Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

bully


2ይ ቈረንቶስ 12:10 | 21 Helpful votes

እምብኣርከ ምስ ዝደክም፡ ሽዑ እየ ዝብርትዕ እሞ፡ ምእንቲ ክርስቶስ ኢለ ብድኻም፡ ብጸርፊ፡ ብሓሳር፡ ብምስጓጕ፡ ብጸበባ እሕጐስ እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 25:40 | 17 Helpful votes

እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 29:20 | 8 Helpful votes

ስለዚ እቲ ጨካን ደጊም ኣይኪህሉን፡ እቲ መላገጺ ኸኣ ጠፊኡ እዩ፡ እቶም እከይ ኪገብሩ ትልጭ ዚብሉ ዂላቶም፡

Translation | Context
ማርቆስ 10:14 | 8 Helpful votes

የሱስ እዚ ምስ ረአየ፡ ኣይፈተወሎምን እሞ፡ ሕደግዎም፡ ቈልዑ ናባይ ይምጽኡ። መንግስቲ ኣምላኽ ነዞም ከምዚኣቶም ዝበሉ እያ እሞ፡ ኣይትኽልእዎም።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:1 | 7 Helpful votes

ብዝፈረድኩምዎ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈሪውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ፡ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ።

Translation | Context
ዮሃንስ 12:48 | 6 Helpful votes

ኣነስ፡ እቲ ዝለአኸኒ ኣቦ ደኣ እንታይ ከም ዝብልን ዝዛረብን ትእዛዝ ሂቡኒ እምበር፡ ካብ ርእሰይ ኣይዛረብን እየ እሞ፡ እታ ትእዛዙ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምዃና እፈልጥ አሎኹ። እምብኣርሲ እቲ ኣነ ዝዛረቦ፡ ከምቲ ኣቦ ዝነገረኒ ኸምኡ እየ ዝዛረብ ዘሎኹ። ነቲ ዚንዕቀፍን ንዘረባይ ዘይቅበሎን ከኣ ዚፈርዶ አሎ። እዚ ኣነ ዝዛረቦ ዘሎኹ ቓል፡ ንሱ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኺፈርዶ እዩ።

Translation | Context
ይሁዳ 1:4 | 5 Helpful votes

ገለ ሰባት ካብ ቀደም ነዚ ፍርዲ እዚ እተጻሕፉ፡ ፍርሃት ኣምላኽ ዜብሎም፡ ነቲ ጸጋ ኣምላኽና ናብ ርኽሰት ዚልውጥዎ፡ ነቲ ሓደ በይኑ ገዛእን ጐይታናን የሱስ ክርስቶስ ዚኽሕድዎ፡ ስሉኽ ኢሎም ኣትዮምኹም አለዉ።

Translation | Context
እያሱ 1:9 | 5 Helpful votes

ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።

Translation | Context
መዝሙር 10:7-9 | 4 Helpful votes

ኣፉስ መርገምን ጥልመትን ዓመጻን መሊኡ እዩ፣ ኣብ ትሕቲ መልሓሱ እከይን ጥፍኣትን አሎ። ኣብ ናይ ዓድታት ሸጓሹጕ የድቢ፣ ኣብ ሕቡእ ስፍራ ንንጹህ ይቐትሎ፣ ኣዒንቱ ንመስኪን ይስልያኦ። ከም ኣንበሳ ኣብ ዱሩ ኣብ መሕብኢኡ ይጻናቶ፣ ንመስኪን ኪዕምጥሮ የድቢ፣ ንመስኪን ብመጻወድያኡ ስሒቡ ይዕምጥሮ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 59:7 | 4 Helpful votes

ኣእጋሮም ናብ እከይ ይጐይ፡ ንጹህ ደም ንምፍሳስ ይቕልጥፉ፡ ሓሳቦም ሓሳብ እከይ እዩ፡ ጥፍኣትን ምዕናውን ኣብ መገድታቶም አሎ።

Translation | Context