Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

clay


ኢሳይያስ 64:8 | 25 Helpful votes

ሕጂ ግና፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ንስኻ ኣቦና ኢኻ፡ ንሕና መሬት ኢና፡ ንስኻ ድማ ሰራሒና ኢኻ፡ ኲልናውን ግብሪ ኢድካ ኢና።

Translation | Context
ኤርምያስ 18:2-6 | 12 Helpful votes

እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ቃለይ ከስምዓካ እየ፡ ዚብል እዩ። ሽዑ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ወረድኩ፡ እንሆ፡ ንሱ ብመዘወር ስራሑ ኺሰርሕ ጸንሔ። እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ ኣብ ኢድ እቲ ሰርሕ መሬት ምስ ተጸየቐ፡ ከም ብሓድሽ እቲ ሰራሕ መሬት ከምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ገይሩ ኻልእ ኣቕሓ ሰርሖ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነኸ ንኣኻትኩምዶ ኸምቲ ሰራሕ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩም ኣይከኣለንን እዩ፧ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:7 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ንሰብ ካብ ሓመድ ምድሪ ገበሮ፡ ኣብ ኣፍንጫኡ ድማ ትንፋስ ህይወት ኡፍ በለሉ እሞ እቲ ሰብ ህያው ነፍሲ ዀነ።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:7 | 7 Helpful votes

ግናኸ እቲ ማእለያ ዜብሉ ሓይሊ ካብ ኣምላኽ እምበር፡ ካባና ምእንቲ ኸይከውን፡ እዚ መዝገብ እዚ ኣብ ኣቕሓ መሬት እዩ ዘሎና።

Translation | Context
እዮብ 10:8-12 | 6 Helpful votes

ኣእዳውካ ንዂለንትናይ ደኰና፡ ሰርሓኒውን፡ ግናኸ ተጥፍኣኒ አሎኻ። ከም መሬት ከም ዝጠፍጠፍካኒ ዘክር፡ ሕጂ ኸኣ ናብ ሓመድ ትመልሰኒ አሎኻ። ከም ጸባዶ ኣየፍሰስካንን፡ ከም ርግኦስ ኣየርጋእካንን ኢኻ፧ ቈርበትን ስጋን ኣልበስካኒ፡ ብዓጽምን ጅማትን ቀወድካኒ። ህይወትን ጸጋን ሞገስካኒ፡ ምክንኻንካ ንመንፈሰይ ሐለዎ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 29:16 | 6 Helpful votes

ኣየ ኣቱም ቄናናት፡ ስሩሕ ንስራሒኡ፡ ንስኻ ኣይሰራሕካንን፡ ድኩን ከኣ ንደኳኒኡ፡ ንስኻ ኣይተስተውዕልን ኢኻ፡ ኢሉስ መሬትዶ ምስ ሰራሒኡ ይመዓራረ እዩ፧

Translation | Context
ሮሜ 9:20-22 | 5 Helpful votes

ወይ ጋዶ፡ ኣታ ሰብ። ንኣምላኽ እትማጐቶኸ ንስኻ መን ኢኻ፧ ግቡርዶ ነቲ ገባሪኡ፡ ንምንታይ ከምዚ ጌርካ ሰራሕካኒ፧ ይብሎ እዩ፧ ወይስ ሰራሕ መሬትዶ ኻብ ሓደ ጽቡር መሬት ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቓሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧ ኣምላኽከ ቚጥዓኡ ምእንቲ ኼርኢ ሓይሉውን ኬፍልጥ ደልዩስ፡ ነቶም ንጥፍኣት እተዳለዉ ኣቓሑ ቚጥዓ ብብዙሕ ትዕግስቱ እንተ ጸሮም፡

Translation | Context
መዝሙር 139:13-16 | 4 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።

Translation | Context
ኤርምያስ 18:6 | 4 Helpful votes

ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነኸ ንኣኻትኩምዶ ኸምቲ ሰራሕ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩም ኣይከኣለንን እዩ፧ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:20 | 3 Helpful votes

