Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

content


እብራውያን 13:5 | 15 Helpful votes

ንሱ ባዕሉ፡ ኣይክሐድገካን ዕሽሽውን ከቶ ኣይብለካን እዩ፡ ኢሉ እዩ እሞ፡ ንብረትኩም ብዘይ ፍቕሪ ገንዘብ ይኹን፡ በቲ ዘሎኹም ዕገቡ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 12:10 | 10 Helpful votes

እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 6:6-9 | 8 Helpful votes

ግናኸ ኣምልኾ ምስ ይአኽለኒ ምባል ዓብዪ ረብሓ እዩ። ማለት፥ ናብ ዓለም ሓንቲ እኳ ኣየምጻእናን እሞ ሓንቲ ኽንወስድ ኣይከኣለናን እዩ። ቀለብናን ክዳንናን እንተ አሎናስ፡ ንሱ ይእከለና። እቶም ኪህብትሙ ዚደልዩ ግና ኣብ ፈተናን መፈንጠራን፡ ኣብ ብዙሕ ንሰብ ናብ ምብራስን ጥፍኣትን ዜስጥሞ ናይ ዕሽነትን ጕድኣትን ትምኒት እዮም ዚወድቁ።

Translation | Context
ምሳሌ 28:25 | 7 Helpful votes

ረብሓ ዚሀርፍ ሰብ ባእሲ የልዕል። ብእግዚኣብሄር ዚእመን ግና ይጸግብ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 33:11 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ጸግዩኒ፡ ኵሉ መሊኡኒ አሎ እሞ፡ እቲ ዝሰደድኩልካ ገጽ በረኸተይ ውሰዶ ደኣ፡ ኢሉ ግዲ በሎ። ንሱ ኸኣ ወሰዶ።

Translation | Context
ሆሴዕ 4:7 | 4 Helpful votes

ብመጠን እቲ ምብዛሖም ከምኡ ኣብዚሖም በደሉኒ። ኣነ ንኽብረቶም ናብ ነውሪ ክልውጦ እየ።

Translation | Context
ሮሜ 6:23 | 3 Helpful votes

ዓስቢ ሓጢኣትሲ ሞት እዩ፡ ውህበት ጸጋ ኣምላኽ ግና ብክርስቶስ የሱስ ጐይታና ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ። ሕጂ ግና ካብ ሓጢኣት ሓራ ስለ ዝወጻእኩም፡ ንኣምላኽውን ስለ እተገዛእኩምዎ፡ ፍሬኹም ንቕድስና ዀይኑ አሎ፡ መወዳእታ ኸኣ ናይ ዘለኣለም ህይወት እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 16:8 | 3 Helpful votes

ሙሴ ድማ፡ እዚ እግዚኣብሄር ምሸት ስጋ ንምብላዕ፡ ብጊሓት ከኣ እንጌራ ንምጽጋብ ንኣኻትኩም ብምሃቡ እዩ ዚኸውን። እግዚኣብሄር እቲ ዘጕረምረምኩምሉ ምጕርምራም ሰሚዕዎ እዩ እሞ፡ ንሕና እንታይ ኢና፧ ንእግዚኣብሄር ኢኹም እምበር፡ ንኣና ኣይኰንኩምን ዘጕረምረምኩምልና፡ በለ።

Translation | Context