Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

deceivers


ማቴዎስ 7:15 | 10 Helpful votes

ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ፡ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም።

Translation | Context
2ይ ዮሃንስ 1:7 | 6 Helpful votes

የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:5 | 5 Helpful votes

እቶም መልክዕ ኣምልኾ ዘልዎም፡ ነቲ ሓይሉ ግና ዚኽሕድዎ፡ ናብ ኣባይቲ ህሩጕ እናበሉ፡ ሓጢኣት ዝመልኤንን ብብዙሕ ትምኒት ዚድፍኣን፡ ኵሉ ሳዕ ዚምሃራ ናብቲ ፍልጠት ሓቂ ኺበጽሓ ግና ከቶ ዘይከኣለን ኣንስቲ ዚማርኹ፡ ካብ እዚኣቶም እዮም እሞ፡ ካብ እዚኣቶምውን ርሐቕ።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:44 | 5 Helpful votes

ንስኻትኩም ካብቲ ኣቦኹም ድያብሎስ ኢኹም፡ እታ ትምኒት ኣቦኹም ክትገብሩውን ትደልዩ አሎኹም። ንሱ ኻብ መጀመርያ ቐታል ነፍሲ እዩ፡ ሓቂ ኣብኡ ስለ ዜልቦውን ኣብ ሓቂ ኣይጸንዔን። ሐሶት ኪዛረብ ከሎ፡ ካብ ርእሱ እዩ ዚዛረብ። ሓሳዊ እዩ እሞ፡ ንሓሶትውን ኣቦኣ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:1 | 4 Helpful votes

በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ።

Translation | Context
ሉቃስ 21:8 | 3 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ኣነ እየ፡ እቲ ዘመን ከኣ ቀሪቡ እዩ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ ደድሕሪኦም ኣይትስዓቡ፡ ከይትስሕቱ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:4 | 3 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ።

Translation | Context
2ይ ዮሃንስ 1:10-11 | 2 Helpful votes

ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 2 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:13-14 | 2 Helpful votes

እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:14 | 2 Helpful votes

እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 23:27 | 2 Helpful votes

ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16 | 2 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ራእይ 21:8 | 2 Helpful votes

እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ።

Translation | Context