Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

being falsely accused


ኢሳይያስ 54:17 | 6 Helpful votes

ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኲሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ማቴዎስ 5:11 | 5 Helpful votes

እንተ ጸረፉኹምን እንተ ሰጐጉኹምን ምእንታይ ድማ ክፉእ ዘበለ ብሓሶት እንተ ተዛረቡልኩም፡ ብጹኣን ኢኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 11:9 | 5 Helpful votes

እቲ ግቡዝ ንብጻዩ ብኣፉ የጥፍኦ፡ ጻድቃን ግና ሳላ ፍልጠት ይናገፉ።

Translation | Context
ሮሜ 12:19 | 4 Helpful votes

ፍቁራተይ፡ ምፍዳይ ሕነ ናተይ እዩ፡ ኣነ ኽፈድዮ እየ፡ ይብል እግዚኣብሄር፡ ጽሑፍ እዩ እሞ፡ ነቲ መዓትሲ ስፍራ ሕደጉሉ እምበር፡ ባዕላትኩም ሕነ ኣይትፍደዩ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:2-4 | 4 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ። እቲ ምፍታን እምነትኩም ትዕግስቲ ኸም ዚገብር ፈሊጥኩምሲ፡ ብሓንቲ እኳ ኸይጐደልኩም ፍጹማትን ምሉኣትን ምእንቲ ኽትኰኑ፡ እታ ትዕግስቲ ፍጹም ግብሪ ይሀልዋ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 3:9 | 4 Helpful votes

ምርቓ ምእንቲ ኽትወርሱ፡ ነዚ ጽዉዓት ኢኹም እሞ፡ መርቑ ደኣ እምበር፡ እኩይ ኣብ ክንዲ እኩይ ወይስ ጸርፊ ኣብ ክንዲ ጸርፊ ኣይትምለሱ።

Translation | Context
መዝሙር 109:2 | 3 Helpful votes

ኣታ ኣምላኽ ምስጋናይ፣ እፍ ረሲእን ኣፍ ጥበራን ናባይ ተኸፊቶም፣ ብሓሳዊት መልሓስ ይዛረቡኒ፣ ብቓላት ጽልኢ ኸቢቦምኒ፣ ብዘይ ምኽንያት ይዋግኡኒ አለዉ እሞ፣ ስቕ ኣይትበል።

Translation | Context
ምሳሌ 19:9 | 3 Helpful votes

ሓሳዊ ምስክር ከይተቐጽዔ ኣይተርፍን፡ ሓሶት ዜውስእ ከኣ ይጠፍእ።

Translation | Context
መዝሙር 35:21-23 | 3 Helpful votes

ኣፎም ናባይ ሃህ ኣቢሎም፣ ኣሰይ ኣሰይ፣ ዓይንና ረአየቶ፣ ይብሉ አለዉ። ዎ እግዚኣብሄር፣ ርኢኻዮ ስቕ ኣይትበል፣ ጐይታየ፣ ካባይ ኣይትርሓቕ። ዎ ኣምላኸይ ጐይታይውን፣ ንመሰለይ ንቓሕ፣ ንነገረይ ድማ ተንስእ።

Translation | Context
ኤርምያስ 20:11 | 2 Helpful votes

ግናኸ እግዚኣብሄር ከም ሓያል ጅግና ምሳይ እዩ። ስለዚ እቶም ሰጐጒተይ ተዐንቂፎም ይወድቁ፡ ዚከኣሎምውን የልቦን። ብጥበብ ስለ ዘይገበርዎ ኣዝዮም ኪሐንኩ እዮም፡ ነውሮም ድማ ንሓዋሩ ኣይኪርሳዕን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 30:5-6 | 2 Helpful votes

ቃል ኣምላኽ ብዘሎ ዅሉዕ እዩ፡ ንሱ ነቶም ናብኡ ዚዕቈቡ ዋልታኦም እዩ። ከይዘልፈካ፡ ሓሳዊ ዄንካ ኸኣ ከይትርከብሲ፡ ናብ ቃሉ ሓንቲ እኳ ኣይትወስኽ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 2 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
ያእቆብ 1:2 | 2 Helpful votes

ኣሕዋተየ፡ በበይኑ ዝዀነ ፈተና እንተ በጽሓኩም፡ ንዅሉ ኸም ሓጐስ ቍጸርዎ።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 15:33 | 2 Helpful votes

ኣይትታለሉ፡ ሕማቕ ዕርክነት ንጽቡቕ ልማድ የጥፍኦ እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 6:27 | 2 Helpful votes

