Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

9 bible verses about

christmas trees


ኤርምያስ 10:1-25 | 36 Helpful votes

ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ንኣኻትኩም እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ። ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ። ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፡ ሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ። ከም ኦም ስየ ትኽ ዝበሉን ዘይዛረቡን እዮም። ኪኸዱ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፡ ሰብ እዩ ዚጾሮም። ጽቡቕ ዚገብርዎ የብሎምን፡ ክፉእ ድማ ኪገብሩ ኣይከኣሎምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን፡ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ ድማ ብስልጣን ዓብዪ እዩ። ኣታ ንጉስ ህዝብታት፡ ካብ ኲላቶም ጠቢባን ህዝብታትን ካብ ኲሎም መንግስትታቶምን ሓደ እኳ ኸማኻ የልቦን እሞ፡ ይግብኣካ ስለ ዝዀነ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ፧ ኲላቶም ዕኑዳትን ዓያሱን እዮም፡ ትምህርቲ ኸንቱነትሲ ዕጨይቲ እዩ። ብስራሕ ኣንጠረኛን ብኢድ ብልሓተኛን እተገብረ ገላዕታ ብሩር ካብ ተርሲስ፡ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፉዝ ዘምጽእዎ እዩ። ክዳውንቶም ሰማያውን ጁኽን እዩ፡ ኲላቶም ግብሪ ብልሓተኛታት ሰብ እዮም። ግናኸ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ሓቂ፡ ህያው ኣምላኽ፡ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቚጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፡ ንዂራኡ ኸኣ ህዝብታት ኣይጽመምዎን። እዞም ሰማይን ምድርን ዘይፈጠሩ ኣማልኽቲ ኻብ ምድርን ካብ ትሕቲ ሰማይን ኪጠፍኡ እዮም፡ ክትብልዎም ኢኹም። ንሱ ብሓይሉ ምድሪ ፈጠረ፡ ብጥበቡ ኸኣ ንዓለም ኣቘማ፡ ብኣእምሮኡ ድማ ንሰማያት ዘርግሔ። ድምጹ ምስ ዜስምዕ፡ ማያት ኣብ ሰማይ ይሕንዝዝ፡ ንግመ ኻብ ወሰን ምድሪ የልዕሎ፡ መባርቕ ከኣ ንዝናም ይገብሮ፡ ንንፋስውን ካብ መዛግቡ የውጽኦ። ነፍሲ ወከፍ ኣእምሮኡ ጠፊእዎ ይዕነድ። እቲ ዝፈሰሰ ምስሉ ሓሶት እዩ፡ ትንፋስ ከኣ የብሉን እሞ፡ ኣንጠረኛ ዘበለ በቲ ዝገበሮ ምስሊ ይሐንኽ። ከንቱነት፡ ናይ ምጥባር ዕዮ እዮም፡ ብጊዜ ቕጽዓቶም ኪጠፍኡ እዮም። ግደ ያእቆብሲ ኸምዚኣቶም ኣይኰነን። ንዂሉ ዝደኰነ ንሱ እዩ፡ እስራኤል ድማ ነገድ ርስቱ እዩ፡ ስሙ ኸኣ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ። እግዚኣብሄር፡ እንሆ፡ ነዞም ኣብዛ ሃገር እዚኣ ዚነብሩ ዘለዉ በዚ ግዜ እዚ ናብ ርሑቕ ክውንጭፎም፡ ክሳዕ ዚፍለጦምውን ከጽብበሎም እየ፡ ይብል አሎ እሞ፡ ኣቲ ተኸቢብኪ ዘሎኺ፡ ኣቓሑኺ ኣርኒብኪ ኻብ ሃገር ኣውጽኢ። ተወቒዔ እየ እሞ ወይለይ፡ ቊስለይ የቐንዝወኒ አሎ። ኣነ ግና፡ እዝስ ስቓየይ እዩ እሞ እጽመሞ እየ፡ በልኩ። ድንኳነይ ተበላሸወ፡ ኲሉ መገታተሪየይ ተበታተኸ። ደቀይ ካባይ ወጹ፡ የለውን ከኣ። ሓደ እኳ ድንኳነይ ዚተክል፡ መጋረጃይ ከኣ ዚሰቅል የልቦን። ጓሶት ተዐንዱ፡ ንእግዚኣብሄር ድማ ኣይደለይዎን። ስለዚ ኣይሰለጦምን፡ ኲለን መጓሴታቶም ከኣ ፋሕ በላ። እንሆ፡ ንኸተማታት ይሁዳስ ዑናን መሳፍሮ ወኻሩን ምእንቲ ኺገብረን ኢሉ ድምጽን ብርቱዕ ህማምን ካብ ሃገር ሰሜን ይመጽእ አሎ። ጐይታየ፡ መገዲ ሰብ ካብ ርእሱ ኸም ዘይኰነ፡ እቲ ዚመላለስውን ስጓሜኡ ኬቕንዕ ዓቕሚ ኸም ዜብሉ፡ እፈልጥ አሎኹ። ጐይታየ፡ ቅጽዓኒ፡ ግናኸ ብልክዕ ደኣ። ምእንቲ ኸይተጥፍኣንስ ብቚጥዓኻ ኣይኰነን። ንያእቆብ በሊዖምዎ፡ ወሒጦምዎ፡ ወዲኦምዎ፡ ማሕደሪኡውን ኣዕንዮምዋ እዮም እሞ፡ ቊጥዓኻ ናብቶም ዘይፈልጡኻ ኣህዛብን ናብቶም ስምካ ዘይጽውዑ ዓሌትን ደኣ ኽዐዎ።

