Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

building new church


2ይ ሳሙኤል 7:5-7 | 13 Helpful votes

ኪድ፡ ንባርያይ ዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ አሎ፡ በሎ፡ ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ክትሰርሓለይ ኢኻ፡ ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደኣ እከይድ ነበርክ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ምስ ኲሎም ደቂ እስራኤል እተማላለስኩሉ፡ ንሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ንህዝበይ ንእስራኤል ኪጓሲ ንዝአዘዝክዎስ፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ፡ ኢለዶ ተዛረብኩ፡

Translation | Context
ኤፌሶን 2:21-22 | 11 Helpful votes

ኣብኡ ብዘሎ እቲ ህንጻ ብጐይታ ቅድስቲ ቤተ መቕደስ ምእንቲ ኪኸውን፡ እናተኣሳሰረ ይዐቢ እዩ። ንስኻትኩምውን ኣብኡ ማሕደር ኣምላኽ ብመንፈስ ክትኰኑ ሐቢርኩም ትህነጹ አሎኹም።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 2:5 | 8 Helpful votes

ንስኻትኩምውን፡ ከም ህያዋን ኣእማን ኴንኩም፡ ነቲ ብየሱስ ክርስቶስ ኣብ ኣምላኽ ቅቡል ዝዀነ መንፈሳዊ መስዋእቲ ኸተቕርቡ፡ ንቕዱስ ክህነት ዚኸውን፡ መንፈሳዊ፡ ቤት ተሀነጹ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 66:1-2 | 6 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል፡ ሰማይ ዝፋነይ እዩ፡ ምድሪ ኸኣ መርገጽ እግረይ እያ። እቲ ንስኻትኩም እትሰርሑለይ ቤት ደኣ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ እቲ ኣነ ዝዐርፈሉ ስፍራኸ ኸመይ ዝበለ እዩ፧ ኢደይ እያ ነዚ ዂሉ ዝገበረቶ፡ እዚ ኸኣ ኰይኑ አሎ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ግናኸ ኣብቲ ሽጉርን ድቑስን መንፈስ ዘለዎን ብቓለይ ዚርዕድን ሰብ ደኣ እየ ዝጥምት ዘሎኹ።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 7:1-13 | 5 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ እቲ ንጉስ ኣብ ቤቱ ምስ ተቐመጠ፡ እግዚኣብሄር ከኣ ካብቶም ኣብ ዙርያኡ ዘለዉ ዂሎም ጸላእቱ ምስ ኣዕረፎ፡ እቲ ንጉስ ንነብዪ ናታን፡ ርኤማ በጃኻ፡ ኣነ ኣብ ቤት ጽሕዲ ኽነብር ከሎኹስ፡ ታቦት ኣምላኽ ኣብ ማእከል ድንኳን ዓለባታት ተቐሚጡ አሎ፡ በሎ። ናታን ከኣ ንንጉስ፡ እግዚኣብሄር ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኪድ፡ ኣብ ልብኻ ዘሎ ዂሉ ግበር፡ በሎ። ኰነ ድማ፡ በታ ለይቲ እቲኣ ቓል እግዚኣብሄር ናብ ናታን መጺኡ ከምዚ በለ፡ ኪድ፡ ንባርያይ ዳዊት፡ እግዚኣብሄር ከምዚ ይብለካ አሎ፡ በሎ፡ ንስኻዶ ኣነ ዝነብረላ ቤት ክትሰርሓለይ ኢኻ፡ ካብታ ንደቂ እስራኤል ካብ ግብጺ ዘውጻእኩላ መዓልቲ ጀሚረ ኽሳዕ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ድንኳንን ኣብ ማሕደርን ደኣ እከይድ ነበርክ እምበር፡ ኣብ ቤትሲ ኣይነበርኩን። ኣብቲ ምስ ኲሎም ደቂ እስራኤል እተማላለስኩሉ፡ ንሓደ ኻብ ነገዳት እስራኤል ንህዝበይ ንእስራኤል ኪጓሲ ንዝአዘዝክዎስ፡ ስለምንታይ ቤት ጽሕዲ ዘይሰራሕኩምለይ፡ ኢለዶ ተዛረብኩ፡ ሕጂ ኸኣ ንባርያይ ዳዊት ከምዚ በሎ፡ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት ከምዚ ይብል አሎ፡ ኣነ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ ኣብ ልዕሊ እስራኤል መስፍን ክትከውን፡ ካብ ምጒሳይካ፡ ካብ ድሕሪ እተን ኣባጊዕ ኣምጻእኩኻ። ኣብ ዝኸድካዮ ዘበለ ኸኣ ምሳኻ ነበርኩ፡ ንዂሎም ጸላእትኻውን ካብ ቅድሜኻ ኣጽነትክዎም። ከም ስምእቶም ኣብ ምድሪ ዘለዉ ዓበይቲ ድማ ዓብዪ ስም ገበርኩልካ። ንህዝበይ እስራኤልውን ቦታ ኸዳልወሉ፡ ድሕሪ ደጊም ከይነቓነቕሲ ኣብታ ቦታኡ ኽትኸሎ እየ። ሽዑ፡ ከምቲ ኻብታ ኣብ ልዕሊ ህዝበይ እስራኤል ፈረዲ ኪዀኑ ዝአዘዝኩላ መዓልቲ፡ እቶም ደቂ ዓመጽቲ ኸምቲ ናይ ቀደም ገይሮም መሊሶም ኣየጨንቕዎምን። ካብ ኲሎም ጸላእትኻ ድማ ከዕርፈካ እየ። ኤረ እግዚኣብሄርሲ ንኣኻ ቤት ከም ዚሰርሓልካ፡ እግዚኣብሄር ይነግረካ አሎ። መዓልትታትካ ምስ መልአ፡ ምስ ኣቦታትካ ኸኣ ምስ ደቀስካ፡ ብድሕሬኻ ድማ ነቲ ኻብ ከርስካ ዚወጽእ ዘርእኻ ልዕል ከብሎ እየ፡ ነታ መንግስቱውን ከጽንዓ እየ። ንሱ ንስመይ ቤት ኪሰርሕ እዩ፡ ኣነ ኸኣ ዝፋን መንግስቱ ንዘለአለም ከጽንዓሉ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 127:1 | 4 Helpful votes

