Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

desire


መዝሙር 37:4 | 12 Helpful votes

ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 10:24 | 6 Helpful votes

ንረሲእ እቲ ዚፈርሆ ነገር ይመጾ፡ ንጻድቃን ግና እተመነይዎ ይወሃቦም።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:13 | 5 Helpful votes

ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:6 | 4 Helpful votes

ጽድቂ ዚጠምዩን ዚጸምኡን፡ ኪጸግቡ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ሉቃስ 10:42 | 3 Helpful votes

እቲ ዜድሊ ግና ሓደ ጥራይ እዩ። ማርያምሲ ኻብኣ ዘይውሰድ ጽቡቕ ግደ ሐርያ አላ፡ ኢሉ መለሰላ።

Translation | Context
ምሳሌ 2:3-5 | 3 Helpful votes

እወ፡ ነእምሮ እንተ ጸዋዕካያ፡ ንምስትውዓል ከኣ እንተ ኣድሄኻያ፡ ከም ንብሩር ጌርካ እንተ ደሌኻያ፡ ከም ንሕቡእ መዝገብ ጌርካ ኸኣ ሃለው እንተ በልካያ፡ ሽዑ ንፍርሃት እግዚኣብሄር ከተስተውዕሎ፡ ንምፍላጥ ኣምላኽ ከኣ ክትረኽቦ ኢኻ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:13 | 3 Helpful votes

ሰብ ኪጾሮ ዘይኽእል ፈተና ኣይበጽሓኩምን። ኣምላኽ እሙን እዩ እሞ፡ ምስቲ ፈተናኹም ምጽዋሩ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ መውጽኢ ገይሩልኩም አሎ፡ ካብ ዓቕምኹም ንንየው ክትፍተኑ ኣይሐድገኩምን እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 13:13-14 | 3 Helpful votes

ከም ብመዓልቲ ብቕንዕና ንመላለስ፡ ብጓይላን መስተን ኣይኰነን፡ ብምንዝርናን ዕብዳንን ኣይኰነን፡ ብባእስን ቅንኣትን ኣይኰነን። ንጐይታ የሱስ ክርስቶስ ደኣ ልበስዎ እምበር፡ ነቲ ሓልዮት ስጋስ መለዓዓል ትምኒት ኣይትግበርዎ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:31 | 2 Helpful votes

እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

Translation | Context
ድጒዓ 3:25 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቶም ዚጽበይዎ፡ ነታ እትደልዮ ነፍሲ ሰናይ እዩ።

Translation | Context
ሆሴዕ 6:6 | 2 Helpful votes

ኣነስ ምሕረት እየ ዝፈቱ፣ መስዋእቲ ኣይኰነን፣ ካብ ዚሐርር መስዋእቲ ድማ ፍልጠት ኣምላኽ እፈቱ።

Translation | Context
መዝሙር 119:10 | 2 Helpful votes

ብምሉእ ልበይ እደልየካ አሎኹ፣ ካብ ትእዛዛትካ ኸየግልስ ኣይትሕደገኒ።

Translation | Context
ፊልጲ 3:12-14 | 2 Helpful votes

ኣነ ነቲ ንእኡ ክኸውን ብክርስቶስ የሱስ እተረኸብኩ ምእንቲ ኽረኽቦ፡ ንቕድሚት እደፍእ አሎኹ እምበር፡ ቅድሚ ሕጂ ኸም ዝረኸብክዎ ወይስ ቅድሚ ሕጂ ፍጹም ከም ዝዀንኩ ኣይኰነን። ኣሕዋተየ፡ ኣነ ብርእሰይ ከም ዝረኸብክዎ ኣይመስለንን አሎ። ሓደ ነገር ደኣ አሎኒ፤ ኣብ ድሕረይ ዘሎ እናረሳዕኩ፡ ነቲ ኣብ ቅድመይ ዘሎ እናተመጣጠርኩ፡ ናብቲ ሕንጹጽ ዕላማ ኣቢለ፡ ናብቲ ዓስቢ ዓወት ናይ ላዕሊ ጽውዓ ኣምላኽ ብክርስቶስ የሱስ እጐዪ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 145:19 | 2 Helpful votes

ፍቓድ እቶም ዚፈርህዎ ይፍጽም፣ ኣውያቶም ይሰምዕ የድሕኖም ከኣ።

Translation | Context