Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

caleb


እያሱ 14:6-15 | 22 Helpful votes

ደቂ ይሁዳ ድማ ኣብ ጊልጋል ናብ እያሱ ቐረቡ፡ ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቀኔዛዊ፡ ከኣ በሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ፡ ነቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ኣብ ቃዴስ-ባርኔዓ ብዛዕባይን ብዛዕባኻን ዝበሎ፡ ንስኻ ትፈልጥ አሎኻ። እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ነታ ምድሪ ኽስሊ፡ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኺሰደኒ ኸሎ፡ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ እሞ ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ። እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ኣሸበርዎ፡ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺመ ሰዐብክዎ። ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺምካ ስለ ዝሰዐብካዮ፡ እታ እግርኻ ዝረገጸታ ምድሪ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ርስቲ ትኹን፡ ኢሉ መሐለ። ሕጂ ድማ እንሆ፡ እቲ እስራኤል ኣብ በረኻ ኺመላለስ ከሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ እዚ ቓል እዚ ኻብ ዚነግሮ፡ ከምቲ ዝበሎ፡ እግዚኣብሄር እዘን ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ብህይወት ኣጽንሓኒ። ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኰይነ አሎኹ። ከምታ ሙሴ ኺልእከኒ መዓልቲ፡ ሎሚ ኸኣ ሓይለይ ከምኡ አሎ፡ ንውግእ ኰነ፡ ንምውጻእ ኰነ፡ ንምእታው ኰነ፡ ሓይለይ ከምቲ ሽዑ ዝነበሮ፡ ሕጂ ሓይለይ ከምኡ አሎ። ሕጂ ኸኣ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር በታ መዓልቲ እቲኣ እተዛረቦ፡ እዚ ኸረን እዚ ሀበኒ። ዓናቃውያንን ዓበይትን ዕሩዳትን ከተማታት ድማ ከም ዘለውዋ፡ ንስኻ በታ መዓልቲ እቲኣ ሰሚዕካ ኢኻ እሞ፡ ምናልባሽ እግዚኣብሄር ምሳይ ይኸውን፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ዝበሎ ኸኣ፡ ክሰጎም እየ። እያሱ ድማ ንካሌብ ወዲ የፋነ መረቖ፡ ኬብሮን ከኣ ንርስቲ ሀቦ። ካሌብ፡ ወዲ የፋነ እቲ ቄኔዛዊ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽ እስራኤል ፈጺሙ ስለ ዝሰዐቦ፡ ኬብሮን ክሳዕ ሎም መዓልቲ ርስቱ ዀነት። ቀደም ስም ኬብሮን ቂርያት-ኣርባ ነበረ። ኣርባ እቲ ኣብ ማእከል ዓናቃውያን ዚዐብዮ ዝነበረ ሰብኣይ እዩ። እታ ሃገር ድማ ካብ ውግእ ዐረፈት።

Translation | Context
ዘሁልቍ 14:24 | 15 Helpful votes

ንባርያይ ካሌብ ግና፡ ካልእ መንፈስ ስለ ዝነበሮ ፈጺሙውን ስለ ዝሰዐበኒ፡ ናብታ ኣትይዋ ዝነበረ ሃገር ከእትዎ እየ፡ ዘርኡ ኸኣ ኪወርሳ እዩ።

