Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

bad dreams


መዝሙር 4:8 | 11 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ንስኻ በይንኻ ኢኻ ብደሓን እተሕድረኒ እሞ፣ ብሰላም እግምሰስን እድቅስን አሎኹ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 4:1 | 11 Helpful votes

ኣቱም ፍቁራተይ፡ ብዙሓት ነብያት ሓሶት ናብ ዓለም ወጺኦም አለዉ እሞ፡ እቶም መናፍስቲ ኻብ ኣምላኽ እንተ ዀይኖም መርምሩ እምበር፡ ንመንፈስ ዘበለ ዅሉ ኣይትእመንዎ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:33 | 9 Helpful votes

ኣባይ ሰላም ምእንቲ ኽትረኽቡ፡ እዚ ነገርኩኹም። ኣብ ዓለም ጸበባ አሎኹም። ግናኸ ኣጆኹም፡ ኣነ ንዓለም ስዒረያ እየ፡ ኢሉ መለሰሎም።

Translation | Context
ዳንኤል 2:28 | 9 Helpful votes

ግናኸ ኣብ ሰማይ ዘሎ ሓደ ኣምላኽ እዩ ምስጢራት ዚገልጽ፣ ንሱ ኸኣ ንንጉስ ነቡካድነጻር በቲ ዳሕራይ ዘመንሲ እንታይ ከም ዚኸውን ኣፍለጦ። እቲ ኣብ ምድቃስካ ዝርኤኻዪ ሕልምኻን ራእያት ርእስኻን እዚ እዩ፣

Translation | Context
መዝሙር 23:1-6 | 8 Helpful votes

እግዚኣብሄር ጓሳይየይ እዩ፣ ዚጐድለኒ የብለይን። ኣብ ልሙዕ ሸኻ የውዕለኒ፣ ናብ ዝዐርፈሉ ማይ ይመርሓኒ። ንሱ ንነፍሰይ የህድኣ፣ ምእንቲ ስሙ ኢሉ ብመገዲ ጽድቂ ይመርሓኒ። በርትኻን ምርኵስካን የጸናንዓኒ እዩ፣ ንስኻ ምሳይ ኢኻ እሞ፣ ብርባርባ ድነ ሞት እኳ እንተ ኸድኩ፣ ክፉእ ኣይፈርህን እየ። ንስኻ ኣብ ቅድሚ ገጽ ጸላእተይ መአዲ ትሰርዓለይ፣ ንርእሰይ ብዘይቲ ትለኽዮ፣ ጽውኤይ ይጅርብብ አሎ። ብሓቂ ሳህልን ምሕረትን ብዅሉ ዕድመይ ኪስዕባኒ እየን፣ ኣብ ቤት እግዚኣብሄር ከኣ ንዘለአለም ክነብር እየ።

Translation | Context
1ይ ዮሃንስ 1:9 | 6 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:13 | 5 Helpful votes

እቲ መንፈስ ሓቂ ምስ መጸ ግና፡ ንሱ ዝሰምዖ ዘበለ እዩ ዚዛረብ እምበር፡ ካብ ርእሱ ኣይዛረብን እዩ እሞ፡ ንሱ ነቲ ዚመጽእ ኬፍልጠኩም፡ ናብ ኵሉ ሓቂውን ኪመርሓኩም እዩ።

Translation | Context
ቲቶስ 3:5 | 4 Helpful votes

ንሱ ብምሕረት ብምሕጻብ ሓድሽ ልደትን ብምሕዳስ መንፈስ ቅዱስን እዩ ዘድሓነና እምበር፡ ንሕና ብዝገበርናዮ ግብሪ ጽድቂ ኣይኰነን።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:6 | 4 Helpful votes

