Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

13 bible verses about

being a good mother


ዘዳግም 6:5-9 | 18 Helpful votes

ንስካ ድማ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ፍተዎ። እዚ ኣነ ሎሚ ዝእዝዘካ ዘሎኹ ቓላት ኣብ ልብኻ ይኹን። ንደቅኻ ምሀሮም፡ ኣብ ቤትካ ኾፍ ምስ በልካን ኣብ መገዲ ኽትከይድ ከሎኻን ኣብ በጥ ምባልካን ኣብ ምትንሳእካን ብእኡ ተዛረብ። ንምልክት ኣብ ኢድካ እሰሮ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኻ ድማ ክታብ ይኹን። ኣብ ልዳት ቤትካን ኣብ ማዕጾኻን ድማ ጽሐፎ።

Translation | Context
መዝሙር 127:3 | 15 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 22:6 | 12 Helpful votes

ንቘልዓ እታ ኪኸደላ ዚግብኦ መገዲ ኣላምዶ እሞ ምስ ኣረገ ኻብኣ ኣይኬልግስን እዩ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:10-31 | 11 Helpful votes

ደገኛ ሰበይትስ መን ይረክባ፡ ዋጋኣ ኻብ ብኩር ዕንቍ ኣዝዮ ይከብር። ልቢ ሰብኣያ ይእመና፡ እቶቱ ከቶ ኣየቋርጽን። ንሳ ምሉእ ዕድሚኣ ሰናይ እምበር፡ ክፉእ ኣይትገብሮን። ጸጕርን ልሕጺ እንታጢዕን ትደሊ፡ ተሐጕሳ ኸኣ ብኢዳ ትዐዪ። ንሳ ኸም መርከብ ነጋዶ እያ፡ ካብ ርሑቕ ምግባ ተምጽእ። ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦም፡ ነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን። ግራት ትምልከት እሞ ትዕድጎ፡ ብፍረ ኣእዳዋ ኸኣ ኣታኽልቲ ወይኒ ትተክል። ሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕ፡ ቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ። ኣቓሑ ንግዳ ጽቡቕ ዝዀነ ትርኢ፡ መብራህታ ብለይቲ ኣይጠፍእን። ኣእዳዋ መፍተል የልዕላ፡ ኣጻብዓውን ቍኒን ይሕዛ። ንሽጉራት ኢዳ ትዝርግሓሎም፡ ንጹጉማት ከኣ ኣእዳዋ ትሰደሎም። ኵሎም ስድራኣ ሰብ ደርብ ክዳን እዮም እሞ፡ ስለ ስድራኣ ብወርጪ ኣይትፈርህን። ንርእሳ ምንጻፋት ትገብር፡ ክዳውንታውን በፍታን ጁዅን እዩ። ሰብኣያ ኣብ ደገ ኣብ ማእከል ዓበይቲ ዓዲ ምስ ዚቕመጥ ምርኡይ እዩ። ጽቡቕ ቀሚሽ ኣእሊማ ትሸይጥ፡ መቐነት ነጋዳይ ትህቦ። ሓይልን ክብረትን ልብሳ እዩ፡ ነቲ ዚመጽእ መዓልቲ ትስሕቆ። ኣፋ ብጥበብ ትኸፍት፡ ትምህርቲ ለውሃት ድማ ኣብ ልሳና እዩ። ንብረት ቤታ ትሕሉ፡ እንጌራ ትህኪት ኣይትበልዕን። ደቃ ይትንስኡ ብርኽቲ ኸኣ ይብልዋ፡ ሰብኣያ ድማ፡ ብዙሓት ኣንስቲ ጽቡቕ ዝገበራ ኣለዋ፡ ንስኺ ግና ንዅላተን ትበልጽየን፡ ኢሉ ይንእዳ። ጽባቐ መልክዕ ጠባሪ እዩ፡ ውቃበ ኸኣ ከንቱ እዩ፡ ንእግዚኣብሄር እትፈርህ ሰበይቲ ግና ትንኣድ። ካብ ፍረ ኣእዳዋ ሀብዋ፡ ኣብ ደጌታትውን ተግባራ ይንኣዳ።

