Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

22 bible verses about

compromise


ዮሃንስ 14:15 | 8 Helpful votes

እተፍቅሩኒ እንተ ዄንኩምሲ፡ ትእዛዛተይ ሐልዉ።

Translation | Context
እብራውያን 10:26 | 8 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን።

Translation | Context
ሮሜ 14:1-23 | 7 Helpful votes

ነቲ ብእምነት ድኹም ዝዀነ፡ ብናይ ጥርጥር ከይተኻራኸርኩም፡ ተቐበልዎ። ኲሉ ምብላዕ ከም እተፈቕደሉ ዚኣምን አሎ፡ እቲ ድኹም ግና ሓምሊ እዩ ዚበልዕ። ኣምላኽ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ እቲ ዚበልዕ ነቲ ዘይበልዕ ኣይንዓቆ። እቲ ዘይበልዕውን ኣብቲ ዚበልዕ ኣይፍረድ። ንስኻኸ ኣብ ጊልያ ኻልእ እትፈርድ እንታዋይ ኢኻ፧ ንሱ ንጐይታኡ እዩ ደው ዚብል ወይስ ዚወድቕ። ግናኸ እግዚኣብሄር ደው ኬብሎ ይኽእል እዩ እሞ፡ ደው ኪብል እዩ። እቲ ሓደ ነታ ሓንቲ መዓልቲ ኻብታ ኻልእ ኣብሊጹ ይፈልያ፡ እቲ ሓደ ግና ንዂላተን መዓልትታት ማዕረ ገይሩ እዩ ዚርእየን። ነፍሲ ወከፍ ብሓሳቡ ርዱእ ይኹን። እቲ ነታ መዓልቲ ዚጥንቀቐላ ንጐይታ ኢሉ ይገብሮ። እቲ ዚበልዕ ድማ፡ ንኣምላኽ የመስግኖ እዩ እሞ ንጐይታ ኢሉ እዩ ዚበልዕ። እቲ ዘይበልዕውን ንጐይታ ኢሉ እዩ ዘይበልዕ፡ ንኣምላኽ ከኣ የመስግኖ። ካባናስ ሓደ እኳ ንርእሱ ኢሉ ዝነብር የልቦን እሞ፡ ንርእሱ ዚመውት ከኣ ሓደ ኣኳ የልቦን። ብህይወት እንተ ነበርና፡ ንጐይታ ኢና እንነብር፡ ወይስ እንተ ሞትና፡ ንጐይታ ኢና እንመውት እሞ፡ ብህይወት እንተ ነበርና ወይስ እንተ ሞትና፡ ናይ ጐይታ ኢና። ስለዚ ኸኣ እዩ ክርስቶስ ጐይታ ምዉታትን ህያዋንን ምእንቲ ኪኸውን ኢሉ፡ ዝሞተን ህያው ዝዀነን። ኣነ ህያው እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ኲሉ ብርኪ ኺሰግደለይ፡ ኲሉ ልሳንውን ንኣምላኽ ኬመስግኖ እዩ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ኲላትና ኣብ ቅድሚ መንበር ፍርዲ ኣምላኽ ደው ክንብል ኢና። ስለምንታይ ደኣ ንስኻ ኣብ ሓውካ እትፈርድ፧ ወይስ ንምንታይ ንስኻ ንሓውካ እትንዕቕ፧ እምብኣርሲ ነፍሲ ወከፍና በብናይ ርእሱ ንኣምላኽ ጸብጻብ ኪህብ እዩ። ስለዚ ኣብ ንሓድሕድና ኣይንፍረድ። ሓደ እኳ ንሓዉ መዓንቀፊ ወይስ መሓንኰሊ ኸይገብረሉ ግዳ፡ እዚ ፍረዱ። ነቲ ኸም ርኹስ ዚርእዮ ደኣ፡ ንእኡ እዩ ርኹስ ዚዀኖ እምበር፡ ብርእሱስ ገለ ርኹስ እኳ ኸም ዜልቦ፡ ብጐይታና የሱስ እፈልጥ ተረዲኤዮውን አሎኹ። ሓውካ በቲ ብልዕኻ እንተ ጐሃየ፡ ደጊም ብፍቕሪ ኣይኰንካን እትኸይድ ዘሎኻ እሞ፡ ነቲ ክርስቶስ ዝሞተሉ ብብልዕኻ ኣይተጥፍኣዮ። መንግስቲ ኣምላኽሲ ብመንፈስ ቅዱስ ጽድቅን ሰላምን ሓጐስን እያ እምበር፡ ብብልዕን መስተን ኣይኰነትን እሞ፡ ነቲ ሰናይኩም ኣይተጽርፍዎ። እቲ በዚ ኸምዚ ንክርስቶስ ዜገልግል ንኣምላኽ ባህ የብሎ ብሰብውን ፍቱን እዩ። እምብኣርስኸ ኣስኣሰር ናይ ሰላም ነገርን ኣስኣሰር ንሓድሕድና ዚሃንጽን ንስዓብ። ነቲ ተግባር ኣምላኽሲ ብምኽንያት ብልዒ ኣይተፍርሶ። ኲሉ ንጹህ እዩ፡ ነቲ ብውልውል ዚበልዕ ሰብ ግና ክፉእ እዩ። ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ። ንስኻ፡ ኣታ እምነት ዘላትካ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ንርእስኻ ትሃሉኻ፡ እቲ በቲ ጽቡቕ ኢሉ ዝፈተኖ ነገር ኣብ ርእሱ ዘይፈርድ ብጹእ እዩ። ግናኸ ካብ እምነት ዘይኰነ ዘበለ ኲሉ ሓጢኣት እዩ እሞ፡ እቲ እናተዋላወለ ዚበልዕ፡ ብእምነት ስለ ዘይበልዔ፡ ይዂነን።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-21 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ። ከምቲ ኣምላኽ ንነፍሲ ወከፍ ዝዓደሎ መስፈር እምነት ገይሩ ደኣ፡ ብዛዕባ ርእሱ ብልክዕ ይሕሰብ እምበር፡ ካብቲ ዚግብኦ ኣዕዚዙ ኸይሐስብሲ፡ ንነፍሲ ወከፍ ኣብ ማእከልኩም ዘሎ፡ በቲ እተዋህበኒ ጸጋ እብሎ አሎኹ። ከምቲ ኣብ ሓደ ስጋ ብዙሕ ኣካላት ዘሎና እሞ፡ ብዘሎ ኣካላት ከኣ ተግባሩ ሓደ ዘይኰነ፡ ንሕና ብዙሓት ከኣ ከምኡ ብክርስቶስ ሓደ ስጋ ኢና፡ በብሓደ ግና ነንሓድሕድና ኣካላት ኢና። ከምቲ እተዋህበና ጸጋ በበይኑ ዝዀነ ውህበት ጸጋ ኻብ ዚህልወናስ፡ ትንቢት እንተ ዀይኑ፡ ብልክዕ እምነትና ይኹን። ኣገልግሎ እንተ ዀይኑ፡ ብኣገልግሎትና ንጽናዕ። ዚምህር እንተ ዀይኑ፡ ብምምሃሩ ይጽናዕ። መዓዲ እንተ ዀይኑ ብምምዓዱ፡ ዚህብ ተገሪሁ ይሃብ፡ መራሒ እንተ ዀይኑ፡ ብትግሃት ይምራሕ፡ እቲ ዚድንግጽውን ብሓጐስ ይደንግጽ። ፍቕሪ ብዘይግብዝና ትኹን። ንኽፍኣት ፈንፍንዎ ኣብ ሰናይ ልገቡ። ንሓድሕድኩም ብምክብባር እናተቓዳደምኩም፡ ብፍቕሪ ኣሕዋት ንሓድሕድኩም ብለውሃት ተፋቐሩ። ንምትጋህ ኣይትተሃከዩ፡ ብመንፈስ ተቓጸሉ፡ ንእግዚኣብሄር ኣገልግሉ። ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ። ብዜድልዮም ንቕዱሳን ኣማቕሉ፡ ንምቕባል ጋሻ ተቓዳደሙ። ንዚሰጉኹም መርቑ፡ መርቑ እምበር፡ ኣይትርገሙ። ምስቶም ዚሕጐሱ ተሐጐሱ፡ ምስቶም ዚበኽዩ ብኸዩ። ንሓድሕድኩም ሓንቲ ሓሳብ ሕሰቡ። ምስቶም ታሕቶት ትሕት በሉ እምበር፡ ኣብቲ ልዕል ዝበለ ነገር ሓሳብኩም ኣይተውድቑ። ጠቢባን ኢና ኢልኩም ብርእስኹም ኣይሕሰቡ። ነቲ ኣብ ቅድሚ ዂሉ ሰብ ጽቡቕ ዚኸውን ደኣ ሕሰቡ እምበር፡ ንሓደ እኳ ኽፉእ ኣብ ክንዲ ኽፉእ ኣይትፍደይዎ። ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ ብኣኻትኩም ዝመጸ፡ ምስ ኲሉ ሰብ ብሰላም ንበሩ። ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ። ጸላኢኻ እንተ ጠመየ ግና ኣብልዓዮ፡ እንተ ጸምኤውን ኣስትዮ። እዚ ብምግባርካ ጒሁር ሓዊ ኣብ ርእሱ ኽትእክብ ኢኻ። ነቲ እከይ ደኣ ብሰናይ ጌርካ ስዓሮ እምበር፡ በቲ እከይ ኣይትሰዓር።