እግዚኣብሄር ንቤት እንተ ዘይሀነጻ፣ ሃነጽቲ ንኸንቱ ይጽዕሩ። እግዚኣብሄር ንኸተማ እንተ ዘይሐለዋ፣ ሓላዊ ንኸንቱ ይነቅሕ።

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 7:14 | 4 Helpful votes

እዚ ብስመይ እተሰምየ ህዝበይ ከኣ ትሕት እንተ በለ፡ እንተ ለመነ፡ ገጸይውን እንተ ደለየ፡ ካብ ክፉእ መገዱ ድማ እንተ ተመልሰ፡ ሽዑ ኣነ ኻብ ሰማይ ክሰምዕ እየ፡ ሓጢኣቶም ከኣ ይቕረ ኽብለሎም፡ ምድሮምውን ክፍውሰሎም እየ።

Translation | Context
ዮሃንስ 4:23 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 4:32-33 | 3 Helpful votes

እቶም ዝአመኑ ዂላቶም ሓንቲ ልብን ሓንቲ ነፍስን ነበሩ፡ ብዂሉ ብርኪ ነበሩ እምበር፡ ሓደ እኳ ኻብ ገንዘቡ፡ እዚ ናተይ እዩ፡ ዚብል ኣይነበሮምን። ሃዋርያት ከኣ ብብዙሕ ሓይሊ ብዛዕባ ትንሳኤ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ይምስክሩ ነበሩ፡ ኣብ ኲሎም ከኣ ዓብዪ ጸጋ ነበረ።

