Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

cleanliness


ኢሳይያስ 1:16 | 15 Helpful votes

ተሐጸቡ፡ ንጽሁ ነቲ እከይ ግብርኹም ካብ ቅድሚ ኣዒንተይ ኣርሕቕዎ፡ ምግባር እከይ ሕደጉ።

Translation | Context
መዝሙር 51:10 | 10 Helpful votes

ዎ ኣምላኽ፣ ጽሩይ ልቢ ፍጠረለይ፣ ጽኑዕ መንፈስ ከኣ ኣብ ውሽጠይ ሐድስ።

Translation | Context
መዝሙር 51:7 | 8 Helpful votes

ምእንቲ ኽጸርስ፣ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱ፣ ሕጸበኒ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 5 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 7:1 | 4 Helpful votes

እምብኣርከ፡ ኣቱም ፍቁራተይ፡ እዚ ተስፋታት እዚ ካብ ዚህልወናስ፡ ብፍርሃት ኣምላኽ ቅድስና እናመላእና፡ ካብቲ ስጋን መንፈስን ዜርክስ ዘበለ ዅሉ ርእስና ነንጽህ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:28 | 4 Helpful votes

ብዛዕባ ምዉት ኣብ ስጋኹም ቅርጺ ኣይትግበሩ፡ ጽሕፈት ማሕተም ድማ ኣባኻትኩም ኣይትግበሩ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 36:25 | 3 Helpful votes

ጽሩይ ማይ ክነጽገልኩም እየ እሞ ክትጸርይ ኢኹም። ካብ ኵሉ ርኽሰትኩምን ካብ ኵሎም ጣኦታትኩምን ከጽርየኩም እየ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:7 | 3 Helpful votes

ከምቲ ንሱ ኣብ ብርሃን ዘሎ፡ ኣብ ብርሃን እንተ ተመላለስና ግና፡ ንሓድሕድና ሕብረት አሎና፡ ደም የሱስ ክርስቶስ ወዱውን ካብ ኵሉ ሓጢኣት የንጽሃና እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 23:12-14 | 3 Helpful votes

ኣብ ወጻኢ ሰፈር እትወጸሉ ቦታ ይሀሉኻ። ምስ መሳርያኻ ድማ ሓንካሾ ሐዝ፡ ይኸውን ድማ፡ ኣብ ወጻኢ ኾፍ ምስ በልካ፡ ብእኡ ጉድጓድ ኽትኵዕት፡ ነቲ ውጽኣትካ ተመሊስካ ኽትከድኖ ኢኻ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ምእንቲ ኼድሕነካን ንጸላእትኻ ኣብ ኢድካ ኺህበካን፡ ብማእከል ሰፈርካ ኺሐልፍ እዩ እሞ፡ ገለ ዜሕፍር ነገር ከይርእየልካ፡ ገጹ ኸኣ ካባኻ ኸይመልስ፡ እቲ ሰፈርካ ቅዱስ ይኹን።

Translation | Context
ማቴዎስ 23:26 | 3 Helpful votes

ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:8 | 3 Helpful votes

ጹሩያት ልቢ፡ ንኣምላኽ ኪርእይዎ እዮም እሞ፡ ብጹኣን እዮም።

Translation | Context
ፊልጲ 4:8 | 3 Helpful votes

ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።

Translation | Context
ያእቆብ 4:17 | 3 Helpful votes

እምበኣርስኸ እቲ ሰናይ ምግባር ዚፈልጥ እሞ ዘይገብሮ፡ ንእኡ ሓጢኣት ይዀኖ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 7:24 | 2 Helpful votes

ቅኑዕ ፍርዲ ፍረዱ እምበር፡ ላዕለ ላዕሊ ርኢኹም ኣይትፍረዱ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context