Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

depression


መዝሙር 34:17-18 | 12 Helpful votes

ጻድቃን የእውዩ፣ እግዚኣብሄር ድማ ይሰምዖም፣ ካብ ኵሉ መከራኦምውን የናግፎም። እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:28 | 7 Helpful votes

ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:7 | 6 Helpful votes

ንሱ ይሐልየልኩም እዩ እሞ፡ ንዅሉ ሓልዮትኩም ኣብኡ ኣውድቕዎ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11 | 6 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ኢሳይያስ 41:10 | 6 Helpful votes

ምሳኻ እየ እሞ፡ ኣይትፍራህ፡ ኣነ ኣምላኽካ እየ እሞ፡ ኣይትሸበር፡ ከበርትዓካ፡ ክረድኣካ፡ ብየማነይቲ ኢድ ጽድቀይውን ክድግፈካ እየ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:5-6 | 4 Helpful votes

ብምሉእ ልብኻ ብእግዚኣብሄር ተኣመን፡ ኣብ ልቦናኻ ኣይትጸጋዕ። ኣብ ኵሉ መገድኻ ንእኡ ሕሰብ፡ ንሱ ኸኣ ኣኻይዳኻ ኬቕንዕ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 30:5 | 3 Helpful votes

ኵራኡ ንቕጽበት ዓይኒ እዩ፣ ጸጋኡ ግና ንምሉእ ዕድመ ይጸንሕ፣ ምሸት ብኽያት ይሐድር፣ ንግሆ ግና እልልታ ይመጽእ እዩ እሞ፣ ኣቱም ቅዱሳኑ፣ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ፣ ንቕዱስ ዝኽሩውን ኣመስግኑ።

Translation | Context
መዝሙር 143:7-8 | 3 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ መንፈሰይ ደኺሙ እዩ እሞ፣ ቀልጢፍካ ምለሰለይ፣ ነቶም ኣብ ጒድጓድ ዝወረዱ ኸይመስልሲ፣ ገጽካ ኣይትኸውለለይ። ብኣኻ እውከል አሎኹ እሞ፣ ኣንጊህካ ሳህልኻ ኣስምዓኒ፣ ነፍሰይ ናባኻ ኤልዕል አሎኹ እሞ፣ እታ ዝኸዳ መገዲ ኣፍልጠኒ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6-7 | 3 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 23:4 | 2 Helpful votes

በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 2 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
መዝሙር 9:9 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄርሲ ንጥቑዓት እምባ፣ ብጊዜ ጸበባ እምባ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 12:25 | 2 Helpful votes

እቲ ኣብ ልቢ ሰብ ዝሐደረ ጓሂ ንእኡ ይጸቕጦ፡ ሰናይ ቃል ግና ባህ የብሎ።

Translation | Context
ራእይ 21:4 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 1:7 | 2 Helpful votes

በዚ ምኽንያት እዚ፡ ኣምላኽሲ መንፈስ ሓይልን ፍቕር ቅጽዓትን እምበር፡ መንፈስ ፍርሃት ኣይሃበናን እሞ፡ ነቲ ብምንባር ኢደይ ኣባኻ ዘሎ ውህበት ኣምላኽ ክትሕድሶ ኤዘክረካ አሎኹ።

Translation | Context
መዝሙር 34:18 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ነቶም ስቡር ልቢ ዘለዎም ቀረባኦም እዩ፣ ነቶም ቅጥቁጥ መንፈስ ዘለዎም ድማ የድሕኖም።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:10 | 2 Helpful votes

ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።

Translation | Context