Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

building the church of god


ዘጸአት 35:20-22 | 9 Helpful votes

ኵሉ እቲ ኣኼባ ደቂ እስራኤል ከኣ ካብ ቅድሚ ሙሴ ወጹ። ነፍሲ ወገፍ ልቡ ዝደፍኦ መጸ፡ ኵሉ መንፈሱ ፍቓድ ዘልዐለሉ ንመስርሒ ድንኳን ምርኻብን ንዅሉ ኣገልግሎቱን ንቕዱሳት ኣልባስን ንእግዚኣብሄር ህያብ ኣምጽኤ። ፍታው ልቡ ዘለዎም ዘበሉ ሰብኡትን ኣንስትን መጺኦም፡ ኣቝላፍን ቀላብቲ እዝንን ቀላብቲ ኣጻብዕን ኣምባውርትን ኵሉ ኣቓሑ ወርቅን ሀቡ። ነፍሲ ወከፍ ንእግዚኣብሄር ህያብ ወርቂ ኣቕረበ።

Translation | Context
ማቴዎስ 16:18 | 7 Helpful votes

ኣነ ኸኣ እብለካ አሎኹ፡ ንስኻ ጴጥሮስ ኢኻ። ንማሕበረይ ከኣ ኣብዛ ኸውሒ እዚኣ ኽሀንጻ እየ፡ ደጌታት ሲኦል ድማ ኣይሕይልዋን።

Translation | Context
ሃጌ 1:1-15 | 6 Helpful votes

ብኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፣ ብሳድሰይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ኸኣ ብቐዳመይቲ መዓልቲ፣ ብኢድ ነብዪ ሃጌ ኸምዚ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ናብ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፣ ምስለኔ ይሁዳን ናብ እያሱ ወዲ ሰኣልቲኤል ሊቀ ኻህናትን መጸ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ እዚ ህዝቢ እዚ፣ እቲ ጊዜ፣ ቤት እግዚኣብሄር እትስርሑሉ ጊዜ፣ ኣይበጽሔን፣ ይብል አሎ። ግናኸ እዛ ቤት እዚኣ ዖንያ ኸላስ፣ ንስኻትኩም ኣብ ስሉም ኣባይትኹም ክትነብሩዶ ጊዜኹም እዩ፡ ዚብል ቃል እግዚኣብሄር ብኢድ ነብዪ ሃጌ መጸ። እምብኣርሲ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፣ እስከ ብልብኹም መገድኹም ሕሰቡ። ንስኻትኩም ብዙሕ ዘራእኩም፣ ሒደት ኣእቶኹም። በላዕኩም ኣይጸገብኩምን፣ ሰቴኹም ኣይረዌኹምን፣ ተኸደንኩም ኣይሞቝኩምን፣ እቲ ውዕለቱ ዜእቱ ነቲ ዝወዐሎ ኣብ ነዃል ማሕፉዳ የንብሮ አሎ። እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፣ ብልብኹም መገድኩም ሕሰቡ፣ ይብል አሎ። ናብ ኣኽራን ደይቡ፣ ዕጨይቲ ኣምጽኡ፣ ነታ ቤት ከኣ ስርሕዋ። ኣነ ድማ ብእኣ ክሕጐስን ክኸብርን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር። ንስካትኩም ብዙሕ ተጸቤኹም፡ እንሆ ኸኣ፡ ሒደት እዩ፡ ናብ ቤት ምስ ኣእቶኩምዎ ኸኣ፡ ኣነ ኡፍ በልኩሉ። ስለምንታይ፧ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት፡ ነፍሲ ወከፍኩም ናብ በቤትኩም እናጐየኹምሲ፡ ቤተይ ስለ ዝዐነወት እዩ። ስለዚ ሰማያት ብሰርኹም ኣውሊ ኸልከለ፣ ምድሪ ኸኣ ፍሬኣ ኸልኤት። ኣነውን ኣብ ልዕሊ ምድርን ኣብ ልዕሊ ኣኽራንን ኣብ ልዕሊ እክልን ኣብ ልዕሊ ወይንን ኣብ ልዕሊ ዘይትን ኣብ ልዕሊ እቲ ምድሪ እተብቍሎን ኣብ ልዕሊ ሰብን ኣብ ልዕሊ እንስሳን ኣብ ልዕሊ ዅሉ ዕዮ ኣእዳውን ደርቂ ጸዋዕኩ። ሽዑ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤልን እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፣ ሊቀ ኻህናትን እቶም ካብቲ ህዝቢ ዝተረፉ ዅላቶምን ንደሃይ እግዚኣብሄር ኣምላኾምን ንቓል ነብዪ ሃጌን፣ ከምቲ እግዚኣብሄር ኣምላኾም ዝለኣኾ፣ ሰምዕዎ። እቶም ህዝቢ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ፈድሁ። ሃጌ ልኡክ እግዚኣብሄር በታ መልእኽቲ እግዚኣብሄር ንህዝቢ፣ ኣነ ምሳኻትኩም እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ኢሉ ተዛረቦም። እግዚኣብሄር ከኣ ንመንፈስ ዘሩባቤል ወዲ ሰኣልቲኤል፣ ምስለኔ ይሁዳን ንመንፈስ እያሱ ወዲ ይሆጻዳቅ፣ ሊቀ ካህናት ንመንፈስ ኵሎም እቶም ዝተረፉ ህዝብን ኣንቅሖ። ንሳቶም ከኣ በታ ኻልኣይቲ ዓመት ንጉስ ዳርዮስ፣ ንሳድሰይቲ ወርሒ፣ ካብታ ወርሒ ድማ ብመበል ዕስራን ኣርባዕተን ምዓልቲ መጹ፣ ኣብታ ቤት እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ኣምላኽ ከኣ ይሰርሑ ነበሩ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:20 | 5 Helpful votes

