Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

26 bible verses about

demonic spirits


1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 7 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 12:43-45 | 6 Helpful votes

ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል ኣይረክብን ድማ። ሽዑ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። ምስ መጸ፡ ጥራያ፡ ተዀስቲራ፡ ተሰሊማ ይረኽባ። ድሕርቲ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ሾብዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ሒዙ ይመጽእ፡ ኣትዮም ከኣ ኣብኣ ይነብሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ። ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ኪዀኖ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 16:14 | 6 Helpful votes

እዚኣቶም ትእምርቲ እናገበሩ ንነገስታት ኵላ ዓለም በታ ዓባይ መዓልቲ ናይቲ ዅሉ ዚኽእል ኣምላኽ ንውግእ ኪእክብዎም ዚወጹ ናይ ኣጋንንቲ መናፍስቲ እዮም።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:10-18 | 5 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-12 | 5 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 11:14 | 4 Helpful votes

ሰይጣን እኳ ንርእሱ ንመልኣኽ ብርሃን የምስል እዩ እሞ፡ እዚ ኣየገርምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:4 | 4 Helpful votes

ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:19 | 4 Helpful votes

ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:44 | 4 Helpful votes

ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 2:9 | 4 Helpful votes

እቶም ዚጠፍኡስ ንምድሓኖም ዚኸውን ፍቕሪ ሓቂ ስለ ዘይተቐበሉ፡ ንኣታቶም ናይ እዚ ኣመጻጽኣ ብዅሉ ጥበራ ዓመጻ፡ ብዅሉ ሓይልን ትእምርትን ተኣምራት ሓሶትን ብሓይሊ ስይጣን እዩ ዚኸውን።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:31 | 3 Helpful votes

ናብ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ኣይትመለሱ፡ ብእኦም ከይትረኽሱ ኣይትድለይዎም። ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም እየ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 8:9-13 | 3 Helpful votes

ስምኦን ዚብሀል ጠንቋሊ ሰብኣይ ግና ካብ ቀደም ሒዙ ኣብታ ኸተማ ነበረ፡ ንሱ ኸኣ ዓብዪ እየ ብምባሉ ንህዝቢ ሰማርያ የስተንክሮም ነበረ። ካብ ንእሽቶኦም ክሳዕ ዓብዪኦም ኲላቶም፡ እቲ ዓብዪ ዚብሀል ሓይሊ ኣምላኽ እዚ እዩ፡ እናበሉ ጽን ይብልዎ ነበሩ። ሓያሎ ዘመን ብጥንቈላኡ ስለ ዘስተንከሮም ድማ፡ ጽን ይብልዎ ነበሩ። ፊልጶስ ግና ብዛዕባ መንግስቲ ኣምላኽን ብዛዕባ ስም የሱስ ክርስቶስን ኣበሲርዎም፡ ምስ ኣመንዎ፡ ሰብኡትን ኣንስትን ተጠምቁ። ስምኦን ባዕሉ እኳ ድማ ኣመነ፡ ምስ ተጠምቀ ኸኣ፡ ናብ ፊልጶስ ለገበ። ትእምርትን ዓበይቲ ሓይላትን ኪግበር ምስ ረአየውን፡ ተገረመ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 2 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።

Translation | Context
እብራውያን 1:14 | 2 Helpful votes

ኵላቶምዶ ነገልግሎት እቶም ምድሓን ኪወርሱ ዘለዎም ዚለአኹ መናፍስቲ ኣገልግሎት ኣይኰኑን፧

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ማርቆስ 13:22 | 2 Helpful votes

ናይ ሓሶት ክርስቶሳትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪትንስኡ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያትውን ኬስሕቱ፡ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም።

Translation | Context
ራእይ 22:15 | 2 Helpful votes

እቶም ኣኽላባትን ጠንቈልትን ኣመናዝራታትን ቀተልትን መምለኽቲ ጣኦትን ንሓሶት ዚፈትዉዎን ዚገብርዎን ዘበሉ ዅሎም ግና ኣብ ወጻኢ እዮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:10 | 2 Helpful votes

ሰራቒ፡ ብጀካ ኺሰርቕን ኪሐርድን ኬጥፍእን ኢሉ ኣይመጽእን እዩ። ኣነ ግና ህይወት ምስ ተረፉ ምእንቲ ኺረክባ እየ ዝመጻእኩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 5:18 | 2 Helpful votes

ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።

Translation | Context
ሮሜ 12:2 | 2 Helpful votes

እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 19:17-19 | 2 Helpful votes

እዚ ነገርዚ ኣብቶም ኣብ ኤፌሶን ዚነብሩ ኣይሁድን ጽርኣውያንን ኲላቶም ተፈልጠ። ንዂላቶምውን ፍርሃት ወደቖም፡ ስም ጐይታና የሱስ ከኣ ተመስገነ። ካብቶም ዝአመኑ ኸኣ ብዙሓት ነቲ ዝገበርዎ እናተአመኑን እናነገሩን መጹ። ብዙሓት ጠንቈልቲ ድማ መጻሕፍቶም ኣኪቦም ኣብ ቅድሚ ዂሉ ኣንደድዎ። ዋጋኡ እንተ ተጸብጸበ ኸኣ፡ ሓምሳ ሽሕ ድሪም ኰይኑ ተረኽበ።

Translation | Context
ራእይ 16:13 | 2 Helpful votes

ካብ ኣፍ እቲ ገበልን ካብ ኣፍ እቲ ኣራዊትን ካብ ኣፍ እቲ ነብዪ ሓሶትን ከኣ ቍርዖብ ዚመስሉ ሰለስተ ርኹሳት መናፍስቲ ኺወጹ ኸለዉ ርኤኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 16:19-31 | 2 Helpful votes