Translation | Context
እያሱ 24:14-15 | 5 Helpful votes

ሕጂ ኸኣ ንእግዚኣብሄር ፍርህዎ፡ ብፍጹምናን ብእምነትን ኣገልግልዎ፡ ነቶም ኣብ ክንየው ርባን ኣብ ግብጽን ኣቦታትኩም ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ኣግልስዎም፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣገልግልዎ። ንእግዚኣብሄር ምግልጋል ክፉእ ኰይኑ እንተ ተራእየኩምሲ ንመን ከም እተገልግሉ፡ ነቶም ኣቦታትኩም ኣብ ክንየው ርባ ዜገልግልዎም ዝነበሩ ኣማልኽቲ ወይ ኣማልኽቲ ናይቶም ንስኻትኩም ኣብ ምድሮም እትነብሩ ዘሎኹም ኣሞራውያን፡ ሎሚ ሕረዩ። ኣነን ቤተይን ግና ንእግዚኣብሄር ኢና እነገልግል።

Translation | Context
ሉቃስ 10:27 | 4 Helpful votes

ንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:17 | 4 Helpful votes

እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:5 | 4 Helpful votes

ስለዚ ነቲ ኣብ ምድሪ ዘሎ ኣካላትኩም ቅተሉ፡ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ፍትወት ስጋ፡ ክፉእ ትምኒት፡ ስስዔ፡ እዚ ድማ ኣምልኾ ጣኦት እዩ፡

Translation | Context
2ይ ዮሃንስ 1:7-11 | 3 Helpful votes

የሱስ ክርስቶስ ብስጋ ኸም ዝመጸ ዘይእመኑ ብዙሓት መስሓትቲ ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ። እቲ መስሓትን እቲ ጸረ ክርስቶስን እዚ እዩ። ምሉእ ዓስቢ ኽትቅበሉ እምበር፡ ነቲ ዝጸዐርናሉ ምእንቲ ኸይተጥፍእዎ፡ ርእስኹም ሐልዉ። እቲ ጐቦ ዚዘብል፡ ብምህሮ ክርስቶስውን ዘይጸንዕሲ፡ ኣምላኽ የብሉን። እቲ ኣብቲ ምህሮ ዚጸንዕ፡ ንሱ ኣቦን ወድን አለውዎ። ዝዀነ ይኹን ናባኻትኩም እንተ መጸ እሞ ነዚ ምህሮ እዚ እንተ ዘይምጽኤ፡ ኣብ ቤትኩም ኣይትቀበልዎ፡ ሰላምውን ኣይትበልዎ። እቲ ሰላም ዚብሎስ ኣብቲ እኩይ ግብሩ ሐቢርዎ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:33 | 3 Helpful votes

ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ዅሉ ድማ ይውሰኸልኩም።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 10:13 | 3 Helpful votes

ሳኦል ከኣ ንቓል እግዚኣብሄር ብዘይምሕላውን ነታ ጠንቋሊት ምኽሪ ብምጥያቑን ንእግዚኣብሄር ብዝበደሎ በደል ሞተ።

Translation | Context
ሮሜ 1:25 | 3 Helpful votes

ነቲ ሓቂ ኣምላኽ ናብ ሓሶት ስለ ዝለወጥዎ፡ ኣብ ክንዲ ፈጣሪ፡ ንሱ ንዘለኣለም እተባረኸ እዩ፡ ኣሜን፡ ንፍጡር ስለ ዘምለኹን ዘገልገሉን፡ ኣምላኽ ከኣ ስጋ ሓድሕዶም ኬሕስሩ ብትምኒት ልቦም ንርኽሰት ኣሕሊፉ ሃቦም።