Translation | Context
ያእቆብ 3:1-18 | 3 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ ዚገድድ ፍርዲ ኸም እንቕበል ፈሊጥኩም፡ ብዙሓት መምህራን ኣይትኹኑ። ኵላትና ብብዙሕ ነገር ንስሕት ኢና እሞ፡ ሓደ ብቓል ዘይስሕት እንተሎ፡ ንሱ ንብዘሎ ስጋኡ ኺለጕም ዚከአሎ፡ ብቑዕ ሰብኣይ እዩ። እንሆ፡ ኣብ ኣፍ ኣፍራስ፡ ምእንቲ ኺእዘዙና ኢልና፡ ልጓም ንገብረሎም አሎና፡ ንብዘሎ ስጋኦምውን ብእኡ ኢና እነቕንዖ። እንሆ፡ መራኽብ ድማ፡ ክንድዚ ዓበይቲ ኽነሰንሲ፡ ብብርቱዕ ንፋስ እናተኸብከባ ናብቲ ፍቓድ መራሒ ዚደልዮ ብንእሽቶ ስካን እየን ዚቃንዓ። ከምኡ ድማ ልሳን ንእሽቶ ኣካል እያ እሞ፡ ብዓብዪ ነገር ትምካሕ። እንሆ፡ ንእሽቶ ሓዊ ኽንደይ ዓብዪ ዱር ዘይተንድድ። ልሳንውን ሓዊ እያ፡ ዓለም ዓመጻ እያ። ልሳን ኣብ ማእከል ኣካላትና ሰፊራ ንብዘሎ ስጋ ተርክሶ አላ፡ ንመዘወር ንብረት ከኣ ተንድዶ፡ ብገሃነምውን ዝነደደት እያ። ኵሉ ዓሌት እንስሳን ኣዕዋፍን ለመም ዚብልን እንስሳ ባሕርን ብባህርይ ሰብ ይግዛእ፡ ተገዚኡውን አሎ። ግናኸ ንልሳንሲ ሓደ ሰብ እኳ ኺገዝኣ ኣይተኻእሎን፡ ንሳ ዘይትዐርፍ እክይቲ፡ ዚቐትል ሕንዚ ዝመልኤት እያ። ብእኣ ጌርና ንጐይታን ነቦን ንምርቕ፡ ብእኣ ጌርናውን ነቶም ብምስሊ ኣምላኽ እተፈጥሩ ሰባት ንረግም። ካብ ሓደ ኣፍሲ ምርቓን መርገምን ይወጽእ። ኣሕዋተየ፡ እዚ ኸምዚ ኪኸውን ኣይግባእን እዩ። ወይስ ዔላዶ ኻብ ሓንቲ ዓይኒ ማይ ጥዑምን መሪርን ማይ ትፍልፍል እያ፧ ኣቱም ኣሕዋተየ፡ ኦም በለስዶ ፍረ ኣውልዕ ክትፈሪ ይከኣላ እዩ፡ ወይ ተኽሊ ወይንስ ፍረ በለስ፧ ከምኡኸ እታ ዔላ ጨው ጥዑም ማይ ክትፍልፍል ኣይከኣላን እዩ። ኣብ ማእከልኩምከ ለባምን ኣስተውዓልን መን እዩ፧ ንሱ ብሰናይ ኣኻይዳኡ ብለውሃት ጥበብ ገይሩ ግብሩ የርኢ። መሪር ቅንእን ሻራን ኣብ ልብኹም ካብ ዚህልወኩም ግና፡ ንሓቂ እናተጻረርኩም ኣይትመክሑን ኣይትሐስዉን። ኣብቲ ቕንእን ሻራን ዘለዎ፡ ኣብኡ ምፍራስ ስርዓትን ኵሉ እኩይ ግብርን አሎ እሞ፡ እዛ ጥበብ እዚኣ ምድራዊትን ስጋዊትን ሰይጣናዊትን እያ እምበር፡ ካብ ላዕሊ እትወርድ ኣይኰነትን። እታ ናይ ላዕሊ ጥበብ ግና ቅድም ንጽህቲ እያ፡ ደሓርውን ሰላማዊት፡ ልእምቲ፡ ሰማዕ፡ ምሕረትን ጽቡቕ ፍረን ዝመልኤት፡ ብዘይ ዝሬትን ብዘይ ግብዝናን እያ። ነቶም ሰላም ዚገብሩውን እቲ ፍረ ጽድቂ ብሰላም ይዝርኦም እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 33:12 | 3 Helpful votes

እግዚኣብሄር ዝአምላኹ ህዝቢ፣ እቲ ንርስቱ ዝሐረዮ ህዝቢ ብጹእ እዩ።

Translation | Context
ነህምያ 2:20 | 3 Helpful votes

ሽዑ ኣነ ኸምዚ ኢለ መለስኩሎም፡ ኣምላኽ ሰማይ ኬቕንዓልና እዩ እሞ፡ ንሕና ባሮቱ ተንሲእና ኽንዐዪ ኢና። ንስኻትኩም ግና ኣብ ዮርሳሌም ክፍልን ግቡእን መዘከርታን የብልኩምን በልክዎም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 3:16-17 | 2 Helpful votes

ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ምዃንኩምን መንፈስ ኣምላኽ ኣባኻትኩም ሐዲሩ ምህላዉንዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ሓደ እኳ ነታ ቤት መቕደስ ኣምላኽ እንተ ኣማሰነ፡ ኣምላኽ ኬማስኖ እዩ። ቤተ መቕደስ ኣምላኽ ቅድስቲ እያ፡ እዛ ቤት መቕደስ እዚኣውን ንስኻኩም ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 4:24 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ መንፈስ እዩ፡ እቶም ዚሰግድሉ ድማ ብመንፈስን ብሓቅን ኪሰግዱሉ ይግባኦም። ኣቦ ኸምዚ ዝበሉ ሰገድቲ እዩ ዚደሊ እሞ፡ እቶም ናይ ሓቂ ሰገድቲ ነቦ ብመንፈስን ብሓቅን ዚሰግዱሉ ሰዓት ክትመጽእ እያ፡ ንሳ ኸኣ ሕጂ እያ።

