Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

15 bible verses about

caring for the elderly


1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 17 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:32 | 14 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:1-2 | 11 Helpful votes

ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም። ንኣረገውቲ ኣንስቲ ኸም ነዴታት፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸም ንኣሓት ጌርካ ብዅሉ ንጽህና ምዓደን።

Translation | Context
ዘጸአት 20:12 | 7 Helpful votes

ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:4 | 6 Helpful votes

ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለውዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሃሩ።

Translation | Context
ምሳሌ 23:22 | 5 Helpful votes

ነቲ ዝወለደካ ኣቦኻ ስምዓዮ፡ ኣዴኻ ምስ ኣረገት ከኣ ኣይትንዐቃ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1 | 5 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 19:26-27 | 5 Helpful votes

የሱስ ነዲኡን ነቲ ዜፍቅሮ ወደ መዝሙርውን ኣብ ጥቓኣ ደው ኢሉን ምስ ረአየ፡ ነዲኡ፥ ኣቲ ሰበይቲ፡ እንሆ ወድኺ፡ በላ። ነቲ ወደ መዝሙር ከኣ፥ እንሃ ኣዴኻ፡ በሎ። እቲ ወደ መዝሙርውን ካብ ሽዑ ጀሚሩ ናብ ቤቱ ወሰዳ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 1:17 | 4 Helpful votes

ምግባር ሰናይ ተመሀሩ፡ ቅንዕና ድለዩ፡ ንጥቑዕ ርድእዎ፡ ንዘኽታም ፍትሒ ኣውጽኡሉ፡ ንመበለት ተጣበቑላ።

Translation | Context
መዝሙር 71:9 | 3 Helpful votes

ጸላእተይ ብዛዕባይ ይዛረቡ፣ ንነፍሰይ ዚጸናተውዋ ኸኣ ሐቢሮም እናተማኸሩ፣ ኣምላኽ ሐዲግዎ፣ መናገፊ የብሉን፣ ስለዚ ጐይኹም ሐዝዎ፣ ይብሉ አለዉ እሞ፣ ብጊዜ እርግና ኣይትደርብየኒ፣ ሓይለይ ኪውዳእ ከሎ፣ ኣይትሕደገኒ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:2 | 3 Helpful votes

ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡

Translation | Context
ምሳሌ 13:24 | 3 Helpful votes

ብሸቦጥ ዘይገርፍ ንውሉዱ ይጸልኦ፡ ዜፍቅሮ ግና ኣንጊሁ ይቐጽዖ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:20 | 2 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ኣብ ጐይታ ባህ ዜብል እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብዅሉ ተኣዘዝዎም።

Translation | Context
ምሳሌ 11:14 | 2 Helpful votes

ጥበበኛ ምምራሕ ኣብ ዜብሉስ፡ ህዝቢ ይወድቕ፡ ብምብዛሕ መኸርቲ ግና ደሓን ይርከብ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:35 | 2 Helpful votes

ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ።

Translation | Context