Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

demonic possession


ግብሪ ሃዋርያት 16:16-18 | 8 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ናብቲ ጸሎት ዚግበሮ ኽንከይድ ከሎና፡ መንፈስ ጥንቈላ ዘለዋ ንጐይተታ ኸኣ በቲ ምጥንቋላ ብዙሕ እተርብሖም ዝነበረት ግዝእቲ ተጓነፈትና። ንሳ ኸኣ፡ እዞም ሰባት እዚኣቶም ባሮት ልዑል ኣምላኽ እዮም፡ መገዲ ምድሓን ከኣ ይምህሩኹም አለዉ፡ ኢላ እናጨደረት፡ ኣስኣሰር ጳውሎስን ኣስኣሰርናን ሰዐበት። ከምዚ እናበለት ከኣ፡ ብዙሕ መዓልቲ ገበረት። ጳውሎስ ድማ ጒህዩ፡ ግልጽ ኢሉ ነቲ መንፈስ፡ ካብኣ ኽትወጽእ፡ ብስም የሱስ እእዝዘካ አሎኹ፡ በሎ። በታ ጊዜ እቲኣውን ወጸ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:7 | 7 Helpful votes

እምብኣርስሲ ንኣምላኽ ተገዝእዎ። ንድያብሎስ ግና ተጻረርዎ እሞ፡ ንሱ ካባኻትኩም ኪሀድም እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 5:1-20 | 7 Helpful votes

