Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

being pregnant


መዝሙር 127:3 | 8 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 6 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 49:15 | 4 Helpful votes

ሰበይቲዶ ንፍረ ኸርሳ ኽሳዕ ዘይትርሕርሓሉ፡ ነቲ ዚጠቡ ውሉዳ ኽትርስዕ ይከኣላ እዩ፧ ምንም እኳ ንሳተን እንተ ረስዓ፡ ኣነስ ኣይክርስዓክን እየ።

Translation | Context
መዝሙር 139:13-16 | 4 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 1:27 | 2 Helpful votes

ብዛዕባዚ ቘልዓዚ እየ ዝለመንኩ፡ እግዚኣብሄር ከኣ እቲ ዝለመንክዎ ልማኖይ ሂቡኒ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 5:14-15 | 2 Helpful votes

ከምቲ ፍቓዱ ጌርና ሓደ ነገር እንተ ለመንናዮ፡ ይሰምዓና እዩ፡ እቲ ኣብኡ ዘሎና ትብዓት ድማ እዚ እዩ። ነቲ ዝለመንናዮ ዘበለ ኸም ዚሰምዓና ኻብ እንፈልጥ ድማ፡ እቲ ካብኡ ዝለመንናዮ ልማኖ ድሮ ኸም ዝረኸብናዮ፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ሉቃስ 2:11 | 2 Helpful votes

እቲ መልኣኽ ድማ፡ እንሆ፡ ሎሚ መድሓኒ ኣብ ዓዲ ዳዊት ተወሊድልኩም ስለ ዘሎ፡ - ንሱ ኸኣ ክርስቶስ ጐይታ እዩ፡ - ንዅሉ ህዝቢ ዚኸውን ዓብዪ ሓጐስ ኤበስረኩም አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሁ።

Translation | Context
ዘጸአት 21:22-25 | 2 Helpful votes

ሰባት እንተ ተባእሱ እሞ ጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ደፍኡ፡ ጥንሳ ድማ እንተ ኸደ፡ ካልእ ጕድኣት እንተ ዘይኰነ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝጸዓኖ ኻሕሳ ይኽሐስ፡ ፈረዲ ኸም ዝመደቡሉ ኸኣ ይዕደ። ጕድኣት እንተ ዀነ ግና፡ ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ። ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ። ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ። ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ። ኣብ ክንዲ ምንዳድ፡ ምንዳድ። ኣብ ክንዲ ቝስሊ፡ ቍስሊ። ኣብ ክንዲ ሕበጥ፡ ሕበጥ።

Translation | Context
ሉቃስ 1:41 | 2 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ኤልሳቤጥ ቃል ሰላምታ ማርያም ምስ ሰምዔት፡ እቲ ሕጻን ኣብ ከርሳ ተሰራሰረ። ንኤልሳቤጥ ድማ መንፈስ ቅዱስ መልኣ፡

Translation | Context
መዝሙር 127:3-5 | 2 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።

Translation | Context
ራእይ 12:2 | 2 Helpful votes

ጥንስቲ ኸኣ እያ፡ ብቕልውላው ምውላድውን ትጭርሕ፡ ክትወልድ ከኣ ትጽዕር ነበረት።

Translation | Context
መዝሙር 51:5 | 2 Helpful votes

እንሆ፣ ብአበሳ ተወለድኩ፣ እኖይ ከኣ ብሓጢኣት ጠነሰትኒ።

Translation | Context