Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

david danced


2ይ ሳሙኤል 6:14 | 9 Helpful votes

ዳዊት ከኣ ብምሉእ ሓይሉ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ይስዕስዕ ነበረ፡ ዳዊት ኤፎድ ልሕጺ እንጣጢዕ ድማ ተዐጢቑ ነበረ።

Translation | Context
መዝሙር 149:3 | 5 Helpful votes

ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎ፣ ብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ።

Translation | Context
መዝሙር 150:1-6 | 3 Helpful votes

ሃሌሉያ። ንኣምላኽ ኣብ መቕደሱ አመስግንዎ፣ ኣብ ጠፈር ስልጣኑ አመስግንዎ፣ ስለቲ ግብርታት ሓይሉ አመስግንዎ። ከም ብዝሒ ዕቤቱ አመስግንዎ። ብድምጺ መለኸት አመስግንዎ፣ ብበገናን መሰንቆን አመስግንዎ፣ ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ። ጭልጭል ብዚብል ጸናጽል አመስግንዎ፣ ብጥዑም ዝደሃዩ ጸናጽል አመስግንዎ። ትንፋስ ዘለዎ ዅሉ ንእግዚኣብሄር የመስግኖ። ሃሌሉያ።

Translation | Context
መክብብ 3:4 | 3 Helpful votes

ንብኽያት ጊዜ አለዎ፡ ንሰሓቕ ከአ ጊዜ አለዎ። ንሓዘን ጊዜ አለዎ፡ ንጓይላ ድማ ጊዜ አለዎ።

Translation | Context
መዝሙር 150:4 | 3 Helpful votes

ብኸበሮን ብሳዕስዒትን አመስግንዎ፣ ብቓና ኣውታርን እምብልታን አመስግንዎ።

Translation | Context
መዝሙር 30:11 | 3 Helpful votes

ነፍሰይ ምእንቲ ኽትዝምረልካን ስቕ ከይትብልንሲ፣ ብኽያተይ ናብ ሳሕቂ ለዊጥካለይ፣ ከለይ ፈቲሕካስ፣ ደስታ ኣዕጢቕካኒ። ዎ እግዚኣብሄር ኣምላኸይ፣ ንዘለአለም ክውድሰካ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 149:1-9 | 3 Helpful votes

ሃሌሉያ። ንእግዚኣብሄር ሓድሽ መዝሙር፣ ምስጋናኡ ኸኣ ኣብ ማሕበር ቅዱሳን ዘምሩ። እስራኤል ብፈጣሪኡ ይተሐጐስ፣ ደቂ ጽዮን ብንጉሶም እልል ይበሉ። ንስሙ ብሳዕሳዒት የመስግንዎ፣ ብኸበሮን በገናን ይዘምሩሉ። እግዚኣብሄር ንህዝቡ ብሂግዎም እዩ እሞ፣ ንትሑታት ብምድሓን ይስልሞም። ቅዱሳን ብኽብሪ ይተሐጐሱ፣ ኣብ መደቀሲኦም እልል ይበሉ። ንሳቶም ኣብ ኣህዛብ ሕነ ንምፍዳይ፣ ህዝብታት ከኣ ንምቕጻዕ፣ ንነገስታቶም ብሰንሰለት፣ ንኽቡራቶም ብመቚሕ ሓጺን ንምእሳር፣ ነቲ ጽሑፍ ፍርዲ ኣብኣቶም ኪፍጽምዎስ፣ ምስጋና እግዚኣብሄር ኣብ ጐረሮኦም፣ ክልተ ዝኣፉ ሰይፊውን ኣብ ኢዶም ይኹን። እዚ ንዅሎም ቅዱሳኑ ኽብሪ እዩ። ሃሌሉያ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 6:20 | 2 Helpful votes

ዳዊት ድማ ንቤቱ ኺባርኽ ተመልሰ። ሚካል ጓል ሳኦል ከኣ ንዳዊት ክትቅበሎ ወጺኣ፡ ንጉስ እስራኤልሲ፡ ከንቱ ዝዀነ ሰብ ከም ዚቕላዕ፡ ኣብ ቅድሚ ኣግራድ ገላዉኡ ብምቕላዑስ ሎሚ ኽንደይ ከበረ፡ በለት።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 15:29 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ እቲ ታቦት ኪዳን እግዚኣብሄር ናብ ከተማ ዳዊት ኪኣቱ ኸሎ፡ ሚካል ጓል ሳኦል ብመስኰት ተቐልቂላ ንንጉስ ዳዊት ኪስዕስዕን ኪሰራሰርን ረአየቶ እሞ ብልባ ነዐቐቶ።

Translation | Context
ዘጸአት 15:20 | 2 Helpful votes

ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 18:6-7 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ ምስ አተዉ፡ ዳዊት ነቲ ፍልስጥኤማዊ ቐቲሉ ምስ ተመልሰ፡ ካብ ኵለን ከተማታት እስራኤል ኣንስቲ ብኸበሮን ብእልልታን ብመሰንቆን እናደረፋን እናሳዕስዓን ንንጉስ ሳኦል ኪቕበላ ወጻ። እተን ኣንስቲ ኸምዚ ኢለን እናደረፋ ተቓባበላ፡ ሳኦል ሽሑ ዳዊት ግና እልፉ ቐተለ።

Translation | Context
ዘጸአት 15:20-21 | 2 Helpful votes

ነብዪት ሚርያም ሓብቲ ኣሮን ከኣ ከበሮ ብኢዳ ወሰደት፡ ኵለን ኣንስቲ ድማ ብከበሮን ብሳዕስዒትን ደድሕሪኣ ወጻ። ሚርያም ከኣ መለሰትሎም፤ ንሱ ኣዝዩ ክብ ዝበለ እዩ፡ ንፈረስን ንፈረሰኛን ናብ ባሕሪ ደርብዩ እዩ እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ዘምሩሉ።

Translation | Context