Translation | Context
ማቴዎስ 6:24 | 3 Helpful votes

ንኽልተ ጐይተት ኪግዛእ ዚኽእል የልቦን። ወይ ነቲ  ሓደ ጸሊኡ፡ ነቲ ሓደ ይፈቱ። ወይ ከኣ ነቲ ሓደ ተአዚዙ፡ ነቲ ሓደ ይንዕቕ። ንኣምላኽን ንገንዘብን ክትግዝኡ ኣይዀንልኩምን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 25:28 | 3 Helpful votes

መንፈሱ ዘይገትእ ሰብሲ ቀጽሪ ዜብላ ዝፈረሰት ከተማ እዩ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 18:21 | 2 Helpful votes

ኤልያስ ድማ ናብ ብዘሎ እቲ ህዝቢ ቐሪቡ፡ ክሳዕ መአዝ ኢኹም ናብ ክልቲኡ ወገን እትሕንክሱ፡ እግዚኣብሄር እንተ ዀይኑ ኣምላኽ፡ ደድሕሪኡ ስዐቡ፡ በዓል እንተ ደኣ ዀይኑ ኸኣ ንእኡ ስዐቡ፡ በለ። እቶም ህዝቢ ግና ሓንቲ ቓል ኣይመለሱሉን።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6 | 2 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።

Translation | Context
ማርቆስ 8:34 | 2 Helpful votes

ነቶም ህዝቢ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ ድማ በሎም፡ ዝዀነ ይኹን ደድሕረይ ኪስዕበኒ ዚደሊ እንተሎ፡ ገዛእ ርእሱ ይቕበጽ፡ መስቀሉ የልዕል እሞ ይስዓበኒ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:1-16 | 2 Helpful votes

እዚ ቓል እዚ እሙን እዩ፡ ሓደ እኳ መዓርግ ኤጲስቆጶስ እንተ ደለየ፡ ሰናይ ግብሪ ይምነ አሎ። እምብኣርሲ እቲ ኤጲስቆጶስ መንቅብ ዜብሉ፡ ሰብኣይ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ጥንቁቕ፡ ቀጻዕ ነፍሱ፡ ኣገባብ ዚፈልጥ፡ ተቐባል ጋሻ፡ ንምስትምሀር ብቑዕ ኪኸውን ይግባኦ። ዘይሰክር፡ ዘይዋቓዕ፡ ግናኸ ልኡም፡ ዘይብኣስ፡ ፈታው ገንዘብ ዘይኰነ። ነታ ቤቱ ኼስተናብራ ኻብ ዘይክእል ግና፡ ነታ ማሕበር ኣምላኽ ደኣ ኸመይ ገይሩ ኺኣልያ ይዀነሉ፧ ስለዚ ቤቱ ጽቡቕ ገይሩ ዜስተናብርን፡ ብዅሉ ምርዛን እዙዛት ውሉድ ዘለውዎን ይኹን። ተነፊሑ ናብ ፍርዲ ድያብሎስ ምእንቲ ኸይወድቕ፡ ሓድሽ ተኽሊ ኣይኹን። ኣብ ጸርፍን መፈንጠራ ድያብሎስን ምእንቲ ኸይወድቕ ከኣ፡ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዘለዉ ጽቡቕ ምስክር ኪህልዎ ይግባእ። ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ። እዚኣቶምውን ቅድም ይመርመሩ፡ መንቅብ ዜብሎም እንተ ዀኑ፡ ሽዑ የገልግሉ። ኣንስቲውን ከምኡ ረዘንቲ፡ ዘይሐምያ፡ ጥንቁቓት፡ ብዅሉውን እሙናት ኪዀና ይግባእ። እቶም ዲያቆናት ኣጸቢቖም ምስ ኣገልገሉ፡ ዓብዪ መዓርግን ብእምነት የሱስ ክርስቶስ ብዙሕ ትብዓትን ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ሰብ ሓንቲ ሰበይቲ፡ ደቆምን ኣባይቶምን ኣጸቢቆም ዜስተናብሩ ይኹኑ። ናባኻ ቐልጢፈ ኸም ዝመጽእ ተስፋ እናገበርኩ፡ እዚ እጽሕፈልካ አሎኹ፡ እንተ ደንጔኹ ግና፡ ኣብታ ቤት ኣምላኽ፡ ማለት፡ ናይታ ሓቂ ዓንድን መሰረትን ዝዀነት ማሕበር ህያው ኣምላኽ፡ ከመይ ክትገብር ከም ዚግብኣካ ኽትፈልጥ እፈቱ አሎኹ። ብሓቂ እቲ ምስጢር ኣምልኾ ዓብዪ እዩ፥ ንሱ እቲ ብስጋ እተገልጸ፡ ብመንፈስ ጸደቐ፡ ንመላእኽቲ ተራእየ፡ ኣብ ኣህዛብ ተሰብከ፡ ኣብ ዓለም ተኣምነ፡ ናብ ክብሪ ዓረገ።

