Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

5 bible verses about

being nice


ፊልጲ 2:1-4 | 28 Helpful votes

እምብኣርሲ ገለ ምጽንናዕ ብክርስቶስ፡ ወይስ ገለ ደበሳ ናይ ፍቕሪ፡ ወይስ ገለ ሕብረት መንፈስ፡ ወይስ ገለ ምሕረትን ድንጋጽን እንተሎ፡ ብሓንቲ ሓሳብ ብምዃንኩም፡ ብሓንቲ ፍቕሪ ብምህላውኩም፡ ብሓንቲ ነፍሲ ዄንኩም ሓደ ብምሕሳብኩም ሓጐሰይ መልኡ። ሓንቲ እኳ ንርእሰይ ይጥዓመኒ ብምባል ወይስ ንውዳሴ ኸንቱ ኣይትግበሩ፡ ብትሕትና ግና እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ካብ ርእሱ ኣብሊጹ ይርእዮ። ነፍሲ ወከፍ ንብጻዩ ድማ እምበር፡ ነፍሲ ወከፍ ንርእሱ ዚሔሾ ኣይጠምት።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:29 | 28 Helpful votes

እቲ ንሰማዕቱ ንበረኸት ዚኸውን፡ ንምህናጽውን ዜድሊ ሰናይ ዘበለ ዘረባ ደኣ ተዛረቡ እምበር፡ ዘይጠቅም ዘረባስ ካብ ኣፍኩም ኣይውጻእ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:32 | 20 Helpful votes

ግናኸ ከምቲ ኣምላኽ ብክርስቶስ ይቕረ ዝበለልኩም፡ ንሓድሕድኩም ተላዋህትን ተዳናገጽትን ኴንኩም፡ ይቕረ ተባሃሀሉ።

Translation | Context
ሮሜ 12:19 | 17 Helpful votes

ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 8:6 | 5 Helpful votes

ንኣናስ ኲሉ ኻብኡ ዚኸውን ንሕናውን ንእኡ እንኸውን ሓደ ኣምላኽ ጥራይ፡ ኣቦ፡ አሎና፡ ኲሉ ብእኡ ዚኸውን ንሕና ኸኣ ብእኡ እንኸውን ሓደ ጐይታውን፡ የሱስ ክርስቶስ፡ አሎና።

Translation | Context