Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

bread


ዮሃንስ 6:50-71 | 7 Helpful votes

ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ካብዚ እንጌራ እዚ ዝበልዔ ዘበለ ንዘለኣለም ኪነብር እዩ። እዚ ኣነ ምእንቲ ህይወት ዓለም ዝህቦ እንጌራ ኸኣ ስጋይ እዩ። ስለዚ ኣይሁድ፥ እዝስ፡ ስጋኡ ኽንበልዕ፡ ከመይ ገይሩ ኺህበና ይከአሎ፧ ኢሎም ንሓድሕዶም ተኻትዑ። የሱስ በሎም፥ ስጋ ወዲ ሰብ እንተ ዘይበላዕኩም፡ ደሙውን እንተ ዘይሰቴኹምሲ ህይወት ከም ዜብልኩም፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ናይ ዘለኣለም ህይወት አላቶ፡ ኣነውን በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ። ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ። ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ነዚ ሰሚዖም፡ እዚ ዘረባ እዝስ ጭንቂ እዩ፡ መን ኪሰምዖ ይኽእል፧ በሉ። የሱስ ድማ ደቀ መዛሙርቱ ብዛዕባዚ ኸም ዘጕረምረሙ፡ ብልቡ ፈሊጡ፥ እዚዶ የዕንቅፈኩም አሎ፧ ወዲ ሰብ ናብቲ ቐደም ዝነበሮ ኺድይብ ከሎ እንተ ትርእዩ ደኣ፡ ከመይ እዩ፧ መንፈስ እዩ ህያው ዚገብር፡ ስጋስ ገለ እኳ ኣይጠቅምን እዩ። እዘን ኣነ ዝነገርኩኹም ቃላት፡ መንፈስ እየን ህይወትውን እየን። የሱስ እቶም ዘይኣምኑ ኣየኖት ምዃኖም፡ እቲ ዜትሕዞውን መን ምዃኑ ኻብ መጀመርታ ፈሊጡ ነበረ እሞ፥ ዘይኣምኑ ግና ኣብ ማእከልኩም አለዉ፡ ስለዚ ድማ እየ፥ እቲ ኻብ ኣቦይ እተዋህቦ እንተ ዘይኰይኑስ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን፡ ዝበልኩኹም፡ በሎም። ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:32-35 | 7 Helpful votes

ሽዑ የሱስ፥ እቲ ኻብ ሰማይ ዚወርድ ንዓለምውን ህይወት ዚህብ ናይ ኣምላኽ እንጌራ እዩ እሞ፡ ነቲ እንጌራ ሓቂ ኻብ ሰማይ ዚህበኩም ኣቦይ እዩ እምበር፡ ነቲ እንጌራ እቲ ኻብ ሰማይ ዝሃበኩምሲ ሙሴ ኸም ዘይኰነ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ እቲ እንጌራ እቲኸ ኵሉ ሳዕ ሃበና፡ በልዎ። የሱስ በሎም፥ እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ናባይ ዚመጽእ ኣይጠምን፡ ብኣይ ዚኣምን ከቶ ኣይጸምእን እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 4:4 | 5 Helpful votes

የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:55-59 | 5 Helpful votes

ስጋይ ብልዒ ሓቂ እዩ እሞ፡ ደመይ ከኣ መስተ ሓቂ እዩ። እቲ ስጋይ ዚበልዕ ደመይውን ዚሰቲ ኣባይ ይነብር፡ ኣነውን ኣብኡ። ህያው ኣቦ ኸም ዝለአኸኒ እሞ ኣነ ስለ ኣቦ ብህይወት ከም ዘሎኹ፡ ከምኡ ኸኣ እቲ ዚበልዓኒ ስለይ ብህይወት ኪነብር እዩ። እቲ ኻብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ፡ ከምቲ ኣቦታትኩም ዝበልዕዎ ማና እሞ ዝሞቱ ኣይኰነን። ነዚ እንጌራ እዚ ዚበልዕሲ ንዘለኣለም ብህይወት ኪነብር እዩ። ኣብ ቅፍርናሆም ኣብ ቤት ጸሎት ኪምህር ከሎ እዩ እዚ እተዛረበ።

Translation | Context
መክብብ 9:7 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ንግብርኻ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ ኪድ እንጌራኻ ባህ ኢሉካ ብላዕ፡ ወይንኻውን ብሓጐስ ልቢ ስተ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 10:17 | 3 Helpful votes

