Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

childbearing


መዝሙር 127:3-5 | 9 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:28 | 7 Helpful votes

ኣምላኽ ከኣ ባረኾም። ኣምላኽ ድማ፤ ፍረዩን ተባዝሑን ንምድሪ ከኣ ምልእዋን ምለኽዋን፡ ንዓሳ ባሕርን ነዕዋፍ ሰማይን ኣብ ምድሪ ለመም ንዚብል ኵሉ እንስሳን ከኣ ግዝኡ፡ በሎም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:15 | 6 Helpful votes

ብእምነት ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 30:22 | 5 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ንራሄል ዘከራ። ኣምላኽ ከኣ ሰምዓ እሞ ማሕጸና ኸፈተላ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 2:13-15 | 5 Helpful votes

ኣዳም ቅድም ተፈጢሩ እዩ፡ ደሓር ከኣ ሄዋን እሞ፡ ሰበይቲ ብህድኣት ክትነብር ደኣ እምበር፡ ክትምህር ወይስ ኣብ ሰብኣይ ስልጣን ኪህልዋ፡ ኣይፈቅድን እየ። ኣዳም ኣይተሐብለን፡ ሰበይቲ ግና ተሐቢላ ኣብ ኣበሳ በጽሔት። ብእምነት ብፍቕርን ብቕድስናን ምስ ምቕጻዕ ነፍሲ እንተ ጸንዓ ግና፡ ብምውላድ ውሉድ ክትድሕን እያ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 3:16 | 5 Helpful votes

ነታ ሰበይቲ ኸኣ፡ መከራኽን ጻዕሪ ጥንስኽን ኣዝየ ኸብዝሖ እየ፡ ደቂ ብጻዕሪ ኽትወልዲ ኢኺ፡ ድሌትኪ ድማ ናብ ሰብኣይኪ ኪኸውን እዩ፡ ንሱውን ኪመልከኪ እዩ፡ በላ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 7:28 | 4 Helpful votes

ግናኸ እንተ ተመርዖኻ፡ ሓጢኣት ኣይገበርካን፡ ድንግልውን እንተ ተመርዓወት፡ ሓጢኣት ኣይገበረትን። እዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ ግና ብስጋ መከራ ይረኽቡ እዮም እሞ፡ ኣነ እንሕፈኩም አሎኹ።

Translation | Context
ዘዳግም 7:14-18 | 3 Helpful votes

ሓለፋ ዂሎም ህዝብታት ክትባረኽ ኢኻ። ኣባኻ ሰብኣይ ኰነ ሰበይቲ ወይ ኣብ ማልካ መኻን ኣይከውንን። እግዚኣብሄር ድማ ሕማም ዘበለ ኻባኻ ኼርሕቕ እዩ፡ እቲ እትፈልጦ ዅሉ ኽፉእ ሕማም ግብጺ ድማ ኣየምጽኣልካን እዩ። ናብ ኵሎም ዚጸልኡኻ ደኣ የምጽኣሎም። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ንዚህበካ ዅሎም ህዝብታት ድማ ክትውድኦም ኢኻ፡ ዓይንኻ ኣይትንሐፎም፡ ኣማልኽቶምውን መፈንጠራ ኸይኰኑኻ፡ ኣይተምልኮም። ብልብኻ ድማ፡ እዞም ህዝብታት እዚኣቶም ካባይ ዚበዝሑ እዮም እሞ፡ ከመይ ገይረ ኸውጽኦም እኽእል፧ እንተ በልካ፡ ኣይትፍርሃዮም፡ እቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣብ ፈርኦንን ኣብ ኵላ ግብጽን ዝገበሮ፡

Translation | Context
መዝሙር 128:1-4 | 3 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ፣ ብመገዱ ዚመላለስ ዘበለ ሰብ ብጹእ እዩ። ዕዮ ኣእዳውካ ኽትበልዕ ኢኻ እሞ፣ ብጹእ ኢኻ፣ ደሓንውን ክትረክብ ኢኻ። ሰበይትኻ ኣብ ውሽጢ ቤትካ ኸም ፈራይት ወይኒ ኽትከውን። ውሉድካ ኣብ ዙርያ መኣድኻ ኸም ተኽሊ ኣውሊዕ ኪዀኑ እዮም። እንሆ፣ ንእግዚኣብሄር ዚፈርህ ሰብ ከምዚ ኢሉ ኺባረኽ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:14 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ እተን ሓያማት ኪምርዓዋ፡ ውሉድ ኪወልዳ፡ ቤተን ኪሕዛ፡ ጸላኢ ዘጸርፈሉ ሓደ ምኽንያት እኳ ኸይህባ፡ እደሊ አሎኹ።

Translation | Context