ግናኸ ኣብ ዓብዪ ቤት ካብ ዕጨይትን መሬትን ብዀነ ኣቓሑ ድማ እምበር፡ ኣቓሑ ወርቅን ብሩርን ጥራይ ኣይኰነን ዚርከብ፡ ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንውርደት ይኸውን።

Translation | Context
ኤርምያስ 18:1-23 | 3 Helpful votes

እቲ ኻብ እግዚኣብሄር ናብ ኤርምያስ ዝመጸ ቓል፡ ተንስእ እሞ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ውረድ፡ ኣብኡ ኸኣ ቃለይ ከስምዓካ እየ፡ ዚብል እዩ። ሽዑ ናብ ቤት ሰራሕ መሬት ወረድኩ፡ እንሆ፡ ንሱ ብመዘወር ስራሑ ኺሰርሕ ጸንሔ። እቲ ብመሬት ዝሰርሖ ኣቕሓ ኣብ ኢድ እቲ ሰርሕ መሬት ምስ ተጸየቐ፡ ከም ብሓድሽ እቲ ሰራሕ መሬት ከምቲ ጽቡቕ ኰይኑ እተራእዮ ገይሩ ኻልእ ኣቕሓ ሰርሖ። ከምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናባይ መጸ፡ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ ኣነኸ ንኣኻትኩምዶ ኸምቲ ሰራሕ መሬት ዝገበሮ ኽገብረኩም ኣይከኣለንን እዩ፧ ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እንሆ፡ ከምቲ መሬት ኣብ ኢድ እቲ ሰራሕ መሬት ዘሎ፡ ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ኣብ ኢደይ ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ሓደ ጊዜ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክምንቊሰን ከፍርንስን ከጥፍእን እዛረብ አሎኹ። እቲ እተዛረብኩሉ ህዝቢ ኻብ እከዩ እንተ ተመልሰ ግና፡ ኣነ ኸኣ ነቲ ንእኡ ኽገብሮ ኢለ ዝሐሰብክዎ እኩይ እጥዐሰሉ እየ። ሓደ ጊዜ ኸኣ ብናይ ህዝብን ብናይ መንግስትን ክሀንጽን ክተክልን እዛረብ አሎኹ። ቃለይ ምስማዕ ኣብዩ፡ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ እከይ እንተ ገበረ ግና፡ ኣነውን ነቲ ኽገብረሉ እየ ኢለ እተዛረብክዎ ሰናይ እጥዐሰሉ። እምበኣርሲ ንሰብ ይሁዳን ነቶም ኣብ የሩሳሌም ዚነብሩን፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ኢልካ ተዛረቦም፡ እንሆ፡ ሕሰም ኤዳልወልኩም፡ ንጒድኣትኩም ከኣ ሓሳብ እሕልን አሎኹ። ስለዚ ነፍሲ ወከፍ ካብ መገዲ እከዩ ይመለስ፡ መገድኹምን ግብርኹምን ከኣ ኣጠቅዉ። ንሳቶም ግና፡ ከንቱ እዩ፡ ንሕናስ ንሓሳብ ርእስና ኽንሰዕብ፡ ነፍሲ ወከፍና ድማ ከምቲ ትሪ ሕሱም ልብና ኽንገብር ኢና፡ በሉ። ስለዚ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ እስከ ኸምዚ ዘመሰለ ዝሰምዔ እንተሎስ፡ ኣብ ማእከል ኣህዛብ ሕተቱ፡ እታ ድንግል እስራኤል ኣዝዩ ገዚፍ ጉድ ገይራ አላ። በረድ ሊባኖስዶ ነቲ ኣኻውሕ መሮር ይለቀሉ እዩ፧ እቲ ኻብ ርሑቕ ዚመጽእ ዝሑል ወሓዚ ማይከ ይነጽፍዶ እዩ፧ ህዝበይንንከ ንኣይ ረስዓኒ፡ ንጣኦታት ከንቱውን ይዐጥን አሎ። ንሳቶም በቲ መገዲ ኣጋር፡ በቲ ዘይተጸርገ መገዲ ምእንቲ ኪኸይድ፡ ኣብ መገድታቱ፡ ኣብቲ ናይ ጥንቲ መገድታት ኣዐንቀፍዎ። በዚ ኸምዚ ንሃገሩ ዑና፡ ንሓዋሩ ድማ መላገጺ ይገብሩ። እቶም ብእኣ ዚሐልፉ ዘበሉ ዂሎም ይግረሙ፡ ርእሶም ከኣ ይንቕንቑ። ኣብ ቅድሚ ጸላኢ ኸም ንፋስ ምብራቕ ክብትኖም እየ። ብመዓልቲ ጸበባኦም ዝባን እምበር፡ ገጽ ኣይከርእዮምን እየ። ንሳቶም ድማ፡ ሕጊ ኻብ ካህን፡ ምኽሪ ኻብ ጥበበኛ፡ ቃል ካብ ነብዪ ኣይስኣንን እዩ እሞ፡ ንዑ ንኤርምያስ ምኽሪ ንጣበበሉ፡ ንዑ ብልሳንና ንውቅዓዮ፡ ንዂሉ ቓላቱ ድማ ግዱ ኣይንግበር፡ በሉ። ጐይታየ፡ ኣባይ ጽን በል፡ እዞም ተጻረርተይ ዚብልዎ ኸኣ ስማዕ። ንነፍሰይ ጒድጓድ ኲዒቶምላ እዮም እሞ፡ ኣብ ክንዲ ሰናይዶ እከይ ይፍደ እዩ፧ ጽቡቕ ክዛረበሎምን ኲራኻ ኸርሕቐሎምን ኢለ። ኣብ ቅድሜኻ ዝቘምኩ ዘክር። ስለዚ ደቆም ንጥሜት መጡ፡ ንኣታቶም ከኣ ናብ ኢድ ሰይፊ ኣሕሊፍካ ሀብ። ኣንስቶም ደቂ ዜብለን መበላሉ ይኹና፡ ሰብኡተን ድማ ተቐቲሎም ይሙቱ። ኣጒባዞም ከኣ ኣብ ውግእ ብሰይፊ ይወቕዑ። ኪሕዙኒ ጒድጋድ ኲዒቶምለይ፡ ነእጋረይ ከኣ መፈንጠራ ደቢቖምለይ እዮም እሞ፡ ብድንገት ጥፍራ ኣምጺእካሎምሲ ኣውያት ካብ ኣባይቶም ይስማዕ። ኣታ እግዚኣብሄር፡ እቲ ኪቐትሉኒ ኢሎም ዝሐለንዎ ምኽሪ ዂሉ ንስኻ ትፈልጦ ኢኻ። ኣበሳኦም ይቕረ ኣይትበለሎም፡ ሓጢኣቶምውን ካብ ቅድሚ ገጽካ ኣይትደምስስ። ኣብ ቅድሜኻ ጻሕ ይበሉ፡ ብመዓልቲ ቚጥዓኻውን ከምዚ ግበሮም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 45:9 | 3 Helpful votes

እቲ ምስ ፈጣሪኡ ዚካታዕ ወይለኡ፡ ንሱ ገልዒ ኣብ ማእከል ኣጋልዕ መሬት እዩ። መሬትዶ ንስራሒኣ፡ እንታይ ትገብር፡ ትብሎ እያ፧ ግብርኻዶኸ፡ ኣእዳው የብሉን፡ ይብል እዩ፧

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 3 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
መዝሙር 100:3 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ምዃኑ ፍለጡ፣ ንሱ ገበረና፣ ባዕላትና ኣይኰንናን፣ ንሕናስ ህዝቡን ኣባጊዕ መጓሴኡን ኢና።

Translation | Context
ሮሜ 9:21 | 2 Helpful votes

ወይስ ሰራሕ መሬትዶ ኻብ ሓደ ጽቡር መሬት ገሊኡ ንኽብረት ገሊኡውን ንሓሳር ዚኸውን ኣቓሑ ኺሰርሕ፡ ኣብቲ መሬት ስልጣን የብሉን እዩ፧

Translation | Context