Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

christ crucified


ሉቃስ 23:33-43 | 8 Helpful votes

ቀራንዮ ኣብ እትብሀል ስፍራ ምስ በጽሑ፡ ኣብኣ ሰቐልዎ። ነቶም ገበርቲ ኽፉእ ከኣ ሓደ ብየማኑ ሓደውን ብጸጋሙ ሰቕልዎም። የሱስ ድማ፥ ኣቦይ ዚገብርዎ ኣይፈልጡን እዮም እሞ፡ ሕደገሎም፡ በለ። ንኽዳውንቱ ኸኣ ዕጭ ኣውዲቖም ተማቐልዎ። እቲ ህዝቢ ደው ኢሉ ይርኢ ነበረ፡ እቶም ዓበይቲውን ምሳታቶም ኰይኖም፥ ንኻልኦት ኣድሒኑ፡ ንሱ ክርስቶስ ናይ ኣምላኽ ሕሩይ እንተ ዀይኑስ፡ ርእሱ የድሕን፡ እናበሉ የላግጹሉ ነበሩ። እቶም ጭፍራውን የላግጹሉ ነበሩ፡ ናብኡ ቐሪቦም ድማ፥ ንስኻ ንጉስ ኣይሁድ እንተ ዄንካስ ርእስኻ ኣድሕን፡ እናበሉ መጺጽ ኣምጽኡሉ። ኣብ ልዕሊ ርእሱ ኸኣ፥ እዚ ንጉስ ኣይሁድ እዩ፡ ዚብል ጽሕፈት ነበረ። ካብቶም እተሰቕሉ ገበርቲ ኽፉእውን ሓደ፥ ንስኻ ክርስቶስ እንተ ዄንካ፡ ንርእስኻን ንኣናን ኣድሕን፡ ኢሉ የላግጸሉ ነበረ። እቲ ኻልኣዩ ግና፥ ኣታ ኣብዚ ኸምዚ ዝበለ ፍርዲ ኸሎኻስ፡ ኣምላኽዶ ኣይትፈርህን ኢኻ፧ ንሕናስ ብሓቂ ብግብርና ዚግብኣና ተፈዴና፡ እዚ ግና ሓንቲ ኽፍእቲ እኳ ኣይገበረን፡ ኢሉ ገንሖ። ንየሱስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ብመንግስትኻ ምስ እትመጽእ ዘክረኒ፡ በሎ። የሱስ ድማ፥ ሎሚ ምሳይ ኣብ ገነት ከም እትኸውን፡ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:11 | 5 Helpful votes

ናብቶም ናቱ መጸ፡ እቶም ናቱ ኸኣ ኣይተቐበልዎን።

Translation | Context
ዮሃንስ 18:36 | 5 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰነትን ካብዛ ዓለም እዚእ እንተ ትኸውንሲ፡ ብኣይሁድ ከይተሐዝ፡ ገላዎይ ምተዋግኡለይ ነይሮም። ሕጂ ግና መንግስተይ ካብዛ ዓለም እዚኣ ኣይኰንትን፡ ኢሉ መለሰ።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 5 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:36 | 4 Helpful votes

ብወዲ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ እቲ ብወዲ ዘይኣምን ግና ቍጥዓ ኣምላኽ ደኣ ኣብኡ ይነብር እምበር፡ ንህይወት ኣይኪርእያን እዩ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 2:36 | 4 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣምላኽ ነዚ ንስኻትኩም ዝሰቐልኩምዎ የሱስ፡ ንእኡ ጐይታን ክርስቶስን ከም ዝገበሮ፡ ብዘላ ቤት እስራኤል ብርግጽ ትፍለጥ።

Translation | Context
ማርቆስ 15:25-39 | 4 Helpful votes

እታ ዝሰቐልዎ ጊዜ ኸኣ ሳልሰይቲ ሰዓት ነበረት። ንጉስ ኣይሁድ፡ ዚብል ጽሕፈት ክሱውን ኣብ ልዕሊኡ ተጽሒፉ ነበረ። ምስኡ ኸኣ ክልተ ኸተርቲ፡ ሓደ ብየማኑ ሓደ ኸኣ ብጸጋሙ፡ ሰቐሉ። እቲ፥ ምስ ዓመጽቲ ተቘጽረ፡ ዚብል ጽሑፍ ተፈጸመ። እቶም ዚሐልፉ ድማ ርእሶም እናነቕነቑ፥ ኣየ፡ ኣታ ንቤተ መቕደስ እተፍርሳ ብሰለስተ መዓልቲ እትሃንጻ፡ እስኪ ርእስኻ ኣድሕን፡ ካብ መስቀልውን ውረድ፡ እናበሉ ይጸርፍዎ ነበሩ። ከምኡ ኸኣ ሊቃውንቲ ኻህናት ምስ ጽሓፍቲ ንሓድሕዶም፥ ንኻልኦት ኣድሐነ፡ ንርእሱ ኼድሕን ግና ኣይክእልን። ርኢና ኽንኣምንሲ፡ ክርስቶስ ንጉስ እስራኤል ሕጂ ኻብ መስቀል ይውረድ፡ እናበሉ ኣላገጽሉ። እቶም ምስኡ እተሰቕሉውን የላግጽሉ ነበሩ። ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘላ እታ ሃገር ጸልመተት። ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ ብዓብዪ ድምጺ፡ ኤሎሄ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቕታኒ፧ ኢሉ ጨርሔ። ትርጉሙ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ እዩ። ካብቶም ኣብኡ ደው ኢሎም ዝሰምዕዎ ኸኣ ሓያሎ፥ እንሆ፡ ንኤልያስ ይጽውዖ አሎ፡ በሉ። ሓደ ጐይዩ፥ ሕደጉ፡ ኤልያስ መጺኡ እንተ ኣውረዶ ንርኤ፡ ኢሉ መጺጽ ብስፍነግ መሊኡ ኣብ ዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። ሽዑ የሱስ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ኸኣ ወጸት። መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። እቲ ኣብ መንጽር ደው ኢሉ ዝነበረ ሓለቓ ሚእቲ ኸኣ፡ ነፍሱ ኸመይ ኢላ ኸም ዝወጸት፡ ምስ ረአየ፥ እዚ ሰብኣይ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ በለ።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:19-25 | 4 Helpful votes

