Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

12 bible verses about

being chosen


1ይ ጴጥሮስ 2:9 | 11 Helpful votes

ንስኻትኩም ግና ደግነት እቲ ኻብ ጸልማት ናብቲ ዜገርም ብርሃኑ ዝጸውዓኩም ምእንቲ ኽትነግሩ፡ ሕሩይ ወለዶ፡ ናይ መንግስቲ ኽህነት፡ ቅዱስ ህዝቢ፡ ጥሪት ኣምላኽ ዝዀኑ ህዝቢ ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:16 | 10 Helpful votes

ኣነ ሐሬኹኹም እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይሐሬኹምንን። ክትከዱን ፍረ ኽትፈርዩን ፍሬኹምውን ነባሪ ኪኽውን፡ ነቦ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ምእንቲ ኺህበኩም፡ ነዚ መደብኩኹም።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 9 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ኤፌሶን 1:3-4 | 8 Helpful votes

እቲ ብመንፈሳዊ በረኸት ዘበለ ብክርስቶስ ገይሩ ኣብ ሰማያት ዝባረኸና ኣምላኽን ኣቦ ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብሩኽ ይኹን። ከምቲ ብፍቕሪ ኣብ ቅድሚኡ ቅዱሳንን መንቕብ ዜብሎምን ምእንቲ ኽንከውን፡ ቅድሚ ምስራት ዓለም ብእኡ ዝሐረየና፡

Translation | Context
ዘዳግም 14:2 | 6 Helpful votes

ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኰኖ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ንኣኻ ሐረየካ።

Translation | Context
2ይ ተሰሎንቄ 2:14 | 3 Helpful votes

ነቲ ኽብሪ ጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምእንቲ ኽትረኽብዎ እዩ ንሱ ብወንጌልና ገይሩ ዝጸውዓኩም።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 3 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 43:10 | 3 Helpful votes

ኣነ ኸም ዝዀንኩ ምእንቲ ኸተስተውዕሉን ክትፈልጡን ክትኣምኑንሲ፡ ንስኻትኩም ምስክረይን እቲ ዝሐሬኽዎ ባርያን ኢኹም፡ ይብል እግዚኣብሄር። ቅድመይ ኣምላኽ ከቶ ኣይተደኰነን፡ ድሕረይ ከኣ ኣይኪኸውንን እዩ።

Translation | Context
መዝሙር 82:6 | 2 Helpful votes

ኣነስ፣ ኣማልኽቲ ኢኹም፣ ኵላትኩም ውሉድ እቲ ልዑል ኢኹም፣ ግናኸ ከም ሰብ ክትሞቱ፣ ከም ሓደ ኻብቶም መሳፍንቲውን ክትወድቁ ኢኹም፣ በልኩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:13 | 2 Helpful votes

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 2:27 | 2 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ፡ ከምቲ ቕብኣቱ ብዛዕባ ዅሉ ዚምህረኩም ዘሎ፡ ሓቂውን እዩ፡ ሓሶት ኣይኰነን፡ እሞ ኸምቲ ንሱ ዝመሀረኩም ኴንኩም፡ ኣብኡ ኽትነብሩ ኢኹም። እምብኣርከ እቲ ኻብኡ እተቐበልኩምዎ ቕብኣት ኣባኻትኩም ይነብር አሎ እሞ፡ ሓደ እኳ ኺምህረኩም ኣየድልየኩምን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 13:19 | 2 Helpful votes

ምስ ኰነ ኣነ ምዃነይ ምእንቲ ኽትኣምኑ ኸኣ፡ ከይኰነ ሕጂ እነግረኩም አሎኹ።

Translation | Context