ንኣኻትኩም ንትሰምዑ ግና እብለኩም አሎኹ፥ ጸላእትኩም ኣፍቅሩ፡ ንዚጸልእኹም ጽቡቕ ግበሩ።

Translation | Context
ምሳሌ 3:30 | 2 Helpful votes

ምስ ዘይበደለካ ሰብ ብኸምኡ ኣይትበኣስ።

Translation | Context
መዝሙር 35:1-20 | 2 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ነቶም ዚበአሱኒ ተብአሶም፣ ነቶም ዚዋግኡኒ ውግኣዮም። ዋልታን ገለብን ሐዝ እሞ፣ ንምርዳኤይ ተንስእ። ኵናት ኣምበጥብጥ፣ መገዲ ሰጐጕተይውን ዕጾ፣ ንነፍሰይ፣ ምድሓንኪ ኣነ እየ፣ በላ። ንነፍሰይ ዚደልይዋ ይሕፈሩን ይነውሩን፣ ጥፍኣተይ ዚሐስቡ ንድሕሪት ይመለሱን ይሕፈሩን። ከምቲ ኣብ ቅድሚ ንፋስ ዘሎ ብቝቡቝ ይኹኑ፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ከኣ የባርሮም። ብዘይ ምኽንያት መፈንጠራኦም ብሕቡእ ዘርጊሖምለይ፣ ብዘይ ምኽንያት ንነፍሰይ ጕድጓድ ኵዒቶምላ እዮም እሞ፣ መገዶም ጸልማትን መንደልህጾን ትኹን፣ መልኣኽ እግዚኣብሄር ድማ ይስጐጎም። ብድንገት ጥፍኣት ይምጽኣዮ፣ እታ ዝሰወራ መፈንጠራኡ ትሐዞ፣ ንጥፍኣቱ ናብኣ ይውደቕ። ነፍሰይ ግና ብእግዚኣብሄር ባህ ኪብላ፣ ብምድሓኑውን ክትሕጐስ እያ። ኣዕጽምተይ ኵለን፣ ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ ንመስኪን ካብቲ ዚሕይሎ፣ ንመስኪንን ድኻን ካብቲ ዚብዝብዞ ዜናግፍ፣ ንኣኻ ዚመስልከ መን አሎ፧ ኪብላ እየን። ሓሰውቲ ምስክር ተንሲኦም፣ ዘይፈለጥክዎ ነገር ይሐቱኒ፣ ኣብ ክንዲ ሰናይ እከይ ይፈድዮኒ፣ ነፍሰይ ዘኽቲማ አላ። ኣነስ፣ እንተ ሐመሙ፣ ከሊ ተኸደንኩ፣ ንነፍሰይ ብጾም ቀጻዕክዋ፣ ርእሰይ ኣድኒነ ጸሌኹ። ፈታውየይን ሓወይን ከም ዝነበረ ገይረ ተመላለስኩ፣ ብወላዲቱ ኸም ዚበኪ ደኒነ ሐዘንኩ። እንተ ሐንከስኩ ግና፣ ሐቢሮም ባህ በሎም፣ ክፉኣት ሐበሩለይ፣ ኣይፈለጥኩን ከኣ፣ ቀደዱኒ ኣይሓደጉንንውን፣ ምስቶም ግቡዛት ዋዘኛታት ኰይኖም፣ ኣስናኖም ሐርቀሙለይ። ጐይታየ፣ ክሳዕ መአዝከ ነዚ ኽትጥምቶ ኢኻ፧ ንነፍሰይ ካብ ጥፍኣቶም፣ ነታ ቐንደይ ካብ ኣናብስ ኣናግፋ። ኣብ ዓብዪ ማሕበር ኤመስግነካ፣ ኣብ ማእከል ብዙሓት ህዝቢ እውድሰካ። ነቶም ብኸምኡ ዚጻረሩኒ ብኣይ ኣይተሐጕሶም፣ እቶም ብዘይ ምኽንያት ዚጸልኡኒውን በዒንቶም ኣይጣቐሱለይ። ሰላም ኣይዛረቡን እዮም እሞ፣ ነቶም ርጉኣት እታ ሃገርሲ ጥልመት ይምህዙሎም አለዉ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 54:4-17 | 2 Helpful votes

