Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

4 bible verses about

boils


ኢሳይያስ 38:21 | 21 Helpful votes

ኢሳይያስ ግና፡ ጽባጥ በለስ ገይሮም፡ ነቲ ዝሐበጠ ይለብጥዎ እሞ ኪሐዊ እዩ፡ ኢሉ ነበረ።

Translation | Context
ዘጸአት 9:9 | 17 Helpful votes

ኣብ ብዘላ ምድሪ ግብጺ ኸኣ ተጐጓ ኪኸውን እዩ። ኣብ ኵላ ምድሪ ግብጺ ድማ ኣብ ሰብን ኣብ ማልን ፎቕፎቕ ዚብል ሕበጥ ኪኸውን እዩ፡ በሎም።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 13:18-23 | 10 Helpful votes

ንስጋ ኣብ ቈርበቱ ዝሐወየ ቚስሊ እንተለዎ፡ ኣብቲ በሰላ ኸኣ ጻዕዳ ሕበጥ ወይ ብሩህ ቅይሕ ዝበለ ጻዕዳ ብሮት እንተሎ፡ ሽዑ ኣብ ካህን ይርኤ። እቲ ኻህን ድማ ይርኣዮ፡ እንሆ ኸኣ፡ ካብቲ ቘርበት ጐድጒዱ እንተ ተራእየ፡ ጸጒሪ ኸኣ መሊሱ እንተ ጻዕደወ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር፡ ንሱ ኣብ በሰላ ዝወጸ ቚስሊ ለምጺ እዩ። እቲ ኻህን እንተ ረአዮ እሞ፡ እንሆ ኸኣ፡ ኣብኡ ጻዕዳ ጸጉሪ እንተ ዜልቦ፡ ካብቲ ቘርበትውን እንተ ዘይጐድጐደ፡ ንሱ ድማ እንተ ፋሕሸወ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ሾብዓተ መዓልቲ ይዕጸዎ። ኣብቲ ቘርበት እንተ ለሐመ ኸኣ፡ ንሱ ቚስሊ ለምጺ እዩ፡ ሽዑ ርኹስ ምዃኑ እቲ ኻህን ይንገር። እቲ ብሩህ ብሮት ከይለሐመ ኣብቲ ዘለዎ እንተ ቘመ ድማ፡ ንሱ በሰላ ቚስሊ እዩ፡ ንጹህ ምዃኑ ኸኣ እቲ ኻህን ይንገር።

Translation | Context
ያእቆብ 5:16 | 10 Helpful votes

እምብኣርሲ፡ ምእንቲ ኽትፍወሱ፡ ንሓድሕድኩም ሓጢኣትኩም ተአመኑ፡ ምእንቲ ንሓድሕድኩምውን ጸልዩ። ጸሎት ጻድቕ ብግብራ ብዙሕ ተስልጥ እያ።

Translation | Context