Translation | Context
ቲቶስ 3:5 | 2 Helpful votes

ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 2 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ዘሁልቍ 25:1-13 | 2 Helpful votes

እስራኤል ድማ ኣብ ሽጢም ተቐመጠ። እቲ ህዝቢ ኸኣ ምስ ኣዋልድ ሞኣብ ኪምንዝር ጀመረ። ንሳተን ነቲ ህዝቢ ናብ መስዋእቲ ኣማልኽተን ጸውዓኦ። እቲ ህዝቢ ኸኣ በልዔ፡ ንኣማልኽተን ድማ ሰገደ። እስራኤል ከኣ ምስ በዓል-ጴዖር ሐበረ። ኲራ እግዚኣብሄር ድማ ኣብ እስራኤል ነደደ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ፡ እቲ ነዳዲ ዅራ እግዚኣብሄር ካብ እስራኤል ምእንቲ ኺምለስሲ፡ ንዅሎም ሓላቑ ህዝቢ ወሲድካ ንእግዚኣብሄር ኣብ ቅድሚ ጸሓይ ስቐሎም፡ በሎ። ሙሴ ድማ ንፈራዶ እስራኤል፡ ነፍሲ ወከፍኩም ነቶም ምስ በዓል-ጴዖር ዝሐበሩ ሰቡ ይቕተል፡ በሎም። እንሆ ኸኣ፡ ካብ ደቂ እስራኤል ሓደ ሰብኣይ ኣብ ቅድሚ ሙሴን ኣብ ቅድሚ ዅሉ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን፡ ንሳቶም ኣብ ኣፍ ድንኳን ምርኻብ ደው ኢሎም ኪበኽዩ ኸለዉ፡ ሓንቲ ሚድያናዊት ሰበይቲ ናብ ኣሕዋቱ ኣምጽኤ። ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ምስ ረአዮ፡ ካብ ማእከል እቲ ኣኼባ ተንስኤ፡ ኲናትውን ኣብ ኢዱ ወሰደ፡ ደድሕሪ እቲ እስራኤላዊ ሰብኣይ ናብታ ዝደቀሱላ አተወ፡ ነቲ እስራኤላዊ ሰብኣይን ነታ ሰበይትን ከኣ ረቃቒቶኣ ንኽልቲኦም ወግኦም። እቲ መዓት ድማ ካብ ደቂ እስራኤል ዛረየ። እቶም በቲ መዓት ዝሞቱ ኸኣ ዕስራን ኣርባዕተን ሽሕ ኰኑ። እግዚኣብሄር ድማ ንሙሴ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦ፡ ፊንሃስ ወዲ ኣልኣዛር፡ ወዲ ኻህን ኣሮን፡ ኣብ መንጎኦም ብምቕናኤይ ስለ ዝቐንኤ፡ ንዅራይ ካብ ደቂ እስራኤል መለሶ እሞ፡ ንደቂ እስራኤል ብቕንኣተይ ኣየጥፋእክዎምን። ስለዚ በል፡ እንሆ፡ ንእኡ ናይ ሰላም ኪዳነይ እህቦ አሎኹ። ንኣምላኹ ቐኒኡ፡ ንደቂ እስራኢል ከኣ ኣተዐሪቑ እዩ እሞ፡ ስለዚ ንእኡ፡ ብድሕሪኡ ድማ ንዘርኡ ኺዳን ክህነት ዘለኣለም ይኹን።

Translation | Context
ራእይ 14:12 | 2 Helpful votes

እቶም ንትእዛዛት ኣምላኽን ንእምነት የሱስን ዚሕልዉ ቅዱሳት ከኣ፡ ትዕግስቶም ኣብዚ እዩ ዘሎ፡ በለ።

Translation | Context