እምብኣርሲ ንስኻትኩም ኣብቲ የሱስ ክርስቶስ ባዕሉ እምኒ መኣዝኑ ዝዀነ መሰረት ነብያትን ሃዋርያትን እተነደቕኩም፡ ደጊም ደቂ ዓዶም ንቕዱሳንን ስድራ ቤቱ ንኣምላኽን ኢኹም እምበር፡ ኣጋይስን መጻእተኛታትን ኣይኰንኩምን።

Translation | Context
ማቴዎስ 18:19 | 3 Helpful votes

ክልተ ወይ ሰለስተ ዀይኖም ብስመይ ኣብ እተኣከቡሉ ኣነ ኸኣ ኣብኡ ኣብ ማእከሎም እየ እሞ፡ ክልተ ኻባኻትኩም ኣብ ምድሪ ብዚልምንዎ ነገር ኵሉ እንተ ተሳማምዑ፡ ካብቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ኪውሀቦም እዩ፡ ኢለ ኸም ብሓድሽ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 3:16-17 | 3 Helpful votes

እቲ ናይ ኣምላኽ ሰብ፡ ንሰናይ ግብሪ ዘበለ ፈጺሙ ተዳልዩ፡ ፍጹም ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ መንፈስ ኣምላኽ ዝነፈሶ ዘበለ ጽሑፍ ንትምህርቲ፡ ንተግሳጽ፡ ንምቕናዕ፡ ንጽድቂ ዚኸውን ምእዳብ ይጠቅም እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 36:3-6 | 3 Helpful votes