ናብ ማዕዶ ባሕሪ፡ ናብ ሃገር ጌርጌሴኖን መጹ። ካብ ጃልባ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ርኹስ መንፈስ ዝሓደሮ ሰብኣይ ካብ መቓብር ወጺኡ ተጓነፎ። ንሱ ኣብ መቓብር ይነብር ነበረ፡ ብመቝሕ እኳ ኼጽንዖ ዝኽኣለ ኣይነበረን። ብመቝሕን ብሰንሰለትን ብዙሕ ሳዕ ይእሰር ነበረ፡ ንመቝሕ ይሰብሮ፡ ንሰንሰለትውን ይበትኮ ነበረ እሞ፡ ኬሕምቖ ዝኽእለ ከቶ ኣይነበረን። ኵሉ ሳዕ ድማ ለይትን መዓልትን ኣብ መቓብርን ኣብ ኣኽራንን ኰይኑ የእዊ፡ ስጋኡ ኸኣ ብጽልጽለ ይበጥሕ ነበረ። ንየሱስ፡ ርሑቕ ከሎ፡ ምስ ረኣዩ፡ ጐይዩ ሰገደሉ እሞ፡ ዎ የሱስ ወዲ ልዑል ኣምላኽ፡ ምሳኻ እንታይ አሎኒ፧ ከይትሳቐየኒ ብኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ፡ እናበለ ብዓብዪ ድምጺ ጨደረ። የሱስ፡ ኣታ ርኹስ መንፈስ፡ ካብዚ ሰብኣይዚ ውጻእ፡ ስለ ዝበሎ እዩ። ስምካኸ እንታይ እዩ፧ ኢሉ ሐተቶ። ንሱ ኸኣ፡ ብዙሓት ኢና እሞ፡ ስመይ ለጌዎን እዩ፡ በሎ። ካብታ ሃገር ከየውጽኦም፡ ብዙሕ ለመኖ። ኣብኡ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ኣብ ጸግዒ ኸረን ይበልዕ ነበረ። ንሳቶም ከኣ፡ ናብተን ሓሰማታት ስደደና እሞ ናብኤን ክንኣቱ፡ ኢሎም ለመንዎ። የሱስ ከኣ ብኡብኡ ፈቐደሎም። እቶም ርኹሳት መናፍስቲ ወጺኦም ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እቲ መጓሰ ኸኣ ካብቲ ጸድፊ ናብ ባሕሪ ጸደፈ። ኣስታት ክልተ ሽሕ ነበራ። ኣብ ባሕሪ ጥሒለን ሞታ። እቶም ጓሶት ድማ ሃደሙ፡ ኣብ ከተማን ኣብ ዓድታትን ከኣ ኣውረዩ። እቶም ሰብ ከኣ እቲ ዝዀነ ኺርእዩ ወጹ። ናብ የሱስ መጹ፡ እቲ ርኹሳት መናፍስቲ ሒዞምዎ ዝነበሩ፡ ለጌዎን ዝነበርዎ፡ ተቐሚጡ፡ ተኸዲኑ፡ ናብ ልቡ ተመሊሱ ረአይዎ እሞ ፈርሁ። እቶም ዝረኣዩ ድማ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ኸመይ ከም ዝዀነን ብናይተን ሓሰማታትን ነገርዎም። ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልሰሎም ከኣ ኪልምንዎ ጀመሩ። ኣብ ጃልባ ኺኣቱ ኸሎ፡ እቲ ርኹስ መንፈስ ዝነበሮ ምስኡ ኪኸውን ለመኖ። የሱስ ግና፡ ናብ ቤትካ ኣብ ሰብካ ኺድ፡ እግዚኣብሄር ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረልካን ከም ዝመሐረካን ንገሮም፡ በሎ እምበር፡ ኣይፈቐደሉን። ከይዱ ኸኣ፡ የሱስ ከመይ ዝበለ ዓብዪ ግብሪ ኸም ዝገበረሉ፡ ኣብ ዓሰርተ ኸተማ ኺሰብክ ጀመረ፡ ኵሎምውን ተደነቑ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 6 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:10-18 | 6 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተይ፡ ብጐይታን ብጽንዓት ሓይሉን በርትዑ። እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ። ስለዚ በታ እክይቲ መዓልቲ ምቅዋም ምእንቲ ኽትክእሉ፡ ኵሉ ምስ ኣስለጥኩምውን ደው ክትብሉስ፡ ብዘሎ ኣጽዋር ኣምላኽ ኣልዕሉ። ደጊም ሕቜኹም ብሓቂ ተዐጢቕኩም ድርዒ ጽድቂውን ተኸዲንኩም ቁሙ። ነቲ ናይ ወንጌል ሰላም ምድላዉ ኣብ ኣእጋርኩም ከም ኣሳእን ኣእቲኹም ደው በሉ። ምስናይ እዚ ዅሉ ነቲ ናይቲ ኽፉእ ርሱን መንትግ ዘበለ ኸተጥፍኡሉ እትኽእሉ ዋልታ እምነት ኣልዕሉ። ናይ ምድሓን ቍራዕ ርእሲ ኣእትዉ፡ ናይ መንፈስ ሰይፊውን፡ ማለት ቃል ኣምላኽ፡ ሐዙ። ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡

Translation | Context
ሉቃስ 4:33-36 | 5 Helpful votes

ኣብታ ቤት ጸሎት ከኣ ርኹስ መንፈስ ዝሐደሮ ሰብኣይ ነበረ፡ ብዓብዪ ድምጺ ኸኣ፥ ኣየ፡ የሱስ ናዝራዊ፡ ምሳኻ እንታይ አሎና፧ ከተጥፍኣናዶ መጺእካ፧ ኣታ ናይ ኣምላኽ ቅዱስ፡ መን ምዃንካ ፈሊጠካ አሎኹ፡ እናበለ ጨደረ። የሱስ ከኣ፥ ስቕ በል ካብኡውን ውጻእ፡ ኢሉ ገንሖ። እቲ ጋኔን ድማ ኣብ ማእከሎም ደርበዮ፡ ገለ እኳ ኸይጐድኦ ኸኣ ካብኡ ወጸ። ኵሎም ሰምበዱ፡ ንሓድሕዶም ከኣ፥ እዚ ነገርዚስ እንታይ እዩ፧ ንርኹሳት መናፍስቲ ብሓይልን ስልጣንን ይእዝዞም እሞ፡ ይወጹ፡ እናበሉ ተዛራረቡ።

