Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

crowns


ኢሳይያስ 62:3 | 8 Helpful votes

ኣብ ኢድ እግዚኣብሄር ክቡር ኣኽሊል፡ ኣብ ኢድ ኣምላኽኪ ድማ ዘውዲ ንጉስ ክትኰኒ ኢኺ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:12 | 8 Helpful votes

ተፈቲኑ ምስ ወጸ፡ ነቲ እግዚኣብሄር ነቶም ዜፍቅርዎ ዘተስፈዎም ኣኽሊል ህይወት ኪቕበል እዩ እሞ፡ እቲ ብፈተና ዚዕገስ ሰብኣይ ብጹእ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:8 | 6 Helpful votes

ደጊምሲ ጐይታይ፡ ንሱ እቲ ጻድቕ ፈራዲ፡ በታ መዓልቲ እቲኣ ዚህበኒ ኣኽሊል ጽድቂ ተነቢሩለይ አሎ። እዚ ግና ነቶም ምግሃዱ ዜፍቅሩ ዅላቶም ድማ እዩ እምበር፡ ንኣይ ጥራይ ኣይኰነን።

Translation | Context
ራእይ 2:10 | 5 Helpful votes

እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ።

Translation | Context
ራእይ 3:11 | 5 Helpful votes

ቀልጢፈ እመጽእ አሎኹ። ሓደ እኳ ኣኽሊልካ ኸይዝርፈካስ፡ ነቲ ዘሎካ ኣጽኒዕካ ሐዞ።

Translation | Context
ራእይ 6:2 | 3 Helpful votes

ርኤኹውን እንሆ፡ ኣምበላይ ፈረስ፡ እቲ ተቐሚጥዎ ዘሎ ድማ ቀስቲ አለዎ ኣኽሊልውን ተዋህቦ፡ እናሰዓረስ ኪስዕር ከኣ ወጸ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:4 | 3 Helpful votes

እቲ ሓለቓ ጓሶት ምስ ተገልጸ ድማ፡ ዘይጽምሉ ኣኽሊል ክብሪ ኽትቅበሉ ኢኹም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 28:5 | 3 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ነቶም ተረፍ ህዝቢ ኣኽሊል ክብርን ዘውዲ ስልማትን ኪዀኖም እዩ።

Translation | Context
ራእይ 4:10 | 2 Helpful votes

እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎ ፍግም ኢሎም፡ ዎ ጐይታናን ኣምላኽናን፡ ንብዘሎ ንስኻ ፈጠርካዮ፡ ስለ ፍቓድካውን ኰይኑን ተፈጢሩን እዩ እሞ፡ ንስኻ ኽብርን ስብሓትን ስልጣንን ንምውሳድ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ፡ ነቲ ንዘለኣለመ ኣለም ህያው ኰይኑ ዚነብር እናሰገዱ ኣኽሊላቶም ናብ ቅድሚ እቲ ዝፋን ይድርብዩ አለዉ።

Translation | Context
መዝሙር 21:3 | 2 Helpful votes

ምስ በረኸት ሰናይ ተቓባቢልካዮ ኢኻ እሞ፣ ኣብ ርእሱ ዘውዲ ጽሩይ ወርቂ ደፋእካሉ።

Translation | Context
ራእይ 4:4 | 2 Helpful votes

ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋን ከኣ ዕስራን ኣርባዕተን ዝፋናት፡ ኣብቲ ዝፋናትውን ጻዕዳ ኽዳውንቲ እተኸድኑ ኣብ ረርእሶም ከኣ ኣኽሊል ወርቂ እተኸለሉ ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታት ተቐሚጦም ርኤኹ።

Translation | Context
ራእይ 12:1 | 2 Helpful votes

ዓብዪ ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ተራእየ፡ ሰበይቲ፡ ጸሓይ ተወንዚፋ፡ ወርሒ ኸኣ ኣብ ትሕቲ ኣእጋራ፡ ኣኽሊል ዓሰርተው ክልተ ኸዋኽብቲ ድማ ኣብ ርእሳ ዘለውዋ ተራእየት።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:5 | 2 Helpful votes

ከምእውን ሓደ ኣብ ስፍራ መቃለሲ ዀይኑ ዚቃለስ፡ ከምቲ ሕጉ ገይሩ እንተ ዘይተቓለሰ፡ ኣኽሊል ዓወት ኣይረክብን እዩ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 16:12 | 2 Helpful votes

ቀለቤት ኣብ ኣፍንጫኺ፣ ኵትሻ ኣብ ኣእዛንኪ፣ ዘውዲ ግርማ ድማ ኣብ ርእስኺ ገበርኩልኪ።

Translation | Context
ዮሃንስ 19:5 | 2 Helpful votes

ሽዑ የሱስ ኣኽሊል እሾኽ ደፊኡን ቀይሕ ባርኖስ ተኸዲኑን ናብ ወጻኢ ወጸ። ጲላጦስ ድማ፥ እንሆ እቲ ሰብኣይ፡ በሎም።

Translation | Context
ዘካርያስ 6:11 | 2 Helpful votes

ብሩርን ወርቅን ውሰድ እሞ ኣኽሊላት ስራሕ፣ ኣብ ርእሲ እቲ ሊቀ ኻህናት እያሱ ወዲ የሆጻዳቅ ድማ ድፍኣሉ።

Translation | Context
መዝሙር 103:2-4 | 2 Helpful votes

ነፍሰይ፣ ንእግዚኣብሄር ባርኺ፣ ነቲ እተገብረልኪ ሰናይ ኵሉ ኸኣ ኣይትረስዒ፣ ንሱ ንዅሉ ኣበሳኺ ዚሐድገልኪ፣ ንዅሉ ሕማምኪ ዚፍውስ፣ ንህይወትኪ ኻብ ጥፍኣት ዚብጀዋ፣ ብሳህልን ምሕረትን ዚኽልለኪ፣

Translation | Context