበና መንፈስ ቅዱስ ፍቕሪ ኣምላኽ ኣብ ልብና ስለ ዝፈሰሰ፡ እታ ተስፋ ድማ ኣይተሕፍርን እያ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:14 | 6 Helpful votes

ንጸማም ኣይትርገሞ፡ ኣብ ቅድሚ ዕዉር ድማ መዓንቀፊ ኣይተንብር፡ ንኣምላኽ ደኣ ፍራህ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:9 | 5 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ሓይለይ ብድኻም እዩ ዝፍጸም እሞ፡ ጸጋይ ይኣኽለካ፡ በለኒ። ስለዚ ሓይሊ ክርስቶስ ኣብ ልዕለይ ምእንቲ ኺሐድር፡ ብብዙሕ ታሕጓስ ብድኻመይ ክምካሕ እየ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:10 | 4 Helpful votes

እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምውን እዩ።

Translation | Context
7:32-20 | 4 Helpful votes

እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምውን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:4-5 | 4 Helpful votes

እቲ ኸምዚ ቘልዓዚ ርእሱ ዜትሕት፡ ንሱ እዩ ኣብ መንግስተ ሰማያት ዚበልጽ። ንኽምዚ ዝበለ ቘልዓ ብስመይ ዚቕበል፡ ንኣይ ይቕበል።

Translation | Context
መዝሙር 139:13-14 | 2 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:4-5 | 2 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፡ ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:12-26 | 2 Helpful votes

ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና። እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡ እግሪ፡ ኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለ፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧ ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸበ፧ ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ። ኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሀለወ፧ ሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። ዓይኒ ንኢድ፡ ኣይደልየክን፡ ክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩ። ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣ፡ ብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ። ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኲሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ።

Translation | Context
ማርቆስ 2:1-12 | 2 Helpful votes

ድሕሪ ሒደት መዓልቲ ድማ ኣብ ቅፍርናሆም ኣተወ እሞ ኣብ ቤት ከም ዘሎ ተሰምዔ። ብኡብኡ ወገፈ ምእካል ክሳዕ ዚስእኖም፡ ብዙሓት ተኣከቡ። ቃል ድማ ይነግሮም ነበረ። ኣርባዕተ ሰብኣይ ዝጾርዎ መጻጕዕ ናብኡ ኣምጽኡ። ህዝቢ ስለ ዝበዝሔ፡ ናብኡ ምእታው እንተ ሰኣኑ ኸኣ፡ ናሕሲ እታ ዘለዋ ቤት ኣፍረሱ። ምስ ኣፍረሱ፡ ነታ እቲ መጻጕዕ ደቂስዋ ዘሎ ዓራት ኣውረድዋ። የሱስ ድማ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደይ፡ ሓጢኣትካ ተሓዲጉልካ፡ በሎ። ሓያሎ ኻብ ጸሓፍቲ ኣብኡ ተቐሚጦም ነበሩ፡ ብልቦም ድማ፡ ስለምንታይ እዚ ኸምዚ ዝበለ ጸርፊ ይዛረብ አሎ፧ ብዘይ ሓደ ኣምላኽከ መን እዩ ሓጢኣት ኪሐድግ ዚኽእል፧ ኢሎም ሐሰቡ። የሱስ፡ ብልቦም እዚ ኸም ዝሐሰቡ፡ ብኡብኡ ብመንፈሱ ፈሊጡ በሎም፡ ንምንታይ እዚ ብልብኹም ትሐስቡ አሎኹም፧ ኣያናይ ይቐልል፡ ነዚ መጻጕዕ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይስ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ኺድ፡ ምባል፧ ወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ - ነቲ መጻጕዕ፡ ንኣኻ እብለካ አሎኹ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። ብኡብኡ ተንሲኡ፡ ዓራቱ ኣልዒሉ፡ ኣብ ቅድሚ ዅሎም ወጸ፡ ኵሎም ተደነቑ እሞ፡ ከምዚ ዝበለስ ከቶ ኣይርኤናን፡ ኢሎም ንኣምላኽ ኣመስገንዎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 15:31 | 2 Helpful votes

እቶም ህዝቢ ድማ ዓባሳት ኪዛረቡ፡ ቈራያት ኪሐውዩ፡ ሓንካሳት ኪኸዱ፡ ዕዉራትውን ኪርእዩ ርእዮም ተገረሙ እሞ፡ ንኣምላኽ እስራኤል ኣመስገንዎ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 4:1 | 2 Helpful votes

ደጊም ክርስቶስ ምእንታና ሓሳረ መከራ ካብ ጸገበስ፡ ብስጋኡ መከራ ዚጸግብ፡ ንሱ ንሓጢኣት ሒዲግዎ እዩ እሞ፡ እቲ ብስጋ ዝተረፈ ዘመን ንፍቓድ ኣምላኽ እምበር፡ ንፍትወት ሰብ ምእንቲ ኸይትነብሩ፡ ንስኻትኩምውን ነዚ ሓሳብ እዚ ኸም ኣጽዋር ጌርኩም ሐዝዎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:5 | 2 Helpful votes

ዓቃላት፡ ንምድሪ ኺወርስዋ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context