Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

cultural diversity


ገላትያ 3:28 | 33 Helpful votes

ኵላትኩም ብክርስቶስ የሱስ ሓደ ኢኹም እሞ፡ በዚ ኣይሁዳዊ ወይስ ጽርኣዊ የልቦን፡ በዚ ባርያ ወይስ ጭዋ የልቦን፡ በዚ ተባዕታይ ወይስ ኣንስተይቲ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:12-30 | 14 Helpful votes

ከምቲ ስጋ ሓደ ኽነሱስ፡ ብዙሕ ኣካላት ዘለዎ፡ ብዘሎ እቲ ኣካላት ስጋ ኸኣ፡ ብዙሕ ክነሱስ፡ ሓደ ስጋ ዝዀነ፡ ክርስቶስ ከኣ ከምኡ እዩ። ኣይሁድ ወይስ ጽርኣውያን፡ ባሮት ወይስ ጭዋታት እንተ ዀንና፡ ንሕና ዂላትና ሓደ ስጋ ምእንቲ ኽንከውንሲ፡ ብሓደ መንፈስ ተጠሚቕና ኢና እሞ፡ ሓደ መንፈስ ሰቴና። እቲ ስጋ ኸኣ ብዙሕ እምበር፡ ሓደ ኣካል ኣይኰነን እሞ፡ እግሪ፡ ኢድ ካብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለ፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃኑ ይተርፎ እዩ፧ እዝኒ ድማ፡ ዓይኒ ኻብ ዘይኰንኩስ፡ ናይ ስጋ ኣይኰንኩን፡ እንተ በለት፡ በዚዶ ናይ ስጋ ምዃና ይተርፍ እዩ፧ ብዘሎ እቲ ስጋ ዂሉ ዓይኒ እንተ ዚኸውን ደኣ፡ ምስማዕ ኣበይ ምተረኽበ፧ እቲ ስጋ ዂለንትናኡ ምስማዕ እንተ ዚኸውንከ፡ ምሽታት ኣበይ ምተረኸበ፧ ሕጂ ግና ኣምላኽ፡ ንሱ ኸም ዝደለዮ ገይሩ፡ ነቲ ኣካላት ንነፍሲ ወከፉ ኣብቲ ስጋ ሰርዖ። ኲሉ ኣካላት ሓደ ኣካል ጥራይ እንተ ዚኸውንከ፡ እቲ ስጋ ኣበይ ምሀለወ፧ ሕጂ ግና ኣካላት ብዙሕ፡ እቲ ስጋ ግና ሓደ እዩ። ዓይኒ ንኢድ፡ ኣይደልየክን፡ ክትብላ ኣይከኣላን እዩ፡ ወይስ ርእሲ ድማ ነእጋር፡ ኣይደልየኩምን፡ ክትብሎም ኣይከኣላን እዩ። እቶም ድኹማት ዚመስሉ ኣካላት ስጋ እባ ግዳ እዮም ኣዝዮም ዚድለዩ። ነቲ ኣብ ስጋ ዘሎ ሕሱር ዚመስለና ኸኣ፡ ብዚበዝሕ ክብሪ ንኸድኖ፡ ንሓፍረትናውን ኣዚና ብኽብሪ ንኽውሎ። እቲ ኽቡር ኣካላትና ግና እዚ ኣየድልዮን እዩ። ግናኸ እቲ ኣካላት ንሓድሕዱ ሓደ ሓልዮ ኺህልዎ እምበር፡ ኣብቲ ስጋ ምፍልላይ ምእንቲ ኸይከውንሲ፡ ኣምላኽ ነቲ ኽብሪ ዝጐደሎ ኣካል ዚበዝሕ ክብሪ እናሃበ፡ ነቲ ስጋ ኣጋጠሞ። ሓደ ኣካል እንተ ተሰቀየ፡ ኲሉ ኣካላት ይስቀ፡ ሓደ ኣካል እንተ ኸበረ ኸኣ፡ ኲሉ ኣካላት ሐቢሩ እዩ ዚሕጐስ። እምብኣርከ ንስኻትኩም ስጋ ክርስቶስ ኢኹም፡ ነፍሲ ወከፍኩም ከኣ በብኽፍሉ ኣካላቱ ኢኹም። ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያ፡ ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ። ኲላቶምዶ ሃዋርያት እዮም፧ ኲላቶምዶ ነብያት እዮም፧ ኲላቶምዶ መምህራን እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ገበርቲ ተኣምራት እዮም፧ ኲላቶምዶ ውህበት ምፍዋስ አለዎም፧ ኲላቶምዶ ቛንቋታት ይዛረቡ እዮም፧ ኲላቶምዶኸ ይትርጒሙ እዮም፧

