Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

christians who are backslidden


ያእቆብ 1:22 | 3 Helpful votes

ገበርቲ ቓል ኩኑ፡ ርእስኹም እናጠበርኩም ሰማዕቲ ጥራይ ኣይትኹኑ።

Translation | Context
እብራውያን 6:6 | 3 Helpful votes

እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግሁዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከአሎምን እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 3 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 29:11-14 | 3 Helpful votes

ኣነ ዝሐስበልኩም ዘሎኹ ሓሳብ እፈልጦ እየ፡ መፈጸምታን ተስፋን ክህበኩምሲ፡ ሓሳብ ደሓን እምበር፡ ናይ ክፉእ ኣይኰነን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ክትጽውዑኒ፡ መጺእኩም ድማ ክትልምኑኒ ኢኹም እሞ ክሰምዓኩም እየ። ብምሉእ ልብኹም እንተ ደሌኹምንስ፡ ክትደልዩኒ ክትረኽቡኒውን ኢኹም። ክርከበልኩም፡ ንምምራኽኩም ክመልሶ፡ ካብ ኲሎም እቶም ናባታቶም ዝሰጐጒኩኹም ህዝብታትን ስፍራታትን ድማ ክእክበኩም እየ። ናብቲ ኻብኡ ዘማረኽኩኹም ስፍራውን ክመልሰኩም እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:21-23 | 3 Helpful votes

ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ዅሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈልጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ።

Translation | Context
ሮሜ 8:9 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 1:5-9 | 3 Helpful votes

ብትግሃት ዘበለ ተጋደሉ፡ ኣብ እምነትኩም ደግነት ወስኹ፡ ኣብቲ ደግነትውን ፍልጠት፡ ኣብታ ፍልጠት ከኣ ምግታእ ርእስኻ፡ ኣብቲ ምግታእ ርእስኻ ድማ ዓቕሊ፡ ኣብቲ ዓቕሊውን ፍርሃት እግዚኣብሄር፡ ኣብ ፍርሃት እግዚኣብሄር ድማ ምፍቃር ኣሕዋት፡ ኣብቲ ምፍቃር ኣሕዋትውን ፍቕሪ ንዅሉ ሰብ። እዚ ነገርዚ እንተ አሎኩም፡ እናማዕበለውን እንተ ኸደ፡ ንምፍላጥ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ሃካያትን ዘየፍርዩን ክትኰኑ ኣይሐድገኩምን እዩ። እቲ እዚ ነገርዚ ዜብሉስ፡ ካብቲ ናይ ቀደም ሓጢኣቱ ምጽራይ ዝረስዔ፡ ዕዉር፡ ነቲ ኣብ ቀረባ ዘሎ ጥራይ ዚርኢ እዩ።

Translation | Context
ገላትያ 6:1 | 3 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ሰብ ብሓደ በደል እንተ ተታሕዘ፡ ነዚ ኸምዚ ዝበለ፡ ንስኻትኩም መንፈሳውያን፡ ብህዱእ መንፈስ ጌርኩም ኣቕንዕዎ። ንስኻውን ከይትፍተን፡ ንርእስኻ ተጠንቀቕ።

Translation | Context