ፈጣሪኺ ሰብኣይኪ እዩ እሞ፡ ስሙ እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት እዩ፡ እቲ ናይ እስራኤል ቅዱስ ከኣ ተበጃዊኺ እዩ፡ ንሱ ኣምላኽ ኲሉ ምድሪውን ይበሀል። ስለዚ ኣይክትሐፍርን ኢኺ እሞ ኣይትፍርሂ፡ ኣይክትንውርን ኢኺ እሞ ኣይትሕነኺ፡ ኤረ ነውሪ ንእስነትኪ ኽትርስዒ፡ ጸርፊ ምብልውናኺ ድማ ድሕርዚ ኣይክትዝክርን ኢኺ። ከምታ መንፈሳ ዝጐሀየ ፍትሕቲ ሰበይቲ፡ ከምታ ሕድግቲ ንእሽቶ መርዓት፡ እግዚኣብሄር ጸውዓኪ፡ ይብል ኣምላኽኪ። ንሓጻር ጊዜ ሐደግኩኺ፡ ብዓብዪ ምሕረት ግና ኽእክበኪ እየ። ብምፍሳስ ቊጥዓ ንቕጽበት ዓይኒ ገጸይ ከወልኩልኪ፡ ብዘለኣለማዊ ምሕረት ግና ክርሕርሓልኪ እየ፡ ይብል እቲ ተበጃዊኺ ኣምላኽ። እዚ ንኣይ ከምቲ ማያት ኖህ እዩ እሞ፡ ማያት ኖህ ኣብ ምድሪ መሊሱ ኸይውሕዝ ከም ዝመሐልኩ፡ ከምኡውን ከይቊጥዓክን ከይገንሓክን እምሕል አሎኹ። ስለዚ ኣኽራን እኳ እንተ ዘበሉ፡ ኰረቢትውን ነነይ እንተ በሉ፡ ምሕረተይሲ ኻባኺ ኣይኪዘብልን፡ ኪዳን ሰላመይ ድማ ነነይ ኣይኪብልን እዩ፡ ይብል እቲ ዚርሕርሓልኪ እግዚኣብሄር። ኣቲ ህቦብላ ዝደፍኣኪ፡ ዘይተጸናናዕኪ፡ ሕዝንቲ፡ እንሆ፡ ነእማንኪ ሰሊመ ኽነድቆ፡ ብሰጲሮስ ከኣ ክስርተኪ፡ ጒልላት ግምብኺ ብሮቢኖስ፡ ደጌታትኪ ብህያክንቶስ፡ መካበብያኺ ዂሉ ድማ ብኽቡር እምኒ ኽገብሮ እየ። ኲላቶም ደቅኺ ብእግዚኣብሄር ኪምሀሩ እዮም፡ ሰላም ደቅኺውን ዓብዪ ኪኸውን እዩ። ብጽድቂ ኽትጸንዒ ኢኺ። እትፈርህዮ የብልክን እሞ፡ ካብ ግፍዒ ርሐቒ። ስምባድ ኣይኪቐርበክን እዩ እሞ፡ ካብኡ ርሐቒ። እንሆ፡ ካባይ ደኣ ኣይኰነን እምበር፡ ሐቢሮም ይተኣኻኸቡ ኣለው፡ ዝዀነ እንተ ዀነ እቶም ኪጻረሩኺ ዚሳማምዑ ዂሎም ኣብ ቅድሜኺ ኺወድቁ እዮም። እንሆ፡ ነቲ ንሕመት ነፊሑ ዜጒህሮ መሳርያ ዕዮኡ ኸኣ ዚገብር ኣንጠረኛ ኣነ እየ ዝፈጠርክዎ። ኣነውን እየ ነቲ መጥፍኢ፡ ኬብርስ ኢለ፡ ዝፈጠርክዎ። ንኣኺ ኺወግኡሉ እተሰርሔ ኣጽዋር ኲሉ ኣይኪጠቅምን እዩ፡ ነቲ ንፍርዲ ዚትንስኣኪ ዂሉ ልሳን ድማ ክትረትዕዮ ኢኺ። እዚ እዩ ርስቲ ባሮት እግዚኣብሄር፡ ጽድቆምውን ካባይ እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:15 | 2 Helpful votes

እቲ ሓደ ነቲ ሓደ ኽፉእ ከይፈድዮ፡ ተጠንቀቑ። ግናኸ ኵሉ ሳዕ ንሓድሕድኩም ንዅሉን ሰናይ ንምግባር ተጋደሉ።

Translation | Context
ኣሞጽ 5:24 | 2 Helpful votes

ግናኸ ፍርዲ ኸም ማያት፣ ጽድቂ ድማ ከም ዘይነጽፍ ርባ ይውሕዝ።

Translation | Context