Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

19 bible verses about

daughters


መዝሙር 144:12 | 12 Helpful votes

ኣወዳትና ብጒብዝናኦም ከም ነዋሕቲ ኣትክልቲ ይኹኑ፣ ኣዋልድና ኸም ኣተሃናንጻ ኣዳራሽ እተወቕረ ኣዕኑድ ኵርናዕ ይኹና፣

Translation | Context
ህዝቅኤል 16:44 | 11 Helpful votes

እንሆ፣ እቶም ዚምስሉ ኵላቶም፣ ከምታ ኣደ ኸምኡውን እታ ጓላ፣ ኢሎም ብኣኺ ኺምስሉ እዮም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 32:9 | 8 Helpful votes

ኣትን ጥዒሙክን ዘሎኽን ኣንስቲ፡ ተንስኣ እሞ ድምጸይ ስምዓ፡ ኣትን ግዲ ዜብልክን ኣዋልድ፡ ናብ ዘረባይ ኣድህባ።

Translation | Context
ማርቆስ 5:34 | 7 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፡ ጓለየ፡ እምነትኪ ኣድሓነትኪ። ብሰላም ኪዲ፡ ካብ ሕማምኪውን ጥዓዪ፡ በላ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 6:18 | 7 Helpful votes

ኣቦ ድማ እዀነኩም፡ ንስኻትኩምውን ኣወዳትን ኣዋልድን ክትኰኑኒ ኢኹም፡ ይብል እቲ ዅሉ ዚከኣሎ ጐይታ።

Translation | Context
ሩት 3:10 | 6 Helpful votes

ንሱ ኸኣ በላ፡ ኣቲ ጓለይ፡ ንድኻታት ኮነ፡ ንሃብታማት ደድሕሪ መንእሰይ ስለ ዘይሰዐብኪ፡ ካብቲ ቐዳማይ እቲ ዳሕራይ ዚበልጽ ለውሃት ጌርኪ ኢኺ እሞ፡ እግዚኣብሄር ይባርኽኪ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 21:8-9 | 6 Helpful votes

ንጽብሒቱ ኻብኣ ወጺእና ናብ ቂሳርያ መጻእና፡ ኣብ ቤት ፊልጶስ ወንጌላዊ፡ ካብቶም ሾብዓተስ ሓደ ዝነበረ፡ ኣቲና ኣብኣ ቐኔና። ንሱ ትንቢት ዚንበያ ኣርባዕተ ደናግል ኣዋልዱ ነበራኦ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 30:3-5 | 4 Helpful votes

ሰብ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔ፡ ወይ ምሒሉ፡ ገለ ነገር ይትረፈኒ ብምባል፡ ነፍሱ ብማሕላ እንተ ኣሰረ፡ ቃሉ ኣየፍርስ፡ ከምቲ ኻብ ኣፉ ዝወጸ ዅሉ ይግበር። ሰበይቲ ድማ ብጊዜ ንእስነታ፡ ኣብ ቤት ኣቦኣ ኸላ፡ ንእግዚኣብሄር መብጽዓ እንተ ተማባጽዔት፡ ብገለ ማእሰር ከኣ እንተ ተኣስረት፡ ኣቦኣ ድማ መብጽዓኣን እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ መእሰርን እንተ ሰምዔ፡ እሞ ኣቦኣ ብዛዕባ እዚ ስቕ እንተ በለ፡ ኲሉ መብጽዓኣ ይቑም፡ እቲ ነፍሳ ዝኣሰረትሉ ዅሉ መእሰሪ ኸኣ ይቑም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:1-2 | 4 Helpful votes

ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም። ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 4:4 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ብመንፈስ ፍርድን ብመንፈስ ምንዳድን ገይሩ፡ ንርኽሰት ኣዋልድ ጽዮን ምስ ሐጸበ፡ ንደም የሩሳሌም ድማ ካብ ማእከል ምስ ኣጽረየ፡ ኣብ ጽዮን እተሐድገን ኣብ የሩሳሌም ዝተረፈን፡ ነፍሲ ወከፍ ኣብ የሩሳሌም ምስ ህያዋን እተጻሕፈ፡ ቅዱስ እዩ ዚበሀለሉ ጊዜ ኪኸውን እዩ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 19:30-38 | 4 Helpful votes

ሎጥ ከኣ ኣብ ዞኣር ንምቕማጥ ፈሪሁ ነበረ እሞ፡ ኣብ ዞኣር ደይቡ፡ ክልቲኤን ኣዋልዱ ድማ ምስኡ ኣብ ከረን ተቐመጡ። ንሱን ክልቲኤን ኣዋልዱን ኣብ በዓቲ ተቐመጡ። እታ ቦዂሪ ኸኣ ነታ ንእሽቶ፡ ኣቦና ኣሪጉ እዩ፡ ኣብ ምድሪ ድማ ከም ልማድ ኵሉ ምድሪ ዜእትወና ሰብኣይ የልቦን። ንዒ፡ ነቦና ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍሲ ምስኡ ንደቅስ፡ በለታ። እሞ በታ ለይቲ እቲኣ ነቦኤን ወይኒ እስተያኦ፡ እታ በዂሪ ድማ ኣትያ ምስ ኣቦኣ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። ኰነ ኸኣ፡ ንጽብሒቱ እታ በዅሪ ነታ ንእሽቶ፥ እንሆ፡ ትማሊ ለይቲ ምስ ኣቦይ ደቂሰ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ድማ ወይኒ ነስትዮ፡ ካብ ኣቦና ዘርኢ ምእንቲ ኸነትርፍ፡ ንስኺ ድማ ኣቲኺ ምስኡ ደቅሲ፡ በለታ። በታ ለይቲ እቲኣ ድማ ነቦኤን ወይኒ ኣስተያኦ፡ እታ ንእሽቶ ኸኣ ከይዳ ምስኡ ደቀሰት። ንሱ ግና ምድቃሳን ምትንስኣን ኣይፈለጠን። ክልቲኤን ደቂ ሎጥ ከኣ ካብ ኣቦኤን ጠነሳ። እታ በዅሪ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ኸኣ ሞኣብ ኣውጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ሞኣባውያን እዩ። እታ ንእሽቶ፡ ንሳ ድማ ወዲ ወለደት፡ ስሙ ብንዓሚ ኣጽኣትሉ። ንሱ ኽሳዕ ሎሚ ኣቦ ደቂ ዓሞን እዩ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 27:1-11 | 4 Helpful votes

ኣዋልድ ጸሎፎሓድ ወዲ ሔፈር፡ ወዲ ጊልኣድ ወዲ ማኪር ወድ ምናሴ፡ ካብ ዓሌታት ምናሴ ወዲ ዮሴፍ ከኣ ቀረባ። ስም እተን ኣዋልዱ ድማ እዚ ነበረ፡ ማሕላ፡ ኖዓ፡ ሖግላ፡ ሚልካ፡ ቲርጻ። ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ኻህን ኣልኣዛርን ኣብ ቅድሚ ሹማምትን ኲሉ ኣኼባን ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢለን፡ ኣቦና ኣብ በረኻ ሞተ፡ ንሱ ኸኣ ብሓጢኣቱ ሞተ እምበር፡ ኣብ ማእከል እቶም በቲ ኣኼባ ቆራሕ ናብ ልዕሊ እግዚኣብሄር እተአከቡ ኣይነበረን፡ ኣወዳት ድማ ኣይነበርዎን። ወዲ ስለ ዘይነበሮስ፡ ስለምንታይ ስም ኣቦና ኻብ ማእከል ዓሌቱ ዚጠፍእ፡ ኣብ ማእከል ሓወቦታትና ርስቲ ሀበና፡ በላ። ሙሴ ድማ እቲ ነገረን ናብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣቕረበ። እግዚኣብሄር ከኣ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ። ኣዋልድ ጸሎፍሓድ እተዛረባኦ ሓቂ እዩ። ኣብ ማእከል ሓወቦታተን ርስቲ ሀበን፡ እቲ ርስቲ ኣቦኤን ናባታተን ኣሕልፎ። ንደቂ እስራኤል ድማ ከምዚ ኢልካ ተዛረቦም፡ ሰብ፡ ወዲ ኸይሐደገ እንተ ሞተ፡ እቲ ርስቱ ናብ ጓሉ ኣሕልፍዎ። ጓል እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ነሕዋቱ ሀብዎም። ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ኸኣ፡ እቲ ርስቱ ንሓወቦታቱ ሀብዎም። ኣቦኡ ኣሕዋት እንተ ዜብሉ ድማ፡ እቲ ርስቱ ኻብ ዓሌቱ ንዚቐርቦ ዘመዱ ሀብዎ፡ ንሱ ይውረሶ። እዚ ኸኣ ከምቲ እግዚኣብሄር ንሙሴ ዝኣዘዞ ንደቂ እስራኤል ሕጊ ፍርዲ ይኹን።