Translation | Context
ማቴዎስ 17:18 | 4 Helpful votes

የሱስ ገንሖ፡ እቲ ጋኔን ከኣ ካብኡ ወጸ። እቲ ቘልዓ ድማ ካብታ ሰዓት እቲኣ ሒዙ ሐወየ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1-3 | 4 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ። ንመንፈስ ኣምላኽ በዚ ኢኹም እትፈልጥዎ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዚእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ካብ ኣምላኽ እዩ፡ የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመን ዘበለ ዅሉ መንፈስ ድማ ካብ ኣምላኽ ኣይኰነን። እዚ ኸኣ እቲ ኸም ዚመጽእ ሰሚዕኩምዎ ዘሎኹም ናይ ጸረ ክርስቶስ መንፈስ እዩ፡ ሕጂውን ድሮ ኣብ ዓለም አሎ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:4 | 3 Helpful votes

ኣቱም ደቀየ፡ ንስኻትኩም ካብ ኣምላኽ ኢኹም፡ ካብቲ ኣብ ዓለም ዘሎስ እቲ ኣባኻትኩም ዘሎ ዚዐቢ ስለ ዝዀነ፡ ንስኻትኩም ስዒርኩምዎም አሎኹም።

Translation | Context
ማቴዎስ 12:22 | 3 Helpful votes

ድሕርዚ ኸኣ ጋኔን ዝሐደሮ ዕዉር ዓባስ ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ነቲ ዕዉር ዓባስ ዚርእን ዚዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 3 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።

Translation | Context
ሉቃስ 10:17 | 3 Helpful votes

እቶም ሰብዓ ልኡኻት ከኣ፥ ጐይታይ፡ ኣጋንንቲ ድማ ብስምካ ይግዝኡና አለዉ፡ እናበሉ ብሓጐስ ተመልሱ።

Translation | Context
ዘዳግም 18:9-14 | 3 Helpful votes

ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ምስ ኣቶኻ፡ ከም ጽያፍ እቶም ህዝብታት እቲኦም ክትገብር ኣይትመሀር። ወዱ ወይ ጓሉ ብሓዊ ዜሕልፍ ወይ መውደቒ ዛዕጐል ወይ ብደበናን ብተመንን ዚፈልጥ ወይ ኣስማተኛ፡ ወይ ተራጋሚ፡ መናፍስቲ ዚጥይቕ፡ ወይ ጠንቋሊ ወይ ንምዉታት ዚጥይቕ፡ ኣባኻ ኣይረኸብ። እዚ ነገርዚ እዚ ዚገብር ኵሉ ኣብ እግዚኣብሄር ፍንፉን እዩ እሞ፡ ብሰሪ እዚ ጽያፍ እዚ ድማ እዩ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜኻ ዚሰጎም። ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምሉእ ኩን። እቶም ንስኻ እትወርሶም ህዝብታት፡ ነቶም ብደበና ዚፈልጡን ንመውደቕቲ ዛዕጐልን ይሰምዑ፡ ንኣኻ ግን እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምዚ ዝበለ ኣይፈቐደልካን።

Translation | Context
ሉቃስ 22:31 | 3 Helpful votes

ስምኦን፡ ስምኦን፡ እንሆ፡ ሰይጣን ከም ስርናይ ኪሐሕየኩም ተመነየ።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8 | 2 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:1 | 2 Helpful votes

በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 4:24 | 2 Helpful votes

ወሪኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ወጸ። ንዅሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጉዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 2 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:18 | 2 Helpful votes

እቲ ኻብ ኣምላኽ እትወልደ ዘበለ ርእሱ ይሕሉ፡ እቲ እኩይውን ኣይትንክዮን እዩ እምበር፡ እቲ ኻብ ኣምላኽ እተወልደስ፡ ሓጢኣት ከም ዘይገብር፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context