Translation | Context
ኤርምያስ 10:3-4 | 18 Helpful votes

ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ። ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፡ ሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ።

Translation | Context
ኤርምያስ 10:2-4 | 16 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ። ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ። ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፡ ሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ።

Translation | Context
ኤርምያስ 10:5-10 | 11 Helpful votes

ከም ኦም ስየ ትኽ ዝበሉን ዘይዛረቡን እዮም። ኪኸዱ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፡ ሰብ እዩ ዚጾሮም። ጽቡቕ ዚገብርዎ የብሎምን፡ ክፉእ ድማ ኪገብሩ ኣይከኣሎምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን፡ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ ድማ ብስልጣን ዓብዪ እዩ። ኣታ ንጉስ ህዝብታት፡ ካብ ኲላቶም ጠቢባን ህዝብታትን ካብ ኲሎም መንግስትታቶምን ሓደ እኳ ኸማኻ የልቦን እሞ፡ ይግብኣካ ስለ ዝዀነ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ፧ ኲላቶም ዕኑዳትን ዓያሱን እዮም፡ ትምህርቲ ኸንቱነትሲ ዕጨይቲ እዩ። ብስራሕ ኣንጠረኛን ብኢድ ብልሓተኛን እተገብረ ገላዕታ ብሩር ካብ ተርሲስ፡ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፉዝ ዘምጽእዎ እዩ። ክዳውንቶም ሰማያውን ጁኽን እዩ፡ ኲላቶም ግብሪ ብልሓተኛታት ሰብ እዮም። ግናኸ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ሓቂ፡ ህያው ኣምላኽ፡ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቚጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፡ ንዂራኡ ኸኣ ህዝብታት ኣይጽመምዎን።

Translation | Context
ኣስቴር 9:22 | 4 Helpful votes

እተን ኣይሁድ ካብ ጸላእቶም ዝዐረፉለን መዓልትታት፡ በዛ ወርሒ እዚኣ ጭንቆም ኣብ ሓጐስ፡ ሐዘኖም ድማ ኣብ ጽቡቕ መዓልቲ እተለወጠሉ፡ ነተን መዓልትታት እቲኤን መዓልትታት መስተን ሓጐስን ኪገብርወን፡ ንሓድሕዶም ከአ ህያባት ኪላኣአኹ፡ ንድኻታት ድማ ምጽዋት ኪምጽውቱ ሐገገሎም።

