Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

caring for elderly parents


1ይ ጢሞቴዎስ 5:8 | 8 Helpful votes

ሓደ እኳ ነቶም ናቱ፡ ምናዳ ግና ንስድራ ቤቱ፡ ዘይሐሊ እንተሎ፡ እምነት ዝኸሐደ ካብቲ ዘይኣምንውን ዝገደደ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:4 | 5 Helpful votes

ገለ መበለት ግና ደቂ ወይስ ደቂ ደቂ እንተ ኣለውዋ፡ እዚ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽ ቅቡል እዩ እሞ፡ ንሳቶም ቅድም ንስድራ ቤቶም ፍርሃት እግዚኣብሄር ኬርእዩ ንወለዶምውን ውሬታ ኺመልሱ ይምሃሩ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:12 | 5 Helpful votes

ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።

Translation | Context
ዘዳግም 5:16 | 3 Helpful votes

ኣብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕ፡ ምእንቲ ኺጽብቐልካውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝአዘዘካ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:2-3 | 2 Helpful votes

ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ጽቡቕ ኪዀነልካ፡ ኣብ ምድሪውን ዕድሜኻ ኺነውሕ፡ እዚ ተስፋ ዘለዎ ቐዳማይ ትእዛዝ እዩ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:2 | 2 Helpful votes

ሽዑ ሰባት ፈተውቲ ርእሶም ኪዀኑ እዮም እሞ፡ ፈተውቲ ገንዘብ፡ ተጀሃርቲ፡ ዕቡያት፡ ተጻረፍቲ፡ ንወለዶም ዘይእዘዙ፡ ዘየማስዉ፡ ርኹሳት፡

Translation | Context
ኤፌሶን 6:1 | 2 Helpful votes

ኣቱም ውሉድ፡ እዚ ቕኑዕ እዩ እሞ፡ ንወለድኹም ብጐይታ ተኣዘዝዎም።

Translation | Context
ማርቆስ 7:9-13 | 2 Helpful votes

ስርዓትኩም ምእንቲ ኽትሕልዉ፡ ትእዛዝ ኣምላኽ ምፍራስኩምሲ ጽቡቕ ደኣ። ሙሴ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር፡ ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሕሱም ቃል ዜውስእ፡ ሞት ይሙት፡ ኢሉ አሎ። ንስኻትኩም ግና፡ ሰብ ነቦኡ ወይ ነዲኡ፡ እቲ ኻባይ እትጥቀመሉ ቝርባን ገይረዮ እየ፡ ማለት መባእ እዩ፡ እንተ በሎ፡ ደጊም ነቦኡ ወይስ ነዲኡ ሓደ ነገር ኪገብረሎም ከቶ ኣይትፈቕዱሉን ኢኹም። ምእንቲ እቲ ዝሰራዕኩምዎ ስርዓትሲ ቓል ኣምላኽ ትስዕሩ፡ ነዚ ዚመስልውን ብዙሕ ትገብሩ አሎኹም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 19:32 | 2 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ሸያብ ተንስእ፡ ንገጽ ኣረጋዊ ድማ ኣኽብር፡ ንኣምላኽካውን ፍርሃዮ። ኣነ እግዚኣብሄር እየ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:27 | 2 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣቦን ንጹህን ርኽሰት ዜብሉን ኣምልኾ እዚ እዩ፡ ርእስኻ ኻብ ርኽሰት ዓለም እናሐሎኻ፡ ንዘኽታማትን መበለታትን ኣብ መከራኦምን ጸበባኦምን ምብጻሕ እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 13:4 | 2 Helpful votes

ፍቕሪ ዓቃል እያ፡ ፍቕሪ ለዋህ እያ፡ ፍቕሪ ኣይትቐንእን፡ ፍቕሪ ኣይትጀሃርን ኣይትንፋሕን፡

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:1 | 2 Helpful votes

ንኣረጊት ሰብኣይ ከም ነቦ ምዓዶ እምበር፡ ኣይትዝብሐዮ። ነቶም መንእሰይ ከም ነሕዋት ምዓዶም።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:4 | 2 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታትውን፡ ነቶም ውሉድኩም ብናይ ጐይታ ተግሳጽን ምዕዶን ደኣ ኣዕብይዎም እምበር፡ ኣይተዀርይዎም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:16 | 2 Helpful votes

ንሓደ ኣማኒ ወይስ ኣማኒት፡ መበለታት እንተ ኣለዋኦም፡ ባዕላቶም ይሕለዩለን፡ ነተን ብሓቂ መበለታት ዝዀና ምእንቲ ኽትሐሊ፡ ነታ ማሕበር ኣየኽብዱላ።

Translation | Context