Translation | Context
ማርቆስ 6:7-13 | 2 Helpful votes

ነቶም ዓሰርተው ክልተ ድማ ጸውዖም በብኽልተውን ኪልእኮም ጀመረ። ኣብ ርኹሳት መናፍስቲ ኸኣ ስልጣን ሃቦም። ንመገዲ ድማ በትሪ ጥራይ እምበር፡ ለቘታ ዀነ፡ እንጌራ ዀነ፡ ገለ ገንዘብ እኳ ኣብ ቅናውቶም ከይማልኡ ኣዘዞም። ግናኸ ኣሳእንኩም ኣእትዉ፡ ክልተ ቐምሽ ኣይትከደኑ፡ በሎም። ኣብታ ዝኣቶኹምዋ ቤት፡ ካብኣ ክሳዕ እትወጹ፡ ኣብኣ ተቐመጡ። ኣብታ ዘይተቐበሉኹም ወይስ ዘይሰምዑኹም ስፍራ፡ ካብኣ ወጺእኩም፡ ንኣታቶም ንምስክር ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ዓዲ እቲኣስ ንሶዶምን ንጎሞራን ከም ዚቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ወጺኦም፡ ሰብ ኪንሳሕ ሰበኹ። ብዙሓት ኣጋንንቲ ኣውጽኡ ንብዙሓት ሕሙማትውን ዘይቲ ለለኽዮም ኣሕወይዎም።

Translation | Context
መዝሙር 139:1-24 | 2 Helpful votes

ጐይታየ፣ ንስኻ መርመርካኒ ፈለጥካኒውን። ንምቕማጠይን ምትንሳኤይን ትፈልጦ፣ ንሓሳበይ ካብ ርሑቕ ተስተውዕሎ። ጐይታየ፣ ሓንቲ ቓል ኣብ መልሓሰይ ከየላስ፣ እንሆ፣ ኵሉ ትፈልጥ ኢኻ እሞ፣ ምኻደይን ምድቃሰይን ትምርምር፣ ንብዘሎ መገደይውን ኣጸቢቕካ ትፈልጦ ኢኻ። ብድሕሪትን ብቕድሚትን ከበብካኒ፣ ኢድካውን ኣንበርካለይ። እዚ ፍልጠት እዚ ኣዝዩ ይገርመኒ፣ ልዑል እዩ፣ ከርክቦ ኣይክእልን። ካብ መንፈስካ ናበይ ክኸይድ፣ ካብ ገጽካስ ናበይ ክሀድም እየ፧ ንሰማይ እንተ ደይብኩ፣ ንስኻ ኣብኡ አሎኻ፣ መንጸፈይ ኣብ ሲኦል እንተ ኣንጸፍኩ፣ እንሆ፣ ንስኻ ኣብኡ ኢኻ። ኣኽናፍ ወጋሕታ እንተ ወሰድኩ፣ ኣብ ወሰን ባሕሪ እንተ ተቐመጥኩ፣ ኣብኡ ኸኣ ኢድካ ኽትመርሓኒ፣ የማነይቲ ኢድካውን ክትሕዘኒ እያ። ጸልማት ይኸውለኒ፣ ኣብ ዙርያይ ዘሎ ብርሃን ከኣ ለይቲ ይኹን፣ እንተ በልኩ፣ ንኣኻስ ጸልማት እኳ ኣይጽልምተካን፣ ለይቲ ኸኣ ከም መዓልቲ ትበርህ፣ ጸልማትን ብርሃንን ንኣኻ ሓደ እዮም። ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ። ዎ ኣምላኽ፣ ሓሳባትካ ንኣይ ክንደይ ክቡር እዩ፣ ቊጽሩስ ክንደይ ዓብዪ እዩ። እንተ ቘጸርክዎ፣ ካብ ሑጻ ይበዝሕ፣ እንተ ነቓሕኩ፣ ገና ምሳኻ እየ። ዎ ኣምላኽ ንረሲእ ኰታ እንተትቐትሎ፣ ኣቱም ደመኛታት፣ ካባይ ርሓቑ። ስምካ ብተንኰል ይሰምዩ፣ ጸላእትኻ ከንቱ ይዛረቡ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም ጸላእትኻዶ ኣይጽልኣዮም፧ ነቶም ዚትንስኡኻስ ኣይፈንፍኖም፧ ፍጹም ጽልኢ እጸልኦም፣ ጸላእተይ እዮም። ዎ ኣምላኽ፣ መርምረኒ፣ ልበይ ከኣ ፍለጥ፣ ፈትነኒ፣ ሓሳበይውን ፍለጥ። መገዲ ዓመጻ እንተ አልዩኒ፣ ርኤ፣ ኣብቲ ናይ ዘለአለም መገዲ ምርሓኒ።

Translation | Context