Translation | Context
ቈሎሴ 3:11 | 9 Helpful votes

ክርስቶስ ኵሉን ኣብ ኵሉን እዩ እምበር፡ ኣብኡስ ጽርኣውን ኣይሁዳውን፡ ግዝረትን ዘይግዝረትን፡ ባርባርን ስኪትን፡ ባርያን ጭዋን የልቦን።

Translation | Context
ራእይ 7:9-10 | 8 Helpful votes

ድሕርዚ ድማ ርኤኹ፡ እንሆ፡ ካብ ኵሎም ኣህዛብን ዓሌታትን ህዝብታትን ካብ ብዘሎ ቛንቋታትን እተኣከቡ፡ ሓደ እኳ ኪቘጽሮም ዘይክእል ብዙሓት ሰብ፡ ጻዕዳ ኽዳውንቲ ተኸዲኖም፡ ጨነፍር ስየ ኣብ ኣእዳዎም ሒዞም፡ ኣብ ቅድሚ እቲ ዝፋንን ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸልን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡ ምድሓን ናይቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ኣምላኽናን ናይቲ ገንሸልን እዩ፡ እናበሉ ዓው ኢሎም ጨደሩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:26-28 | 7 Helpful votes

ካብቶም ተቐነይትኹም ድማ ሓያሎ፡ ንሕና ኻብ ዓሌት ኣምላኽ ኢና፡ ኢሎም ከም ዘለዉ፡ ብእኡ ኢና እንነብርን እንዋሳወስን ብእኡ ኸኣ ኢና ዘሎና እሞ፡ ንሱ ኻብ ሓደ ሰብ ኣብ ርእሲ ዂላ ምድሪ ኺነብሩ ዂሉ ዓሌት ሰብ ፈጠረ። ንሱ ኻብ ነፍሲ ወከፍና ዘይረሐቐ ኽነሱ፡ ምናልባሽ ሃሰስ ኢሎም እንተ ረኸብዎ፡ ንኣምላኽ ምእንቲ ኺደልዩ፡ ንመናበሪኦም ድማ ውሱን ዘመናትን ድዉብ ደረትን ሐገገሎም።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:2-5 | 6 Helpful votes

ብትሕና ዘበለን ብለውሃትን ብህድኣትን ንሓድሕድኩም ብፍቕሪ እናተጻወርኩም፡ ነቲ ሕብረት መንፈስ ብማእሰር ሰላም ጌርኩም ክትሕልውዎ፡ ተጋደሉ። ከምቲ ብሓንቲ ተስፋ ጽውዓኹም እተጸዋዕኩም ድማ፡ ሓደ ስጋን ሓደ መንፈስን እዩ፡ ሓደ ጐይታ፡ ሓንቲ እምነት፡ ሓንቲ ጥምቀት፡

Translation | Context
ሮሜ 14:10 | 3 Helpful votes

ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 9:20 | 3 Helpful votes

እቶም ኣይሁድ ምእንቲ ኽረብሕ፡ ምስ ኣይሁድ ከም ኣይሁዳዊ ዀንኩ። እቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉ ምእንቲ ኽረብሕ ከኣ፡ ምስቶም ትሕቲ ሕጊ ዘለዉባዕለይ እኳ ትሕቲ ሕጊ ዘይኰንኩ ኽነሰይ፡ ከምቲ ትሕቲ ሕጊ ዘሎ ዀንኩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 56:6-8 | 3 Helpful votes