Translation | Context
ቲቶስ 2:5 | 11 Helpful votes

ነተን ናእሽቱ ኣንስቲ ኸኣ፡ እቲ ቓል ኣምላኽ ምእንቲ ኸይጽረፍሲ፡ ንሰብኡተንን ውሉደንን ኬፍቅራ፡ ነፍሰን ዚቐጽዓ ንጹሃት፡ ቤተን ዚኣልያ፡ ሕያዎት፡ ንሰብኡተን ዚእዘዛ ኪዀና ኼለብምኤን ምዓደን።

Translation | Context
ምሳሌ 31:17 | 7 Helpful votes

ሕቝኣ ብሓይሊ ይዕጠቕ፡ ቀላጽማ ኸኣ ተበርትዕ።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 5 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ቈሎሴ 3:21 | 3 Helpful votes

ኣቱም ኣቦታት፡ ሕሊናኦም ከይዓርብ፡ ነቶም ውሉድኩም ኣይተዀርይዎም።

Translation | Context
ዘጸአት 20:12 | 3 Helpful votes

ኣብቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዚህበካ ምድሪ ዕድሜኻ ምእንቲ ኺነውሕሲ፡ ኣቦኻን ኣዴኻን ኣኽብር።

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:20-25 | 3 Helpful votes

ሰብ ድማ ንዅሉ እንስሳን ነዕዋፍ ሰማይን ንኣራዊት መሮርን ሰስሙ ሀቦ። ንሰብ ግና ንእኡ እትበቅዕ ደጋፊት ኣይተረኽበትን። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከኣ ነቲ ሰብኣይ ከቢድ ድቃስ ኣውደቐሉ፡ ደቀሰ ድማ። ካብ መሰንገሊኡ ኸኣ ሓንቲ ወሰደ፡ ኣብ ስፍራኣ ድማ ስጋ መልኣ። እግዚኣብሄር ኣምላኽ ድማ ነታ ኻብ ሰብኣይ ዝወሰዳ መሰንገለ፡ ሰበይቲ ገይሩ፡ ሰርሓ እሞ ናብቲ ሰብኣይ ኣምጽኣ። እቲ ሰብኣይ ከኣ፥ እዚኣ ዓጽሚ ኻብ ኣዕጽምተይ፡ ስጋ ኸኣ ካብ ስጋይ እያ፡ ካብ ሰብኣይ ተወሲዳ እያ እሞ፡ ሰበይቲ ትብሀል፡ በለ። ስለዚ ሰብኣይ ኣቦኡን ኣዲኡን ይሓድግ፡ ምስ ሰበይቱ ኸኣ ይጠብቕ። ሓደ ስጋ ድማ ይዀኑ። እቲ ሰብኣይን ሰበይቱን ድማ ኽልቲኦም ጥራዮም ነበሩ፡ ኣይሓንኩን ከኣ ነበሩ።

Translation | Context
ምሳሌ 31:15 | 3 Helpful votes

ገና ለይቲ ኸሎ፡ ትትንስእ እሞ፡ ንስድራ ቤታ ምግቦም ትህቦም፡ ነግራዳ ኸኣ ሰስርሔን ተትሕዘን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 1:27 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ድማ ብመልክዑ ሰብ ፈጠረ። ብመልክዕ ኣምላኽ ፈጠሮ። ተባዕታይን ኣንስተይትን ገይሩ ፈጠሮም።

Translation | Context
ምሳሌ 3:4 | 2 Helpful votes

ሽዑ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ሰብን ሞገስን ጽቡቕ ልቦናን ክትረክብ ኢኻ።

Translation | Context