Translation | Context
ሉቃስ 12:53 | 4 Helpful votes

ኣቦ ኻብ ወዱ፡ ወዲውን ካብ ኣቦኡ፡ ኣደ ኻብ ጓላ፡ ጓላውን ካብ ኣዲኣ፡ ሓማት ካብ መርዓት ወዳ፡ መርዓት ወዲውን ካብ ሓማታ ኺፋላለዩ እዮም።

Translation | Context
ህዝቅኤል 14:20 | 4 Helpful votes

ኖህን ዳንኤልን እዮብን እኳ ኣባኣ እንተ ጸንሑ፣ ንሳቶምሲ ብጽድቆም ንነፍሶም ጥራይ ደኣ መናገፉ እምበር፣ ኣነ ህያው እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፣ ወዲ ወይስ ጓል ኣይመናገፉን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 49:22 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል፡ እንሆ፡ ኢደይ ናብ ኣህዛብ ኣቢለ ኸልዕል፡ ንሰንደቕ ዕላማይ ከኣ ናብ ህዝብታት ከቚሞ እየ። ንሳቶም ድማ ነወዳትኪ ሐቚፎም ኬምጽኡልኪ፡ ነዋልድኪውን ኪሕንግርወን እዮም፡

Translation | Context
ኣስቴር 2:7 | 3 Helpful votes

ኮነ ድማ። ንሃዳሳ ጓል ሓወቦኡ ኣዕብይዋ ነበረ፡ ንሳ ኸኣ ኣስቴር እያ። ኣቦን ኣደን ድማ ኣይነበርዋን። እታ ጓል እቲኣ ኸኣ ኣዝያ መልክዔኛ ትርኢታ ድማ ጽብቕቲ ነበረት። ኣቦኣን ኣዲኣን ምስ ሞቱ ኸኣ፡ ማርዶካይ ከም ጓሉ ጌሩ ሒዝዋ ነበረ።

Translation | Context
ነህምያ 10:28-29 | 2 Helpful votes

እቶም ዝተረፉ ህዝብን ካህናትን ሌዋውያንን ሐለውቲ ኣፍ ደገን ዘመርትን ነቲኒምን ሕጊ ኣምላኽ ንምግባር ነፍሶም ካብ ህዝቢ እታ ሃገር ዝፈለዩ ዅላቶምን፡ ኣንስቶምን ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን ኲሎም ፍልጠትን ምስትውዓልን ዝነበሮም፡ እዚኣቶም ምስቶም ከበርተ ኣሕዋቶም ሓቢሮም በቲ ብኢድ ሙሴ ባርያ ኣምላኽ እተዋህበ፡ ብሕጊ ኣምላኽ ንምኻድ ድማ፡ ናይ ጐይታና እግዚኣብሄር ትእዛኣትን ፍርድታቱን ሕጋጋቱን ኵሉ ኽሕልውን ኪገብርዎን፡ ንህዝብታት እታ ሃገር ድማ፡ ኣዋልድና ኣይንህብ፡ ነወዳትና ኸኣ ኣዋልዶም ኣይንውሰድ፡ ኢሎም ማሕላን መርገምን ገበሩ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:30 | 2 Helpful votes

ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ።

Translation | Context
ዮኤል 2:28 | 2 Helpful votes

ብድሕርዚ ኪኸውን እዩ፣ መንፈሰይ ናብ ልዕሊ ዅሉ ስጋ ክዅዑ እየ፣ ኣወዳትኩምን ኣዋልድኩምን ኪንበዩ፣ ኣረገውትኹም ሕልሚ ኪሐልሙ፣ ኣጕባዝኩም ከኣ ራእይ ኪርእዩ እዮም።

Translation | Context