ነቶም ምእንቲ ኼገልግልዎ፡ ንስም እግዚኣብሄር ኬፍቅሩ፡ ባሮቱ ኪዀኑ ኢሎም ምስ እግዚኣብሄር ዝሐበሩ መጻእተኛታት፡ ሰንበት ከየፍርሱ ዚጥንቀቑ፡ ኪዳነይውን ዜጽንዑ ዂላቶም፡ ቤተይሲ ንዂሎም ህዝብታት ቤት ጸሎት ኪስመ እዩ ኣሞ፡ ንኣታቶም ናብ ቅዱስ ከረነይ ከምጽኦም፡ ኣብ ቤት ጸሎተይ ከኣ ከሐጒሶም እየ፡ ዚሐርር መስዋእትታቶምን መስዋእትታት ሕሩዶምን ኣብ መሰውእየይ ቅቡል ኪኸውን እዩ። እቲ ነቶም ፋሕ ኢሎም ዘለዉ እስራኤል ዚኣኻኽብ እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ኣብ ርእሲ እቶም እኩባቱ ካልኦትውን ክእክብ እየ፡ ይብል አሎ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 11:1-11 | 2 Helpful votes

ምድሪ ብዘላ ብሓደ ቛንቋን ብሓደ ንግግርን ነበረት። ኰነ ድማ፡ ንምብራቕ ኣቢሎም ምስ ተጓዕዙ፡ ኣብ ምድሪ ሲነኣር ጐልጐል ረኸቡ፡ ኣብኡ ድማ ተቐመጡ። ንሓድሕዶም ድማ፤ ክላ ግዳ፡ ጡብ ንስራሕ እሞ ብሓዊ ንድፈኖ፡ ተባሃሀሉ፡ እሞ ጡብ ኣብ ክንዲ እምኒ፡ ጸብሪ ኸኣ ኣብ ክንዲ ኖራ ዀነሎም። ሽዑ ድማ፡ ክላ ግዳ፡ ኣብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ምእንቲ ፋሕ ከይንብልሲ፡ ከተማን ርእሱ ሰማይ ዝጥንቍር ግምብን ንስራሕ፡ ስምና ኸኣ ነጸውዕ፡ በሉ። እግዚኣብሄር ከኣ ነቲ ደቂ ሰብ ዝሰርሕዎ ዝነበሩ ኸተማን ግምብን ኪርኢ ወረደ። እግዚኣብሄር ድማ፡ እንሆ፡ ኵላቶም ሓደ ዝዘረባኦም ሓደ ህዝቢ እዮም። መጀመርታ ግብሮም ከኣ እዚ እዩ። ሕጂ ድማ ኪገብርዎ ኢሎም ዚህቅንዎ ዘበለ ዚኽልክሎም የልቦን። እምበኣር ማንም ንዘረባ ብጻዩ ምእንቲ ኸይሰምዕሲ፡ ንዑ ንውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ዘረባኦም ንደባልቕ፡ በለ። እግዚኣብሄር ድማ ካብኡ ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ ፋሕ ኣበሎም፡ ምስራሕ እታ ኸተማ ኸኣ ገደፉ። እግዚኣብሄር ኣብኣ ቛንቋ ዅላ ምድሪ ፋሕፋሕ ስለ ዘበለ፡ ስም እታ ኸተማ ባቤል ተባህለ፡ ካብኣ ኸኣ እግዚኣብሄር ናብ ልዕሊ ገጽ ኵላ ምድሪ በተኖም። ወለዶ ሴም እዚ እዩ፡ ሴም ወዲ ሚእቲ ዓመት ኰነ፡ ክልተ ዓመት ድሕሪ ማይ ኣይሂ ኸኣ ንኣርፋክሳድ ወለደ። ሴም ድማ ድሕርቲ ንኣርፋክሳድ ምስ ወለደ፡ ሓሙሽተ ሚእቲ ዓመት ገበረ፡ ኣወዳትን ኣዋልድን ከኣ ወለደ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 12:28 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ኣብ ማሕበር ቅድም ሃዋርያ፡ ካልኣይ ነብያት፡ ሳልሳይ መምህራን፡ ደሓር ገበርቲ ሓይልታት፡ ደሓር ውህበት ምፍዋስ፡ ምርዳእ ድኹማት፡ ምምራሕ፡ በበይኑ ቛንቋታት ሰርዔ።

Translation | Context
ሮሜ 1:16 | 2 Helpful votes

ወንጌል ቅድም ንኣይሁዳዊ ኸምኡውን ንጽርኣዊ፡ ንዚኣምን ዘበለ ዂሉ ሓይሊ ኣምላኽ ንምድሓን እዩ እሞ፡ ብወንጌል ኣይሐፍርን እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16-17 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ። ኣምላኽ ንወዱ፡ ዓለም ብእኡ ኽትድሕን እምበር፡ ንዓለም ኪፈርዳስ ኣይለኣኾን።

Translation | Context