ኣይሁድ፥ ንስኻ መን ኢኻ፧ ኢሎም ኪሐትዎ፡ ካብ የሩሳሌም ካህናትን ሌዋውያንን ምስ ለአኹሉ፡ ምስክር ዮሃንስ እዚ እዩ፥ ንሱውን፥ ኣነስ ክርስቶስ ኣይኰንኩን፥ ኢሉ ተኣመነ እምበር፡ ኣይከሐደን። ንሳቶም ድማ፥ መን ደኣ ኢኻ፧ ኤልያስ ዲኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣይኰንኩን፡ በለ። ንስኻስ እቲ ነብዪ ዲኻ፧ ኣይኰንኩን፡ ኢሉ መለሰሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ መን ደኣ ኢኻ፧ ነቶም ዝለአኹና ምላሽ ምእንቲ ኽንህቦምሲ፡ ብዛዕባ ርእስኻ እንታይ ትብል፡ በልዎ። ንሱ ኸኣ፥ ኣነስ፡ ከምቲ ነብዪ ኢሳይያስ፥ መገዲ እግዚኣብሄር ኣቕንዑ፡ ዝበሎ፡ ኣብ በረኻ ዚእውጅ ድምጺ እየ፡ በሎም። እቶም ልኡኻት ካብ ፈሪሳውያን ነበሩ። ንሳቶም ከኣ፥ እምብኣርሲ ክርስቶስ፡ ወይ ኤልያስ፡ ወይ እቲ ነብዪ ኻብ ዘይኰንካስ፡ ንምንታይ ደኣ ተጥምቕ አሎኻ፡ ኢሎም ሐተትዎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 1:23-24 | 3 Helpful votes

ንሕና ግና ነቲ ንኣይሁድን መዓንቀፊ፡ ነህዛብን ዕሽነት ዝዀነ እተሰቕለ ክርስቶስ ንሰብኽ አሎና። ንሱ ነቶም ጽዉዓት፡ ንኣይሁድ ኰነ፡ ንጽርኣውያን ኰነ፡ ክርስቶስ፡ እቲ ሓይሊ ኣምላኽን ጥበብ ኣምላኽን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 1:18 | 3 Helpful votes

ጥበብ ጠቢባን ከጥፍእ እየ፡ ምስትውዓል እቶም ኣስተውዓልቲውን ከፍርስ እየ፡ ዚብል ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ቃል መስቀል ነቶም ዚጠፍኡ ዕሽነት እዩ፡ ንኣና ንንድሕን ግና ሓይሊ ኣምላኽ እዩ።

Translation | Context
ሮሜ 8:17 | 3 Helpful votes

ውሉድ ካብ ኰንናኸ፡ ወረስቲ ድማ ኢና፡ ንኣምላኽ ወረስቱ፡ ንክርስቶስ መዋርስቱ ኢና። ምስኡ ሓሳረ መከራ እንተ ጸገብናስ፡ ምስኡውን ክንከብር ኢና።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:7-8 | 3 Helpful votes

እምብኣርስ ኣብ ማእከል እቶም እኹላት ጥበብ ንዛረብ ኢና፡ እቲ ኣምላኽ ቅድሚ ዘመናት ንኽብረትና ዘዳለዎ፡ እቲ ናይ ኣምላኽ ሕቡእ ምስጢር ጥበብ ኢና እንዛረብ ዘሎና እምበር፡ ጥበብ እዛ ዓለም እዚኣ ወይስ ናይቶም ዚሐልፉ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ኣይንዛረብን ኢና። ካብ ገዛእቲ እዛ ዓለም እዚኣ ሓደ እኳ ነዚ ጥበብዚ ኣይፈለጦን፡ እንተ ዚፈልጥዎስ፡ ንጐይታ ኽብሪ ኣይምሰቐልዎን ነይሮም።

Translation | Context
ሮሜ 10:8 | 3 Helpful votes

እንታይ ደኣ ይብል፧ እቲ ቓል ኣብ ኣፍካን ልብኻን ጥቓኻ እዩ፡ እዚ ማለት እቲ ንሕና እንሰብኮ ቓል እምነት እዩ።

Translation | Context