Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

21 bible verses about

backsliding


1ይ ዮሃንስ 1:9 | 9 Helpful votes

ሓጢኣትና እንተ ተናዘዝና፡ ንሓጢኣትና ይቕረ ኺብለልና፡ ካብ ኵሉ ዓመጻውን ኬንጽሃና እሙንን ጻድቕን እዩ።

Translation | Context
እብራውያን 6:4-6 | 8 Helpful votes

ነቶም ሓደ ጊዜ ብርሃን ዝበርሃሎም እቲ ሰማያዊ ውህበት ከኣ ዝጠዓሙ፡ ተማቐልቲ መንፈስ ቅዱስውን ዝዀኑ፡ እቲ ሰናይ ቃል ኣምላኽን ሓይሊ እታ እትመጽእ ዓለምን ከኣ ዝጠዓሙ፡ እንተ ወደቑ፡ ንወዲ ኣምላኽ ከም ብሓድሽ ንርእሶም ስለ ዚሰቕልዎ ብግሁዶውን ዜላግጹሉ ስለ ዝዀኑ፡ ከም ብሓድሽ ንንስሓ ኺሕደሱ ኣይከአሎምን እዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 3:12 | 6 Helpful votes

ኪድ እሞ ኣብ ሸነኽ ሰሜን ነዘን ቃላት እዚኤን ኣውጅ በልውን፡ ኣቲ ኸዳዕ እስራኤል፡ ኣነ መሓሪ፡ ቊጥዓ ንዘለኣለም ዘይዐቊር፡ ገጸይ ከኣ ኣይክጭምድደልኩምን እየ እሞ፡ ተመለሲ፡ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 13:5 | 5 Helpful votes

ብእምነት እንተ አሊኹም፡ ርእስኹም ፈትኑ፡ ርእስኹም መርምሩ። ወይስ የሱስ ክርስቶስ ኣባካትኩም ከም ዘሎዶ ብርእስኹም ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ እዚ እንተ ዘኰነስ፡ መኸታ ዘይተጽንዑ ኢኹም።

Translation | Context
ምሳሌ 24:16 | 5 Helpful votes

እቲ ጻድቕ ሾብዓተ ሳዕ ይወድቕ እሞ ይትንስእ፡ ረሲኣን ግና ናብ መከራ ይጸድፉ።

Translation | Context
ኤርምያስ 3:22 | 4 Helpful votes

- ኣቱም ጠለምቲ ደቂ፡ ካብ ጥልመትኩም ከሕውየኩም እየ እሞ፡ ተመለሱ። - ንስኻ እግዚኣብሄር ኣምላኽና ኢኻ እሞ እኔና፡ ናባኻ ንመጽእ አሎና።

Translation | Context
ኤርምያስ 8:5 | 4 Helpful votes

ስለምንታይ ደኣ እዚ ህዝቢ የሩሳሌም ብናይ ሓዋሩ ጥልመት ዚጠልም፧ ኣብ ተንኰል ይጸንዑ ምምላስውን ይኣብዩ።

Translation | Context
ኤርምያስ 14:7 | 4 Helpful votes

ጥልመትና ብዙሕ እዩ፡ ንኣኻውን በዲልና ኢና እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ኣበሳና እኳ እንተ ኸሰሰና፡ ስለ ስምካ ኢልካ ደኣ ግበር።

Translation | Context
2ይ ጴጥሮስ 2:20-22 | 3 Helpful votes

ብፍልጠት ጐይታናን መድሓኒናን የሱስ ክርስቶስ ካብታ ርኽሰት ዓለም ኣምሊጦም፡ ከም ብሓድሽ ብእኣ ተጠሊፎም እንተ ተሳዕሩ፡ ካብ ቀዳማዮምሲ ዳሕራዮም ዝገደደ እዩ ዚኸውን። ማለት፡ ንሳቶም እናፈለጥዋ ኻብቲ እተዋህቦም ቅዱስ ትእዛዝ ንድሕሪት ካብ ዚምለሱስ፡ ነታ መገዲ ጽድቂ እንተ ዘይፈልጥዋ ምሔሾም ነይሩ። ከምቲ እቲ ምስላ ሓቂ፡ ከልቢ ናብ ትፍኡ ተመልሰ፡ ሓሰማውን ተሐጺባስ ኣብ ጸብሪ ኣንገርገረት፡ ዚብሎ በጺሕዎም አሎ።

