Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

10 bible verses about

beard


ዘሌዋውያን 19:27 | 21 Helpful votes

ወሰነ ወሰን ጸጒሪ ርእስኹም ኣይትቚረጹ፡ ወሰነ ወሰን ጭሕምኻውን ኣይትቚረጽ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 21:5 | 12 Helpful votes

ርእሶም ላጽዮም ኣየብርሑ፡ ወሰነ ወሰነ ጭሕሞም ድማ ኣይላጽዩ፡ ኣብ ስጋኦም ከኣ ብጣሕ ኣይብጥሑ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 44:20 | 9 Helpful votes

ነቲ ጸጕሪ ርእሶምሲ በብሓጺሩ ደኣ ኪቘርጽዎ እዮም እምበር፣ ርእሶም ኣይኪላጽዩን፣ ጸጕሮም ድማ ኣይኬነሑን እዮም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 50:6 | 7 Helpful votes

ዝባነይ ንገረፍቲ፡ ምዕጒርተይ ከኣ ንነጸይቲ ጸጒሪ ሀብኩ፡ ገጸይ ድማ ካብ ጸርፍን ጡፍ ምባልን ኣይከወልኩን።

Translation | Context
መዝሙር 133:2 | 5 Helpful votes

ከምቲ ኽቡር ዘይቲ ኣብ ርእሲ፣ ኣብ ጭሕሚ፣ ኣብ ጭሕሚ ኣሮን፣ ናብቲ ዘፈር ልብሱ ዚወርድ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 7:20 | 4 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣስ እግዚኣብሄር በታ ኻብ ስግር ርባ እተኻረያ መላጸ፡ ማለት ንጉስ ኣሶር፡ ንርእስን ንጸጒሪ እግርን ኪላጺ እዩ፡ ንጭሕሚውን ኪሰዶ እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 49:32 | 4 Helpful votes

ኣግማሎም ዘመተ ኪዀና፡ ብዝሒ ኸብቶም ከኣ ምርኮ ኪኸውን እዩ። ንዂሎም እቶም ወሰነወሰን ጭሕሞም ዚላጽዩ ኣብ ኲለን ንፋሳት ክብትኖም፡ ካብ ኲሉ ወገኖም ድማ መዓት ከምጽኣሎም እዩ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
ምሳሌ 20:29 | 4 Helpful votes

ሓይሊ ንመንእሰይ ክብረቱ እዩ፡ ንኣረገውቲ ኸኣ ሽበቶም ስልማቶም እዩ።

Translation | Context
ዘዳግም 14:1-29 | 4 Helpful votes

ንስኻትኩምሲ ደቂ እግዚኣብሄር ኣምላኽኩም ኢኹም። ብዛዕባ ምዉት ኣካልኩም ኣይትብጥሑ፡ ኣብ መንጎ ኣዒንትኹም ኣይትምለጡ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ እተቐደሰ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ እግዚኣብሄር ድማ ንእኡ ፍሉይ ህዝቢ ኽትኰኖ ኣብ ልዕሊ ምድሪ ኻብ ዘለዉ ዅሎም ህዝብታት ንኣኻ ሐረየካ። ፍንፉን ዘበለ ኣይትብላዕ። እትበልዕዎም እንስሳ እዚኣቶም እዮም፡ ብዕራይን በጊዕን ጤልን፡ እራብን ሰስሓን ዓገዜንን ድንኵላን ዝዖታን ሜዳቚን ቶራን። ጽፍሩ ስንጡቕ፡ ሸዀናኡ ኣብ ክልተ እተመቕለ፡ መጒስዕ ዚመልስ ኵሉ እንስሳ፡ እዞም እንስሳ እዚኣቶም ብልዑ። መጕስዕ ካብ ዚመልሱ፡ ሸዀናኦም ካብ እተመቕለ፡ እዚኣቶም ኣይትብልዑ፡ ገመልን ማንትለን ግሔን፡ እዚኣተን መጕስዕ ይመልሳ እየን፡ ሸዀናኤን ግና ኣይተመቕለን እሞ፡ ርዅሳት ይኹናኹም፡ ሓሰማ፡ ንሳ ሸዀናኣ ምቑል እዩ፡ ግናኸ ኣይተመጕስዕን እያ፡ ንሳ ንኣኻትኩም ርኽስቲ እያ። ካብ ስጋኤን ኣይትብልዑ፡ ገምበንውን ኣይትተንክዩ። ኣብ ማይ ካብ ዘሎ ዅሉ እትበልዕዎ እዚ እዩ፡ ክንፍን ቅረፍትን ዘለዎ ዅሉ ብልዑ። ክንፍን ቅረፍትን ዜብሉ ግና ኣይትብልዑ፡ እዚ ርኹስ ይኹንኩም። ንጹሃት ዘበላ ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ። ካባታተን ከኣ ዘይትበልዕወን እዚኣተን እየን፡ ንስርን ገምብን ወሓጥ ዓሳን፡ ሊላን በላዕ ልኻይን ጻዕዳ ኸርሶ በብዓይነቱን፡ ኵሉ ኳዅ ድማ በብዓይነቱ፡ ሰገንን ጕጕትን ሮብራን ተገዳር ሓረስታይን በብዓይነቱ፡ ንእሽቶ ጕንጓን ዓባይ ጕንጓን ቀራን ጕንጓ ድማ፡ ቀያሕ ሓሓትን ኣሞራን ሓሓትን፡ ራዛን ሰብ ጸራድ በብዓይነቱን ተምበሃረጆን መንካዕን፡ ክንፊ ዘልዎ ዅሉ ለመምታ ኸኣ ርኹስ ይኹንኩም፡ ኣይትብልዕዎ። ንጹሃት ዘበላ ዅለን ኣዕዋፍ ብልዑ። ንስኻስ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ቅዱስ ህዝቢ ኢኻ እሞ፡ ገለ ሕሉቕ ኣይትብልዑ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ንዘሎ ስደተኛ ሀቦ፡ ንሱ ይብልዓዮ ወይ ናብ ጓና ሽጦ። ንማሕስእ ብጸባ ኣዲኡ ኣይተብስሎ። ካብቲ በብዓመት ካብ ግራትካ ዝወጸ ዅሉ እቶት ዘርእኻ ዕሽር ኣውጽእ። ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምፍራህ ወርትግ ምእንቲ ኽትምሃርሲ፡ ነቲ ዕሽር ስርናካን ወይንኻን ዘይትኻን በዅሪ ኣሓኻን ኣባጊዕካን ኣብታ ንማሕደር ስሙ ዝሐረያ ቦታ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብልዓዮ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ምስ ዚባርኸካ፡ እታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስሙ ኼንብረላ ዝሐረያ ቦታ እንተ ረሐቐትካ እሞ መገዲ ስለ ዝነውሓካ፡ ናብኣ ኸተምጽኦ እንተ ዘይተኻእለካ፡ ንገንዘብ ሽጦ፡ እቲ ገንዘብ ኣብ ኢድካ ሒዝካ ኸኣ፡ ናብታ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሐረያ ቦታ ኺድ። በቲ ገንዘብ እቲ ነፍስኻ ዝፈተወቶ፡ ላምን በጊዕን ወይንን ዜስክር መስተን ወይ ነፍስካ ዝደለየቶ ዅሉ ትዕድግ፡ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ድማ ኣብኡ ትበልዖ፡ ንስኻን ስድራ ቤትካን ከኣ ትሕጐሱ። ነቲ ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘሎ ሌዋዊ ድማ፡ ምሳኻ ግደን ርስትን የብሉን እሞ፡ ኣይትሕደጎ። ኣብ መወዳእታ ሰሳልሰይቲ ዓመት ካብ ኵሉ ናይ እታ ዓመት እቲኣ እቶትካ ዕሽር ኣውጺእካ፡ ኣብ ውሽጢ ደጌታትካ ኣክቦ። እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብዅሉ እትገብሮ ግብሪ ኢድካ ምእንቲ ኺባርኸካስ፡ እቲ ምሳኻ ግደን ርስትን ዜብሉ ሌዋውን እቶም ኣብ ውሽጢ ደጌኻ ዘለዉ ስደተኛን ዘኽታምን መበለትን ይምጽኡ እሞ ይብልዑን ይጽገቡን።

Translation | Context
2ይ ሳሙኤል 19:24 | 3 Helpful votes

መፊቦሸት ወዲ ሳኦልውን ንንጉስ ኪቕበሎ ወሪዱ ነበረ። ንሱ ኻብታ ንጉስ ዝኸደላ መዓልቲ ኽሳዕ እታ ብሰላም ዝአተወላ መዓልቲ እግሩ ኣየጽረየን፡ ጭሕሙ ድማ ኣይዘርገፈን ክዳኑውን ኣይሐጸበን ነበረ።

Translation | Context