Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

conjuring up spirits


1ይ ዮሃንስ 4:1 | 9 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 8:19 | 7 Helpful votes

ነቶም ብሕሽዂሽዂን ብሰላሕ ላሕን ዚዛረቡ ጠንቈልትን ኣስማተኛታትን ጠይቑ፡ እንተ በሉኹም፡ ንስኻትኩም ከኣ፡ ህዝቢዶ ንኣምላኹ ኣይሐትትን፡ ብዛዕባ ህያዋንሲ ንምውታትዶ ይሐትት እዩ፧ ኢልኩም ምለሱሎም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:1 | 7 Helpful votes

በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ።

Translation | Context
ማርቆስ 6:7 | 6 Helpful votes

ነቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ጸውዖም በብኽልተውን ኪልእኮም ጀመረ። ኣብ ርኹሳት መናፍስቲ ኸኣ ስልጣን ሃቦም።

Translation | Context
ዘዳግም 13:1-3 | 6 Helpful votes

ኣብ ማእከል ነብዪ ወይ ሓላም ሕልምታት እንተ ተንስኡ እሞ ምልክት ወይስ ተኣምራት እንተ ሀበካ፡ እቲ ምልክት ወይ ተኣምራት ከኣ ከምቲ ዝበለካ እንተ ዀነ፡ ደድሕሪ ዘይትፈልጦም ካልኦት ኣማልኽቲ ንኺድ እሞ ነገልግሎም፡ እንተ በለካ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ብዂሉ ልብኹምን ብዂሉ ነፍስኹምን እንተፍቅርዎ እንተ ዄንኩም ምእንቲ ኺፈልጥ፡ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኪፍትነኩም እዩ እሞ ነቲ ነብዪ እቲ ወይ ነቲ ሓላም ሕልምታት እቲ ቓሉ ኣይትስማዕ።

Translation | Context