ቀይሕ ክዳንን ክቡር ቦፍታን ዚኽደን፡ ኵሉ መዓልቲ ኸኣ እናኣጋየጸ ዚሕጐስ ሃብታም ሰብኣይ ነበረ። ኣልኣዛር ዝስሙ ድኻውን፡ ብቝስሊ ተወሪሱ ኣብ ኣፍ ደጊኡ ወዲቑ ነበረ። ካብቲ ኻብ መኣዲ እቲ ሃብታም ዚወድቕ ርፍራፍ ኪጸግብ ድማ ሃረር ይብል ነበረ። ኣኽላባት እናመጹ ኸኣ ቍስሉ ይልሕሱ ነበሩ። ኰነ ድማ፡ እቲ ድኻ ምስ ሞተ፡ መላእኽቲ ናብ ሕቝፊ ኣብርሃም ወሰድዎ። እቲ ሃብታም ከኣ ሞተ ተቐብረውን። ኣብ ሲኦል ኣብ ስቓይ ኰይኑ፡ ዓይኑ ቛሕ ኣቢሉ፡ ንኣብርሃም ኣብ ርሑቕ፡ ንኣልኣዛርውን ኣብ ሕቝፉ ረአየ። ጸዊዑ ኸኣ፥ ዎ ኣቦይ ኣብርሃም፡ በዚ ሃልሃልታዚ እስቀ አሎኹ እሞ ምሓረኒ፡ ኣንፊ ኣጻብዑ ኣብ ማይ ጠሚዑ ልሳነይ ኬዝሕለለይ፡ ንኣልኣዛር ስደደለይ፡ በሎ። ኣብርሃም ግና፥ ወደይ፡ ንስኻስ ብህይወትካ ኸሎኻ ተድላኻ ኸም እተቐበልካ፡ ኣልኣዛር ድማ ከምኡ መከራ ኸም ዝጸገበ፡ ዘክር። ሕጂ ግና ንሱ ኣብዚ ይጸናናዕ፡ ንስኻ ድማ ትስቀ። ምስናይ እዚ ዅሉ ድማ፡ እቶም ካብዚ ናባኻትኩም ኪሐልፉ ዚደልዩ ምእንቲ ኸይክእሉ፡ ኣብኡ ዘለዉውን ናባና ከይሳገሩስ፡ ኣብ መንጎናን መንጎኹምን ዓብዪ ጋግ ተገይርዎ አሎ፡ በሎ። ሽዑ ንሱ፥ ዎ ኣቦይ፡ እምብኣርሲ ሓሙሽተ ኣሕዋት አለዉኒ እሞ፡ ንሳቶምውን ናብዛ ስፍራ ስቃይ እዚኣ ከይመጹ፡ ኪምስክረሎም ንኣልኣዛር ናብ ቤት ኣቦይ ክትሰዶ እልምነካ አሎኹ፡ በሎ። ኣብርሃም ድማ፥ ሙሴን ነብያትን አለውዎም፡ ንኣታቶም ይስምዑ፡ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰነን፡ ኣቦይ ኣብርሃም፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ኸዶምሲ፡ ኪንስሑ እዮም፡ በሎ። ንሱ ድማ፥ ንሙሴን ነብያትን እንተ ዘይሰምዕዎምሲ፡ ካብ ምዉታት ሓደ እንተ ተንስኤውን፡ ከቶ ኣይኣምኑን እዮም፡ በሎ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 20:6 | 2 Helpful votes

ናብቶም መናፍስቲ ጥንቈላ ዘለውዎምን ናብ መውደቕቲ ዛዕጐልን ብምንዝርና ኽትስዕቦም ኢላ እትምለስ ነፍሲ፡ ኣነ ገጸይ ናብታ ነፍሲ እቲኣ ኽመልስ እየ፡ ካብ መንጎ ህዝባ ኸኣ ክምንቊሳ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 24:1-10 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንምድሪ ኣብ ባሕሪ ሰሪትዋ፣ ኣብ ወሓይዝውን ኣጽኒዕዋ እዩ እሞ፣ ንሳን ምልኣታን፣ ዓለምን ዚነብርዋን ናቱ እዮም። ናብ ከረን እግዚኣብሄር ዚድይብ መን እዩ፧ ኣብቲ ቕዱስ ቦታኡ ዚቐውምሲ መን እዩ፧ እቲ ንጹህ ዝኣእዳዉን ንጹህ ዝልቡን፣ ነፍሱ ናብ ከንቱ ዘየልዕል፣ ብጥበራ ዘይምሕል ሰብ እዩ። ንሱስ በረኸት ካብ እግዚኣብሄር፣ ጸድቂውን ካብ ናይ ምድሓኑ ኣምላኽ ኪቕበል እዩ። እቶም ዚደልይዎ ወለዶ እዚኣቶም እዮም፣ ንገጽካ ዚደልዩ፣ ዎ ኣምላኽ ያእቆብ። [ሴላ።] ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ። እዚ ንጉስ ክብሪኸ መን እዩ፧ እቲ ብርቱዕን ሓያልን እግዚኣብሄር፣ ኣብ ውግእ ዝብርቱዕ እግዚኣብሄር እዩ። ኣቱም ደጌታት፣ ርእስኻትኩም ኣልዕሉ፣ ዎ ናይ ዘለአለም ደጌታት፣ ልዕል በሉ፣ እቲ ንጉስ ክብሪውን ኪአቱ እዩ። እዚ ንጉስ ክብሪ እዚ መን እዩ፧ ጐይታ ሰራዊት፣ እቲ ንጉስ ክብሪ ንሱ እዩ። [ሴላ።]

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-14 | 2 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን። እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን።

Translation | Context