Translation | Context
ኤፌሶን 2:8-9 | 3 Helpful votes

ሓደ እኳ ኸይምካሕሲ፡ ካብ ግብሪ ኣይኰነን እሞ፡ ብእምነት ብጸጋ ኢኹም ዝደሐንኩም፡ እዚ ኸኣ ውህበት ኣምላኽ እዩ እምበር፡ ካባኻትኩም ኣይኰነን።

Translation | Context
ሆሴዕ 14:1 | 3 Helpful votes

ዎ እስራኤል፣ ብኣበሳኻ ወዲቕካ ኢኻ እሞ፣ ናብ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ተመለስ።

Translation | Context
ምሳሌ 14:14 | 3 Helpful votes

እቲ ብልቡ ዚዐሉ ብመገዱ ይጸግብ፡ ደጊ ሰብ ድማ ካብ ርእሱ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 2:1-11 | 3 Helpful votes

ናብ መልኣኽ ማሕበር ኤፌሶን ጽሐፍ፡ እቲ ኣብ የማናይ ኢዱ ሾብዓተ ኸዋኽብቲ ዝሐዘ፡ ኣብ ማእከል እተን ሾብዓተ ቐወምቲ ቐንዴል ወርቂውን ዚመላለስ ከምዚ ይብል አሎ፡ ግብርኻን ጻዕርኻን ትዕግስትኻን፡ ነቶም እኩያት ሰባትውን ክትጾሮም ከም ዘይከኣልካን፡ ነቶም ሃዋርያት ኢና ዚብሉ እሞ ዘይኰኑ፡ ተዐዚብካዮምሲ ሓሰውቲ ዀይኖም ከም ዝረኸብካዮምን፡ እፈልጥ አሎኹ። ትዕግስቲ ኸኣ አሎካ፡ ስለ ስመይ ኢልካውን ተጻወርካ፡ ኣይሰልኬኻን። ግናኸ ነታ ቐዳመይቲ ፍቕርኻ ሐዲግካያ ኢኻ ኣሞ እዚ ረኺበልካ አሎኹ። እምብኣርሲ ኻበይ ከም ዝወደቕካ ዘክር እሞ ተነሳሕ፡ ነቲ ቐዳማይ ግብሪውን ግበሮ። እንተ ዘይኰነስ ክመጸካ፡ እንተ ዘይተነሳሕካውን፡ ነቲ ቐዋሚ ቐንዴልካ ኻብቲ ስፍራኡ ኸዝብሎ እየ። ግናኸ ነቲ ኣነውን ዝጸልኦ ዘሎኹ ግብሪ ኒቆላውያን ንስኻ ትጸልኦ ኢኻ እሞ እዚ ግዳ አሎካ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። ነቲ ዚስዕር ካብታ ኣብ ገነት ኣምላኽ ዘላ ኦም ህይወት ኪበልዕ ክህቦ እየ። ናብ መልኣኽ ማሕበር ስሚርናውን ጽሐፍ፡ እቲ ቐዳማይን ዳሕራይን፡ ሞይቱ ዝነበረን ህያው ዝዀነን ከምዚ ይብል አሎ፡ ጸበባኻን ድኽነትካን፦ ግናኸ ሃብታም ኢኻ፦ ጸርፊ እቶም ኣይሁድ ኢና ዚብሉን፦ ግናኸ ማሕበር ሰይጣን እዮም እምበር፡ ኣይሁድስ ዘይኰኑ፦ እፈልጥ አሎኹ። እንሆ፡ ምእንቲ ኽትፍተኑስ ድያብሎስ ንገሌኻትኩም ናብ ቤት ማእሰርቲ ኺድርብዮም እዩ፡ ዓሰርተ መዓልቲውን ጸበባ ኺረኽበኩም እዩ እሞ፡ ነቲ ዚመጸካ መከራ ኣይትፍርሀዮ። ክሳዕ ሞት እሙን ኩን፡ ኣነውን ኣኽሊል ህይወት ክህበካ እየ። እዝኒ ዘላቶ እቲ መንፈስ ንማሕበራት ዚብለን ዘሎ ይስማዕ። እቲ ዚስዕር በቲ ኻልኣይ ሞት ኣይኩጕዳእን እዩ።

