Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

17 bible verses about

being discouraged


ሮሜ 12:12 | 13 Helpful votes

ብተስፋ ተሐጐሱ፡ ብጸበባ ተዓገሱ፡ ጸሎት ኣዘውትሩ።

Translation | Context
እያሱ 1:9 | 10 Helpful votes

ጽናዕ፡ ትባዕ፡ ኢለዶ ኣይኣዘዝኩኻን፧ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ኣብ እትኸዶ ዅሉ ምሳኻ እዩ እሞ፡ ኣይትፍራህ ኣይትሸበር ከኣ።

Translation | Context
ሮሜ 8:31-39 | 8 Helpful votes

እምብኣርሲ ብዛዕባ እዚ ነገርዚ እንታይ ክንብል ኢና፧ ኣምላኽ ምሳና ኻብ ዀነኸ፡ መን እዩ ዚቃወመና፧ እቲ ንወዱ እኳ ምእንቲ ዂላትና ኣሕሊፉ ዝሃቦ እምበር፡ ዘይነሐፎ፡ ከመይ ደኣኸ ምስኡ ዂሉ ዘይህበና፧ ነቶም ሕሩያት ኣምላኽሲ ዚኸሶም መን እዩ፧ ኣምላኽ እዩ እቲ ዜጽድቕ። እቲ ዚዅንንከ መን እዩ፧ ክርስቶስ የሱስ፡ እቲ ዝሞተ፡ ኤረ ኻብ ምዉታት እኳ ዝተንስኤ፡ ኣብ የማን ኣምላኽ ኰይኑውን ምእንታና ዚልምን ዘሎ እዩ። ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧ ሞት ኰነ ወይ ህይወት፡ መላእኽቲ ዀኑ ወይ ገዛእቲ፡ ዘሎ ዀነ ወይ ዚመጽእ፡ ወይ ሓይልታት፡ ልዕል ዝበለ ዀነ ወይ ትሕት ዝበለ፡ ካልእ ፍጥረትውን እንተ ዀነ፡ ካብታ ኣብ ክርስቶስ የሱስ ጐይታና ዘላ ፍቕሪ ኣምላኽ ከቶ ኺፈልየና ኸም ዘይኰነሉ፡ ኣርጊጸ አሎኹ እሞ፡ በዚ ዂሉ በቲ ዘፍቀረና ኣጸቢቕና ንስዕር ኢና።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:7 | 7 Helpful votes

ስለዚ ዅሉ ሳዕ እሙንቶ አላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 4:8-9 | 6 Helpful votes

ብዅሉ ወገን ንጽቀጥ፡ ግናኸ ኣይጸበናን፡ እንገብሮ ይጠፍኣና፡ ግናኸ ተስፋ ኣይንቐብጽን ኢና፡ ንስጐጕ፡ ድርቡያት ግና ኣይኰንናን። ይደፍኡና፡ ግናኸ ኣይንጠፍእን ኢና።

Translation | Context
ቈሎሴ 4:2 | 5 Helpful votes

ጸሎት ኣዘውትሩ፡ ብእኡውን ብምስጋና ንቕሑ።

Translation | Context
ሉቃስ 18:1 | 4 Helpful votes

ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡

Translation | Context
እብራውያን 11:6 | 4 Helpful votes

ብዘይ እምነት ግና ንኣምላኽ ኬስምርዎ ኣይከኣልን እዩ። እቲ ናብ ኣምላኽ ኪመጽእ ዚደሊ፡ ንሱ ኸም ዘሎን ነቶም ዚደልይዎ ዓስቢ ኸም ዚህቦምን፡ ኪኣምን ይግብኦ እዩ።

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 4 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:4-6 | 3 Helpful votes

ብጐይታ ዅሉ ሳዕ ተሐጐሱ፡ ደጊመ፤ ተሐጐሱ፡ እብል አሎኹ። እቲ ለውሃትኩም ኣብ ኵሉ ሰብ ይፈለጥ፡ እግዚኣብሄር ቀረባ እዩ። ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:12-13 | 3 Helpful votes

ትሕት ምባል እፈልጥ፡ ሕልፍን ትርፍን እፈልጥ እየ። ጽጋብን ጥሜትን ምስ ትርፉ ምህላውን ስእነትን፡ ኣብ ኵሉን ብዅሉን ልሙድ እየ። በቲ ሓይሊ ዚህበኒ ንዅሉ እኽእሎ እየ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 3:22 | 3 Helpful votes

ንትእዛዛቱ እንሕሉን ኣብ ቅድሚኡ ባህ ዜብሎ እንገብርን ስለ ዝዀንና፡ ነቲ እንልምኖ ዘበለ ኻብኡ ንቕበል ኢና።

Translation | Context
ሮሜ 8:28 | 3 Helpful votes

ነቶም ንኣምላኽ ዜፍቅሩ፡ ከም ምኽሩውን እተጸውዑ ግና ኵሉ ንሰናዮም ከም ዚድግፎም፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
ኢሳይያስ 40:28-31 | 2 Helpful votes

እቲ ንወሰናት ምድሪ ዝፈጠረ እግዚኣብሄር ዘለኣለማዊ ኣምላኽ ከም ዝዀነ፡ ከም ዘይደክምን ከም ዘይሕለልን፡ ኣእምሮኡ ኸም ዘይምርመርን፡ ኣይትፈልጥንዶ ኣይሰማዕካንዶኸ ኢኻ፧ ንድኹም ሓይሊ ይህብ፡ ንስኑፍ ከኣ ብርታዔ ይውስኽ። ኣጒባዝ ይደኽሙን ይሕለሉን፡ ኣባጽሕ ድማ ሰንከልከል ኢሎም ይወድቁ፡ እቶም ንእግዚኣብሄር ዚጽበዩ ግና ሓይሎም ይሕደስ። ከም ንስሪ በኽናፍ ይድይቡ፡ ይጐዩ እሞ ኣይሕለሉን፡ ይኸዱ እሞ ኣይደኽሙን።

Translation | Context
መዝሙር 91:14-16 | 2 Helpful votes

ኣጥቢቑ ስለ ዘፍቀረኒ፣ ከናግፎ፣ ንስመይ ስለ ዝፈለጦ፣ ከልዕሎ እየ። ኪጽውዓኒ ኣነውን ክመልሰሉ፣ ብጸበባ ምስኡ ክኸውን፣ ከናግፎን ከኽብሮን እየ። ነዊሕ ዕድመ ኸጽግቦ፣ ምድሓነይውን ከርእዮ እየ።

Translation | Context
መዝሙር 147:3 | 2 Helpful votes

ንልቦም እተሰብሩ ይፍውስ፣ ነቚሳሎም ይዘንን።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:13 | 2 Helpful votes

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።

Translation | Context