ካብ ሓንቲ እንጌራ ተማቒልና ኢና እሞ፡ ሓንቲ እንጌራ ኻብ እትኸውንሲ፡ ንሕና ብዙሓት ክነስና ሓደ ስጋ ኢና።

Translation | Context
መክብብ 11:1 | 3 Helpful votes

ንእንጌራኻ ናብ ልዕሊ ማይ ስደዶ፡ ከምይሲ ድሕሪ ብዙሕ መዓልታት ክትረኽቦ ኢኻ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:47-50 | 3 Helpful votes

እቲ ብኣይ ዚኣምን ናይ ዘለኣለም ህይወት ከም ዘላቶ፡ ብሓቂ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። እንጌራ ህይወት ኣነ እየ። ኣቦታትኩም ኣብ በረኻ ማና በልዑ እሞ ሞቱ። ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:26 | 3 Helpful votes

ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 26:26 | 2 Helpful votes

በትሪ እንጌራ ምስ ዝሰብረልኩም፡ ንእንጌራኹም ዓሰርተ ኣንስቲ ኣብ ሓደ እቶን ይስንክታኦ፡ እንጌራኹም ድማ ብሚዛን ይመልሳልኩም፡ በሊዕኩም ከኣ ኣይትጸግቡን።

Translation | Context
1ይ ነገስት 17:12 | 2 Helpful votes

ንሳ ኸኣ፡ ህያው እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እዩ፡ ኢለ ብጀካ ሸልገት ሓርጭ ኣብ ዕትሮ፡ ሒደት ዘይት ኣብ መቐርሰሚቶ፡ እንጌራስ የብለይን፡ እኔኹ ኸኣ ክልተ ዕጨይቲ እአሪ አሎኹ፡ ኣትየ ድማ ንኣይን ንወደይን ክስንክቶ እሞ በሊዕናዮስ ክንመውት ኢና፡ በለት።

Translation | Context
ኤርምያስ 7:18 | 2 Helpful votes

ንኣይ ምእንቲ ኼጒህዩስ፡ ደቂ ኣዕጫው ይእክቡ፡ ኣቦታት ሓዊ ይኣጒዱ፡ ኣንስቲ ኸኣ ንንግስቲ ሰማይ ዚኸውን ቅጫ ኺስንክታ ብሑቚ የቘምጥዓ፡ መስዋእቲ መስተውን ንኻልኦት ኣማልኽቲ ይውፍያ።

Translation | Context
ዘጸአት 29:23 | 2 Helpful votes

ካብቲ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ዘሎ ዘይበዅዔ እንጌራ ዘለዎ መሶብ ከኣ ሓደ ሕብስትን ሓደ ቕጫ እንጌራ ዘይትን ሓደ ረቂቕ ቅጫን ውሰድ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:66-71 | 2 Helpful votes

ካብ ሽዑ ጀሚሮም ብዙሓት ካብ ደቀ መዛሙርቱ ንድሕሪት ተመልሱ ምስኡውን ኣይከዱን ስለዚ የሱስ ነቶም ዓሰርተው ክልተ፡ ንስኻትኩምከ ኽትከዱዶ ትደልዩ አሎኹም፡ በሎም። ስምኦን ጴጥሮስ ከኣ፥ ጐይታይ፡ ንስኻ ናይ ዘለኣለም ህይወት ቃል አሎካ፡ ናብ መን እሞ ኽንከይድ፧ ንሕናስ ንስኻ ክርስቶስ ወዲ ህያው ኣምላኽ ምዃንካ ኣሚንናን ፈሊጥናን አሎና፡ ኢሉ መለሰሉ። የሱስ ከኣ፥ ኣነስ ንዓሰርተው ክልቴኹምዶ ሐርየኩም ኣይኰንኩን፡ ሓደ ኻባኻትኩም ግና ድያብሎስ እዩ፡ ኢሉ መለሰሎም። እዚ ዝበለ ኸኣ ብዛዕባ ይሁዳ ኣስቆሮታዊ ወዲ ስምኦን እዩ። ኬትሕዞ ዘለዎ ንሱ እዩ እሞ፡ ንሱውን ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:50 | 2 Helpful votes

ካብኡ ዚበልዕ ዘበለ ምእንቲ ኸይመውት፡ ካብ ሰማይ ዝወረደ እንጌራ እዚ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:2 | 2 Helpful votes

ገንዘብኩም ነቲ እንጌራ ዘይኰነ፡ ጸማኹም ድማ ነቲ ዘየጽግበኩም እተጥፍኡሉስ ስለምንታይ፧ ተጠንቂቕኩም ስምዑኒ፡ ነቲ ዝጸበቐ ኸኣ ብልዑ፡ ነፍስኹምውን ብጣዕሚ ባህ ኪብላ እዩ።

Translation | Context