Translation | Context
ሉቃስ 9:62 | 3 Helpful votes

የሱስ ግና፥ ዕርፊ ብኢዱ ሒዙ ንድሕሪት ዚርኢ፡ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይበቅዕን እዩ፡ በሎ።

Translation | Context
እብራውያን 2:1-3 | 2 Helpful votes

ስለዚ ምእንቲ ኸይንጠፍእ፡ ናብቲ ዝሰማዕናዮ ኣዚና ኸነቕልብ ይግብኣና እዩ። እቲ ብመላእኽቲ እተነግረ ቓል ካብ ዚጸንዕ፡ ኵሉ በደልን ዘይምእዛዝን ከኣ ቅኑዕ ፍዳኡ ኻብ ዚቕበል፡ ምስናይዚ ድማ፡ ኣምላኽ ከም ፍቓዱ ብትእምርትን ብተኣምራትን በበይኑ ብዝዀነ ሓይልታትን ብምዕዳል መንፈስ ቅዱስን እናመስከረ፡ ንሱ ኸኣ ብጐይታ ኺንገር ዝጀመረ፡ ካብቶም ዝሰምዕዎ ኸኣ ኣባና ዝጸንዔስ፡ ንሕና ግዳ ኽንድዚ ዚኣክል ምድሓን ዕሽሽ ካብ እንብል፡ ከመይ ጌርና ኽንመልቝ ይከአለና፧

Translation | Context
ኤርምያስ 24:7 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ምዃነይ ኪፈልጡንስ፡ ልቢ ኽህቦም እየ፡ ብምሉእ ልቦም ናባይ ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ንሳቶም ህዝበይ ኪዀኑ እዮም፡ ኣነውን ኣምላኾም ክኸውን እየ።

Translation | Context
ሆሴዕ 14:4 | 2 Helpful votes

ኵራይ ካብኡ ተመሊሱ እዩ እሞ፣ ኣነ ንጥልመቶም ከሕዊ፣ ኣነ ብልቢ ኸፍቅሮም እየ።

Translation | Context
ሉቃስ 11:24-26 | 2 Helpful votes

ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ናብ ኣጻምእ ቦታ ይኸይድ እሞ እንተ ዘይረኸበ፥ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። ምስ መጸ ድማ፡ ተዀስቲራን ተሰሊማን ትጸንሖ። ሽዑ ንሱ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ካልኦት ሾብዓተ መናፍስቲ ኸኣ ምስኡ ይማላእ፡ ኣትዮም ኣብኣ ይሰፍሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ ቀዳማዩስ ዳሕራዩ ይገዶ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:5 | 2 Helpful votes

እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:11 | 2 Helpful votes

ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።

Translation | Context
ኤርምያስ 2:19 | 2 Helpful votes

ካብ ጥንቲ ጀሚረ ኣርዑትኪ ሰበርኩ፡ መኣሰርኪ በጠስኩ፡ ኣይግዛእን ድማ በልኪ፡ ኣብ ኲሉ በሪኽ ኲድዂዶታትን ትሕቲ ