Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

blasphemy against the holy ghost


ማቴዎስ 12:31-32 | 12 Helpful votes

ስለዚ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን። ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዀነ፡ ኣብታ እትመጽእ ኰነ፡ ኣይሕደገሉን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 12:10 | 7 Helpful votes

ኣብ ወዲ ሰብ ዘረባ ዝበለ ዅሉ ይሕደገሉ፡ ነቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዚጸርፍ ግና፡ ኣብዚኣ ዀነ ወይስ ኣብታ እትመጽእ ዓለም፡ ኣይሕደገሉን እዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:6-10 | 5 Helpful votes

ምእንቲ ኸሕፍረኩም እየ እዚ ዝብል ዘሎኹ፡ ሓው ምስ ሓው ይፋረድ አሎ፡ እዚ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቶም ዘይኣምኑ፡ ከምዚዶ ኣብ መንጎ እቶም ኣሕዋት ኪፈርድ ዚኽእል ለባም ሓደ እኳ የብልኩምን፧ ብርግጽ ኣብ ንሓድሕድኩም መፋራረዲ ምህላውኩም ብሱሩ ጒድለትኩም እዩ። ከመይ ግዳ ዘይትዕመጹ፧ ከመይከ ዘይትግፍዑ፧ ምሓልፎ ንስኻትኩም ትዕምጹን ትገፍዑን አሎኹም፡ እዚ ኸኣ ነቶም ኣሕዋት። ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም።

Translation | Context
ቲቶስ 2:3-5 | 4 Helpful votes

እተን ኣረገውቲ ኣንስቲውን ከምኡ ንንብረት ቅድስና ኸም ዚግባእ፡ ዘይሓመይቲ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ባሮት ዘይኰና፡ መሃርቲ ሰናይ ኪዀና፡ ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን።

Translation | Context
ማርቆስ 3:29 | 3 Helpful votes

እቲ ንመንፈስ ቅዱስ ዝጸረፈ ግና ሓጢያቱ ንዘለኣለም ይዅንኖ እምበር፡ ንዘለኣለም ሕድገት ከም ዘይረክብ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ያእቆብ 2:6-7 | 3 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና ነቲ ድኻ ነዐቕኩምዎ። እቶም ሃብታማትዶ ኣይኰኑን ዚሕይሉኹምን ናብ መጋባእያ ዚስሕቡኹምን፧ ንሳቶምዶ ኣይኰኑንከ ነቲ እተጸዋዕኩምሉ ኽቡር ስም ዚጸርፉ ዘለዉ፧

Translation | Context
ሮሜ 8:9 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና፡ መንፈስ ኣምላኽ ሐዲሩኩም እንተ ኣልዩስ፡ ብመንፈስ እምበር፡ ብስጋ ኣይኰንኩምን ዘሎኹም። እቲ መንፈስ ክርስቶስ ዜብሉ ሰብ ግና፡ ንሱ ናቱ ኣይኰነን።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 7:51 | 2 Helpful votes

ኣቱም ልብኹምን ኣእዛንኩምን ዘይተገዝረ ተረርቲ ኽሳድ፡ ንስኻትኩም ኲሉ ጊዜ ንመንፈስ ቅዱስ ትጻረርዎ አሎኹም። ከምቲ ኣቦታትኩም ዝገበርዎ፡ ንስኻትኩም ድማ ከምኡ ትገብሩ አሎኹም።

Translation | Context