ንሳቶም ከኣ ነቲ ደቂ እስራኤል ንዕዮ ኣገልግሎት መቕደስ ኢሎም ዘምጽእዎ ዅሉ ህያብ ኪዐዩሉ ኻብ ሙሴ ተቐበሉ። ደቂ እስራኤል እቲ ናይ ፍታው ህያቦም ግና ንግሆ ንግሆ የምጽኡ ነበሩ። እቶም ንዅሉ ዕዮ መቕደስ ዚዐዩ ዝነበሩ ዅላቶም ጥበበኛታት ንፍሲ ወከፎም ከካብቲ ዚዐይዎ ዝነበሩ ዕዮኦም መጹ። ንሙሴ ኸኣ፡ እዚ ህዝቢ ነቲ እግዚኣብሄር ኪግበር ዝኣዘዞ ዕዮ ንምዕያይ ሓለፋ እቲ ዜድሊ የምጽእ አሎ፡ ኢሎም ተዛረብዎ። ሽዑ ሙሴ፡ ሰብኣይ ኰነ ወይ ሰበይቲ ንመቅደስ ኪህብ ኢሉ ደጊም ኣይዕየ፡ ኢሎም ኣብ ሰፈር ኪእውጁ ኣዘዘ እሞ እቶም ህዝቢ ኸየምጽኡ ተኸልከሉ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:11-12 | 3 Helpful votes

ኵላትና ናብ ሕብረት እምነት፡ ናብ ፍልጠት ወዲ ኣምላኽ፡ ናብ እኹል ሰብኣይ፡ ናብ ልክዕ ምልኣት ብጽሕና ክርስቶስ ክሳዕ እንበጽሕ፡ እቶም ቅዱሳን ነቲ ግብሪ ኣገልግሎት ንምህናጽ ስጋ ክርስቶስ ምሉኣት ምእንቲ ኪዀኑ ኢሉ፡ ንሱ ገሊኦም ሃዋርያት ገሊኦም ድማ ነብያት፡ ገሊኦም ከኣ ወንጌላውያን፡ ገሊኦምውን ጓሶትን መምህራንን ኪዀኑ ሀበ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 5:9 | 2 Helpful votes

ጴጥሮስ ድማ፡ ከመይከ መንፈስ እግዚኣብሄር ንምፍታን እተሰማማዕኩም፧ ኣእጋር እቶም ንሰብኣይኪ ዝቐበሩ እንሆ፡ ኣብ ደገ ኣለዋ፡ ንኣኺ ድማ ኬውጽኡኺ እዮም፡ በላ።

Translation | Context
ገላትያ 5:22-23 | 2 Helpful votes

እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:11 | 2 Helpful votes

ብዘይ እቲ ስሩት መሰረት፡ ንሱ ኸኣ የሱስ ክርስቶስ፡ ካልእ መሰረት ሓደ እኳ ኺስርት ዚኽእል የልቦን እሞ፡ ኣነ ኸምቲ እተዋህበኒ ጸጋ ኣምላኽ ብልሓተኛ ሃናጺ ዀይነ ነቲ መሰረት ሰረትኩ፡ ሓደ ኻልእ ከኣ ኣብ ልዕሊኡ ይሃንጽ። ነፍሲ ወከፍውን ከመይ ገይሩ ኸም ዚሃንጽ ይጠንቀቕ።

Translation | Context
መዝሙር 127:1-5 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፣ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ። ኣንጊህኩም ምትንሳእኩም፣ ኣምሲኹም ምድቃስኩም፣ እንጌራ ጻዕሪ ምብላዕኩም ከንቱ እዩ፣ እዝስ ንፍቁራቱ ደቂሶም ከለዉ ይህቦም እዩ። እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:10 | 2 Helpful votes

እቲ ብክርስቶስ የሱስ ናብ ናይ ዘለኣለም ክብሩ ዝጸወዓኩም ኣምላኽ ኵሉ ጸጋ፡ ቅሩብ ጊዜ ሓሳረ መከራ ምስ ጸገብኩም፡ ንሱ ኺፍጽመኩም፡ ኬጽንዓኩም፡ ኬበርትዓኩም፡ ኪስርተኩምውን እዩ።

Translation | Context