የሱስ ከኣ፥ መገድን ሓቅን ህይወትን ኣነ እየ። ብዘይ ብኣይ ሓደ እኳ ናብ ኣቦ ዚመጽእ የልቦን።

Translation | Context
ራእይ 21:1-27 | 3 Helpful votes

እቲ ቐዳማይ ሰማይን እታ ቐዳመይቲ ምድርን ሐሊፎም፡ ባሕሪውን ደጊምሲ የልቦን እሞ፡ ሓድሽ ሰማይን ሓዳስ ምድርን ርኤኹ። እታ ቅድስቲ ኸተማ፡ እታ ሓዳስ የሩሳሌም፡ ንመርዓዊኣ ኢላ ኸም እተሰለመት መርዓት ተዳልያ፡ ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ርኤኹ። ካብቲ ዝፋንውን ዓው ዝበለ ድምጺ፡ እንሆ ድንኳን ኣምላኽ ምስ ሰብ፡ ንሱውን ምሳታቶም ኪነብር እዩ፡ ንሳቶም ከኣ ህዝቡ ኪዀኑ እዮም፡ ኣምላኽውን ባዕሉ ምሳታቶምን ኣምላኾምን ኪኸውን እዩ። ኣምላኽ ከኣ ንብዘሎ ንብዓት ካብ ኣዒንቶም ኪደርዝ እዩ። እቲ ቐዳማይ ሐሊፉ እዩ እሞ፡ ድሕሪ ደጊም ሞት ኣይኪኸውንን፡ ድሕሪ ደጊምውን ሓዘን፡ ወይ ጫውጫው፡ ወይ ጻዕሪ ኣይኪኸውንን እዩ፡ ኪብል ከሎ ሰማዕኩ። እቲ ኣብ ዝፋን እተቐመጠ ኸኣ፡ እንሆ፡ ንዅሉ እሕድሶ አሎኹ፡ በለ። እዚ ቓልዚ እሙንን ሓቅን እዩ እሞ፡ ጽሐፍ፡ በለኒ። ቀጺሉ ኸኣ፡ እዚ ኽዉን እዩ፡ ኣልፋን ኦሜጋን፡ መጀመርታን መወዳእታን ኣነ እየ። ኣነ ንዝጸምኤ ካብ ዓይኒ ማይ ህይወት ብኸምኡ ኽህቦ እየ። እቲ ዚስዕር ነዚ ኺወርሶ እዩ። ኣነ ኣምላኹ ክዀኖ፡ ንሱውን ውሉደይ ኪዀነኒ እዩ። እቶም ፈራሃትን ዘይኣምኑን ፍንፉናትን ቀተልቲ ነፍስን ኣመናዝርን ጠንቈልትን መምለኽቲ ጣኦትን ብዘለዉ ሓሰውትን ግና፡ ግዲኦም ኣብቲ ብሓውን ዲንን ዚነድድ ቀላይ እዩ፡ እዚ እቲ ኻልኣይ ሞት እዩ፡ በለኒ። ካብቶም በተን ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ዝመልኣ ሾብዓተ ጽዋእ ዝሐዙ ሾብዓተ መላእኽቲ ኸኣ ሓደ መጸ እሞ፡ ነታ መርዓት፡ ሰበይቲ እቲ ገንሸል፡ ክርእየካስ ንዓ፡ እናበለ ተዛረበኒ። ብመንፈስ ድማ ናብ ዓብይን ነዊሕን ከረን ወሰደኒ፡ ነታ ኽብሪ ኣምላኽ ዘለዋ ቅድስቲ ኸተማ የሩሳሌም ካብ ሰማይ ካብ ኣምላኽ ክትወርድ ከላ ኸኣ ኣርኣየኒ። ምድማቕ ብርሃናውን ከም ኣዝዮ ዝኸበረ እምኒ፡ ከምቲ ዜንጸባርቕ እምኒ ያስጲስ እዩ ዝመስል። ዓብይን ነዊሕን ቀጽሪ ኸኣ አለዋ፡ ዓሰርተው ክልተ ደገ፡ ኣብቲ ደጌታትውን ዓሰርተው ክልተ መላእኽቲ፡ ስማት ድማ ተጽሒፉ አሎ፡ እዚ ስማት እዚውን ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ነገድ ደቂ እስራኤል እዩ። ብምብራቕ ሰለስተ ደገ፡ ብሰሜን ሰለስተ ደገ፡ ብደቡብ ሰለስተ ደገ፡ ብምዕራብ ሰለስተ ደገ አሎ። ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ መሰረት አለዎ፡ ኣብኡ ድማ ዓሰርተው ክልተ ስም ናይቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እቲ ገንሸል አሎ። እቲ ዚዛረበኒ ኸኣ፡ ነታ ኸተማን ነቲ ደጌታታን ቀጽራን ምእንቲ ኺሰፍረሉ፡ መስፈሪ፡ ዘንጊ ወርቂ፡ አለዎ። እታ ኸተማ ኸኣ ኣርባዕተ ዝመኣዝና እያ፡ ምንዋሓውን ክንዲ እቲ ግፍሓ እዩ። በቲ ዘንጊ ድማ ነታ ኸተማ ዓሰርተው ክልተ ሽሕ እስታድዮስ ሰፈራ። ምንዋሓን ምግፋሓን ምብራኻን ማዕረ ማዕረ እዩ። ነቲ ቐጽራ ኸኣ ብእመት ሰብኣይ፡ ንሱ ድማ ናይ መልኣኽ፡ ሚእትን ኣርብዓን ኣርባዕተን እመት ኣመቶ። እቲ ቐጽራ ድማ ብያስጲስ እተነድቀ እዩ፡ እታ ኸተማውን ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እያ እትመስል። መሰረታት ቀጽሪ እታ ኸተማ ኸኣ ብክቡር እምኒ ዘበለ ተሰሊሙ እዩ። እቲ ቐዳማይ መሰረት ያስጲስ እዩ፡ እቲ ኻልኣይ ሰፉሮስ፡ እቲ ሳልሳይ ከልቄዶን፡ እቲ ራብዓይ ስመራግዶስ፡ እቲ ሓምሳይ ሰርዶንክስ፡ እቲ ሳድሳይ ሰርድዮስ፡ እቲ ሳብዓይ ክሪሶሊት፡ እቲ ሳምናይ በሪሎስ፡ እቲ ታስዓይ ቶጳዝዮን፡ እቲ ዓስራይ ክሪሶጵራስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ሓደ ህያክንቶስ፡ እቲ መበል ዓሰርተው ክልተ ኣሜትስጦስ እዩ። እቲ ዓሰርተው ክልተ ደገ ኸኣ ዓሰርተው ክልተ ሉል እዩ። ነፍሲ ወከፍ ደገ ኻብ ሓደ ሉል እተገብረ እዩ። ኣደባባይ እታ ኸተማ ድማ ጽሩይ ወርቂ ኸም ጽሩይ መረጸን እዩ። እቲ ዅሉ ዚኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽን እቲ ገንሸልን መቕደስ እዮም እሞ፡ መቕደስ ኣብኣ ኣይርኤኹን። እታ ኸተማ ኸኣ ኽብሪ ኣምላኽ ኣብሪሁላ አሎ፡ መብራህታስ እቲ ገንሸል እዩ እሞ፡ ጸሓይ ወይስ ወርሒ ኼብርሃላ ኣየድልያን እዩ። ኣህዛብ ብብርሃና ኺመላለሱ፡ ነገስታት ምድሪውን ክብሮም ናብኣ ኼምጽኡ እዮም። ኣብኣ ለይቲ ኣይኪኸውንን እዩ እሞ፡ ደጌታት ብመዓልቲ ከቶ ኣይኪዕጾን እዩ። ነቲ ናይ ህዝብታት ክብረትን ክብርን ከኣ ናብኣ ኼምጽእዎ እዮም። እቶም ኣብቲ ናይቲ ገንሸል መጽሓፍ ህይወት እተጻሕፉ ደኣ እምበር፡ ገለ ርኽሰት ወይስ እቲ ዜፈንፍንን ሓሶትን ዚገብር ዘበለ ኸኣ ናብኣ ከቶ ኣይኪኣቱን እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 10:26 | 2 Helpful votes

ስለዚ ኸኣ ፍልጠት ሓቂ ምስ ረኸብና፡ ፈቲና ሓጢኣት እንተ ገበርና፡ ዜስክሕ ምጽባይ ፍርድን ነቶም ተጻረርቲ እትበልዕ ቅንኢ ሓውን ኪኸውን እዩ እምበር፡ ደጊምሲ ስለ ሓጢኣት ዚስዋእ መስዋእቲ የልቦን።

Translation | Context
ዮሃንስ 1:1 | 2 Helpful votes

ቃል ብመጀመርታ ነበረ፡ እቲ ቓል ድማ ኣብ ኣምላኽ ነበረ። እቲ ቓልውን ኣምላኽ ነበረ።

Translation | Context
ዘጸአት 3:14 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ ከኣ ንሙሴ፡ እቲ ዘሎኹ እየ ዘሎኹ፡ በሎ። በለ ድማ፡ ንደቂ እስራኤል፡ እቲ አሎኹ ናባኻትኩም ለኣኸኒ፡ በሎም።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:30 | 2 Helpful votes

ኣነን ኣቦን ሓደ ኢና።

Translation | Context