Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

children born out of wedlock


ዘዳግም 23:2 | 28 Helpful votes

ድቓላ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ። ካብ ናቱ ኽሳዕ ዓስራይ ወለዶ እኳ ናብ ማሕበር እግዚኣብሄር ኣይእቶ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 7 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 24:16 | 6 Helpful votes

ኣቦታት ብሰሪ ደቆም ኣይሙቱ፡ ደቂ ኸኣ ብሰሪ ኣቦታት ኣይሙቱ። ነፍሲ ወከፍ በብሓጢኣቱ ይሙት።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:1-8 | 5 Helpful votes

ብዛዕባ እቲ ዝጸሐፍኩምለይ ግና ከምዚ እዩ፡ ሰብኣይ ኣብ ሰበይቲ እንተ ዘይቀረበ ጽቡቕ እዩ። ስለ ኻብ ምንዝርና ምርሓቕ ግና ነፍሲ ወከፍ ሰብኣይ ገዛእ ሰበይቱ ትሀልዎ፡ ነፍሲ ወከፍ ሰበይቲውን ገዛእ ሰብኣያ ይሀልዋ። ሰብኣይ ንሰበይቱ ዚግባኣ ይግበረላ፡ ከምኡውን ሰበይቲ ንሰብኣያ ትግበረሉ። ሰበይቲ፡ ሰብኣያ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኣ ኣይትመልኽን እያ፡ ከምኡ ኸኣ ሰብኣይ፡ ሰበይቱ ደኣ እምበር፡ ኣብ ገዛእ ስጋኡ ኣይመልኽን እዩ። ንጸሎት ጊዜ ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ ንጊዜኡ ብምስምማዕ ክልቴኹም እምበር፡ እቲ ሓደ ኻብቲ ሓደ ኣይፈለ። ብምኽንያት እቲ ንነፍስኹም ዘይምምላኽኩም ሰይጣን ምእንቲ ኸይፍትነኩም ከኣ፡ ከም ብሓድሽ ተራኸቡ። እዚ ግና ከም ፍቓድ እብል አሎኹ እምበር፡ ትእዛዝ ኣይኰነን። ኲሉ ሰብ ከምዚ ኸማይ ኪኸውን ምፈቶኹ ነይረ፡ ግናኸ እቲ ሓደ ኸምዚ እቲ ሓደውን ከምቲ ነፍሲ ወከፍ ካብ ኣምላኽ ናይ ጸጋ ወውህበቱ አለዎ። ንዘይተመርዓዉን ንሓያማትን ግና፡ ከምዚ ኸማይ እንተ ነበሩ፡ ጽቡቕ እዩ፡ እብል አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:6 | 5 Helpful votes

ድጊም ሓደ ስጋ እዮም እምበር፡ ክልተ ኣይኰኑን። ነቲ ኣምላኽ ዘጋጠሞስ፡ ሰብ ኣይፍለዮ።

Translation | Context
እብራውያን 10:26 | 3 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን።

Translation | Context
ሮሜ 12:1-2 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ኣሕዋተየ፡ ንስጋኹም ህያውን ቅዱስን ንኣምላኽ ባህ ዜብልን መስዋእቲ ጌርኩም ከተቕርብዎ፡ ብምሕረት ኣምላኽ እምዕደኩም አሎኹ፡ እዚ ማለት እቲ ናይ ኣእምሮ መንፈሳዊ ኣገልግሎትኩም እዩ። እቲ ሰናይን ባህ ዜብልን ምሉእን ፍቓድ ኣምላኽ እንታይ ምዃኑ ምእንቲ ኽትምርምሩስ፡ ብምሕዳስ ሓሳብኩም ተለወጡ እምበር፡ ነዛ ዓለም እዚኣ ኣይትምሰልዋ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 17:30 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ ነቲ ዘመን ድንቊርና ኣሕሊፉ፡ በቲ ኻብ ምዉታት ዘተንስኦ እሞ ብእኡ ንዂሉ እምነት እናሃበ ዝመደቦ ሰብኣይ ንዓለም ብጽድቒ ዚፈርደላ መዓልቲ ወሲኑ ስለ ዘሎ፡ ሕጂ ኣብ ኲሉ ቦታ ንብዘሎ ሰብ ኪንስሑ ይነግር አሎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:18 | 2 Helpful votes

ካብ ምንዝርና ህደሙ። ሰብ ዚገብሮ ዘበለ ሓጢኣት ካብ ስጋኡ ብወጻኢ እዩ፡ ዚንምዝር ግና ኣብ ገዛእ ስጋኡ እዩ ሓጢኣት ዚገብር።

Translation | Context
እብራውያን 12:8 | 2 Helpful votes

ብዘይ እታ ዅሎም ዝሐበሩላ ቕጽዓት እንተ ዀንኩም ግና፡ ደቓሉ እምበር፡ ውሉድ ኣይኰንኩምን።

Translation | Context
ሆሴዕ 2:2 | 2 Helpful votes

ኣዴኹም ሰበይተይ ኣይኰነትን፣ ኣነውን ሰባኣያ ኣይኰንኩን እሞ፣ ምስኣ ተኻትዑ፣ ተኻትዑ፣ ምንዝርናኣ ካብ ገጻ፣ ዝሙታ ኸኣ ካብ መንጎ ኣጥባታ ተውጽእ።

Translation | Context
ሆሴዕ 4:6 | 2 Helpful votes

ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለ ዝኣቤኻ፣ ኣነ ድማ ካህን ከይትዀነኒ ኽኣብየካ እየ። ሕጊ ኣምላኽካ ስለ ዝረሳዕካ፣ ኣነ ኸኣ ንደቅኻ ኽርስዖም እየ።

Translation | Context
መዝሙር 51:5-7 | 2 Helpful votes

እንሆ፣ ብአበሳ ተወለድኩ፣ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ። እንሆ፣ ንሓቂ ኣብ ውሽጢ ኢኻ እትደልዮ፣ ኣብ ሕቡእውን ጥበብ ምሀረኒ። ምእንቲ ኽጸርስ፣ ብስምዕዛ ኣጽርየኒ፣ ካብ በረድ ክጽዕዱ፣ ሕጸበኒ።

Translation | Context
ማቴዎስ 19:7-8 | 2 Helpful votes

ንሳቶም፡ ስለምንታይ ደኣ ሙሴ፡ ጽሕፈት መፍትሒኣ ሂቦም፡ ኪፈትሕዋ ኣዘዘ፧ በልዎ። ንሱ፡ ሙሴስ ብሰሪ ትሪ ልብኹም ምፍታሕ ኣንስትኹም ፈቐደልኩም፡ ካብ መጀመርታ ግና ከምኡ ኣይነበረን፡ በሎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 8:14 | 2 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ንርእሰይ እኳ እንተ መስከርኩ፡ ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ እፈልጥ እየ እሞ፡ ምስክረይ ሓቂ እዩ። ንስኻትኩም ግና ካበይ ከም ዝመጻእኩ ናበይውን ከም ዝኸይድ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም።

Translation | Context