Translation | Context
ኤርምያስ 10:1-10 | 4 Helpful votes

ኣቱም ቤት እስራኤል፡ እዚ ንኣኻትኩም እግዚኣብሄር ዚዛረቦ ዘሎ ቓል ስምዑ። እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፡ ብመገዲ ኣህዛብ ምኻድ ኣይትልመዱ። ብትእምርትታት ሰማይውን፡ ኣህዛብ ይፈርህዎም እዮም ኢልኩም፡ ኣይትፍርሁ። ባህሊ ኣህዛብ ከንቱነት እዩ እሞ፡ ኦም ካብ ዱር ይቘርጹ፡ ኢድ ጸራቢ ኸኣ ብምሳር ይጸርቦ። ብብሩርን ብወርቅን ይልብጥዎ፡ ሰንከልከል ከይብል ድማ ብሽንካርን ብሞደሻን የጋጥምዎ። ከም ኦም ስየ ትኽ ዝበሉን ዘይዛረቡን እዮም። ኪኸዱ ኣይኽእሉን እዮም እሞ፡ ሰብ እዩ ዚጾሮም። ጽቡቕ ዚገብርዎ የብሎምን፡ ክፉእ ድማ ኪገብሩ ኣይከኣሎምን እዩ እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። ዎ እግዚኣብሄር፡ ከማኻ ሓደ እኳ የልቦን፡ ንስኻ ዓብዪ ኢኻ፡ ስምካ ድማ ብስልጣን ዓብዪ እዩ። ኣታ ንጉስ ህዝብታት፡ ካብ ኲላቶም ጠቢባን ህዝብታትን ካብ ኲሎም መንግስትታቶምን ሓደ እኳ ኸማኻ የልቦን እሞ፡ ይግብኣካ ስለ ዝዀነ፡ መን እዩ ዘይፈርሃካ፧ ኲላቶም ዕኑዳትን ዓያሱን እዮም፡ ትምህርቲ ኸንቱነትሲ ዕጨይቲ እዩ። ብስራሕ ኣንጠረኛን ብኢድ ብልሓተኛን እተገብረ ገላዕታ ብሩር ካብ ተርሲስ፡ ወርቂ ኸኣ ካብ ኡፉዝ ዘምጽእዎ እዩ። ክዳውንቶም ሰማያውን ጁኽን እዩ፡ ኲላቶም ግብሪ ብልሓተኛታት ሰብ እዮም። ግናኸ እግዚኣብሄርሲ ኣምላኽ ሓቂ፡ ህያው ኣምላኽ፡ ዘለኣለማዊ ንጉስ እዩ። ብቚጥዓኡ ምድሪ ተንቀጥቅጥ፡ ንዂራኡ ኸኣ ህዝብታት ኣይጽመምዎን።

Translation | Context
ኢሳይያስ 60:13 | 3 Helpful votes

ነቲ ስፍራ መቕደሰይ ምእንቲ ኺስልምዎ፡ ክብሪ ሊባኖስ፡ ጽሕድን ሙዝን ዝበን፡ ሐቢሮም ኪመጹኺ እዮም። ኣነውን ንስፍራ መርገጽ እግረይ ከኽብሮ እየ።

Translation | Context
ዘዳግም 16:21 | 2 Helpful votes

ኣብ ጎቦ እቲ ንኣኻ ኢልካ እትገብሮ መሰውኢ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ዝዀነ ኦም ኣስታርተ ንኣኻ ኣይትትከል።

Translation | Context
ዘዳግም 12:29-32 | 2 Helpful votes

ነዞም ክትወርሶም እትኸዶም ዘሎኻ ህዝብታት እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኻብ ቅድሜካ ምስ ኣጥፍኦም፡ ንስኻ ኸኣ ንኣታቶም ወሪስካ ኣብ ምድሮም ምስ ተቐመጥካ፡ ካብ ቅድሜካ ምስ ጠፍኡ፡ ደድሕሪኦም ብምስዓብካ ኸይትሕንኰል፡ ብዛዕባ ኣማልኽቶም ከኣ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ከመይ ገይሮም ኣማልኽቶም የገልግሉ ነበሩ፧ ኣነ ድማ ከምኡ ኽገብር፡ ኢልካ ኸይትሐትት ተጠንቀቕ። ንኣማልኽቶም እቲ እግዚኣብሄር ዚጸልኦ ዘበለ ዅሉ ፍንፉን ነገር ይገብሩሎም ነበሩ፡ ንኣማልኽቶምሲ ኣወዳቶምን ኣዋልዶምን እኳ ብሓዊ የንድዱሎም ነይሮም እዮም እሞ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኸምኡ ኣይትግበረሉ። እዚ ዝእዝዘኩም ዘሎኹ ዅሉ ነገር ክትገብርዎ ተጠንቀቑ። ኣብ ልዕሊኡ ገለ ኣይትወስኹ፡ ካብኡ ኸኣ ገለ ኣይትተንክዮ።

Translation | Context