Translation | Context
እያሱ 14:7-10 | 9 Helpful votes

እቲ ሙሴ ባርያ እግዚኣብሄር፡ ነታ ምድሪ ኽስሊ፡ ካብ ቃዴስ-ባርኔዓ ኺሰደኒ ኸሎ፡ ኣነ ወዲ ኣርብዓ ዓመት ነበርኩ እሞ ከምቲ ኣብ ልበይ ዝነበረ ቓል መለስኩሉ። እቶም ምሳይ ደዪቦም ዝነበሩ ኣሕዋተይ ንልቢ እቲ ህዝቢ ኣሸበርዎ፡ ኣነ ግና ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺመ ሰዐብክዎ። ሙሴ ድማ በታ መዓልቲ እቲኣ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኸይ ፈጺምካ ስለ ዝሰዐብካዮ፡ እታ እግርኻ ዝረገጸታ ምድሪ ንኣኻን ንደቅኻን ንዘለኣለም ርስቲ ትኹን፡ ኢሉ መሐለ። ሕጂ ድማ እንሆ፡ እቲ እስራኤል ኣብ በረኻ ኺመላለስ ከሎ፡ እግዚኣብሄር ንሙሴ እዚ ቓል እዚ ኻብ ዚነግሮ፡ ከምቲ ዝበሎ፡ እግዚኣብሄር እዘን ኣርብዓን ሓሙሽተን ዓመት ብህይወት ኣጽንሓኒ። ሕጂ ኸኣ እንሆ፡ ኣነ ሎሚ ወዲ ሰማንያን ሓሙሽተን ዓመት ኰይነ አሎኹ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 32:11-13 | 8 Helpful votes

ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔ ቀኒዛውን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ንእግዚኣብሄር ፈጺሞም ስለ ዝሰዐብዎ፡ እዞም ካብ ግብጺ ዝደየቡ ሰባት ፈጺሞም ስለ ዘይሰዐቡኒ፡ ካብ ወዲ ዕስራ ዓመት ንላዕሊ ዘለዉ ነታ ንኣብርሃም፡ ንይስሃቅ፡ ንያእቆብ ከኣ ዝመሐልኩሎም ምድሪ ኣይርእይዋን እዮም። ኲራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ነደደ እሞ፡ እቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፋእ ዝገበረ ወለዶ ኽሳዕ ዚውዳእ፡ ኣርብዓ ዓመት ኣብ በረኻ ዀለል ኣበሎም።

Translation | Context
እያሱ 15:13-16 | 6 Helpful votes

ንካሌብ ወዲ የፋነ ድማ፡ ከምቲ እግዚኣብሄር ንእያሱ ዝአዘዞ፡ ኣብ ማእከል ደቂ ይሁዳ ግደ ሀቦ፡ ቂርያት- ኣርባ፡ ኣቦ ዓናቅ፡ ንሳ ኬብሮን እያ። ካሌብ ድማ ንሰለስቲኦም ደቂ ዓናቅ፡ ንሸሻይን ንኣሂማንን ንታልማይን፡ ወለዶ ዓናቅ ካብኣ ኣውጽኦም ካብኣ ናብቶም ኣብ ደቢር ዜነብሩ ደየበ። ስም ደቢር ከኣ ቀደም ቂርያት-ሴፈር ነበረ። ካሌብ ድማ፡ ነቲ ንቂርያት-ሴፈር ተዋጊኡ ዝሐዛ፡ ዓክሳ ጓለይ ሰበይቲ ኽትኰኖ ኽህቦ እየ፡ በለ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 13:26-30 | 6 Helpful votes

ከይዶም ከኣ ኣብ በረኻ ጳራን ኣብ ቃዴስ ናብ ሙሴን ናብ ኣሮንን ናብ ብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤልን መጹ። ንኣታቶምን ንብዘሎ ኣኼባን እቲ ነገር ኣዛረብዎም፡ ፍረ እታ ምድሪውን ኣርኣይዎም። ከምዚ ኢሎም ድማ ኣዘንተዉሉ፡ ናብታ ዝሰደድካና ሃገር በጻሕና፡ ብሓቂ ኸኣ ንሳ ጸባን መዓርን እተውሕዝ እያ፡ ፍሬኣ ኸኣ እዚ እዩ። ኣብታ ሃገር ዚነብር ህዝቢ ግና ሓያል እዩ፡ እተን ከተማታት ከኣ እተዐርዳን ኣዝየን ዓበይትን እየን፡ ኣብኡ ድማ ደቂ ዓናቅ ርኤና። ኣብ ሃገር ደቡብ ኣማሌቅ ይነብር አሎ፡ ኣብ ኣኽራን ከኣ ሔታውያንን ይቡሳውያንን ኣሞራውያንን ይነብሩ አለዉ፡ ኣብ ጥቓ ባሕርን ብሸነኽ ዮርዳኖስን ድማ ከነኣናውያን ይነብሩ አለዉ። ካሌብ ከኣ ነቲ ህዝቢ ኣብ ቅድሚ ሙሴ ኣህድኦ፡ ኣጸቢቕና ንኽእላ ኢና እሞ፡ ንደይብ ደኣ ነታ ምድሪ ንውረሳ፡ ድማ በለ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 14:6-9 | 5 Helpful votes

እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ ዮፋነን፡ ካብቶም ሰለይቲ እታ ሃገር ዝነበሩ፡ ክዳውንቶም ቀደዱ፡ ንብዘሎ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ከምዚ ኢሎም ተዛረቡ፡ እታ ኽንስልያ ዝሐለፍናያ ምድሪ ኣዝያ፡ ኣዝያ ጽብቕቲ ምድሪ እያ። እግዚኣብሄር እንተ ፈትዩናስ፡ ናብታ ጸባን መዓርን እተውሕዝ ምድሪ፡ ናብታ ምድሪ እቲኣ ኼእትወና፡ ንሳውን ኪህበና እዩ። ኣብ እግዚኣብሄር ግዳ ኣይትዐምጹ፡ ንሳቶም እንጌራና እዮም እሞ፡ ንስኻትኩም ንህዝቢ እታ ምድሪ ኣይትፍርህዎም። እቲ ዜጽልሎም ካባታቶም ኣግሊሱ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ምሳና እዩ፡ ኣይትፍርህዎም።

Translation | Context
ዘሁልቍ 26:63-65 | 5 Helpful votes

ሙሴን ካህን ኣልኣዛርን ኣብ ዮርዳኖስ ናይ ያሪኮ ኣብ ጐላጕል ሞኣብ ዝቘጸርዎም ደቂ እስራኤል እዚኣቶም እዮም። ካብቶም ሙሴን ካህን ኣሮንን ኣብ በረኻ ሲና ዝቘጸርዎም ቊጹራት ደቂ እስራኤል ግና ሓደ እኳ ኣብ ማእከል እዚኣቶም ኣይነበረን። እግዚኣብሄር ብዛዕባኦም፡ ርግጽ ኣብ በረኻ ኺሞቱ እዮም፡ ኢሉ ነበረ እሞ፡ ካባታቶም፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋኔን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ሓደ እኳ ኣይተረፈን።

Translation | Context
ዘሁልቍ 14:30 | 5 Helpful votes

ናብታ ኣብኣ ከናብረኩም ኢለ ኢደይ ዘልዐልኩላ ምድሪ፡ ብጀካ ካሌብ ወዲ የፋነን እያሱ ወዲ ነዌን፡ ንስኻትኩም ኣይትኣትዉን።

Translation | Context
ዘሁልቍ 13:6 | 4 Helpful votes

ካብ ነገድ ይሁዳ ካሌብ ወዲ የፋነ፡

Translation | Context
ዘሁልቍ 14:38 | 3 Helpful votes

ካብቶም ምድሪ ኺስልዩ ኸይዶም ዝነበሩ ሰባት ግና፡ እያሱ ወዲ ነዌን ካሌብ ወዲ የፋነን ብህይወት ተረፉ።

Translation | Context
ሮሜ 4:16 | 3 Helpful votes

ስለዚ ኻብ እምነት ኣብርሃም ንዝዀነ ዂሉ ዘርኢ ኸኣ እዩ እምበር፡ ካብ ሕጊ ንዝዀነ ጥራይ ኣይኰነን። እታ ተስፋ ኽትጸንዕ፡ ብጸጋ ምእንቲ ኪኽውንሲ፡ ብእምነት እዩ ዚኸውን። ኣብርሃም ከኣ ኣቦ ዂላትና እዩ፡

Translation | Context
ዘሁልቍ 34:19 | 2 Helpful votes

ስም እቶም ሰባት ድማ እዚ እዩ፡ ካብ ነገድ ይሁዳ፡ ካሌብ ወዲ የፋኔ።

Translation | Context
1ይ ዜና መዋእል 4:15 | 2 Helpful votes

ደቂ ካሌብ ወዲ የፋኔ ድማ፡ ዒሩን ኤላን ናዓምን። ደቂ ኤላን ቄናዝን።

Translation | Context