Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

different races


ገላትያ 3:28 | 48 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:35 | 21 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ።

Translation | Context
ዘዳግም 7:3-4 | 21 Helpful votes

ኣይትዋሰቦም፡ ጓልካ ንወዱ ኣይትሀቦ፡ ጓሉ ኸኣ ንወድኻ ኣይትውሰድ። ንደቅኻ፡ ካልኦት ኣማልኽቲ ምእንቲ ኼምልኹ ካብ ምስዓበይ ይመልሶም እሞ፡ ኵራ እግዚኣብሄር ኣብ ልዕሌኹም ይነድድ፡ ቀልጢፉ ኸኣ የጥፍኣካ።

Translation | Context
ራእይ 7:9-10 | 11 Helpful votes

ድሕርዚ ድማ ርኤኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰብ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡ ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ፡ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ።

Translation | Context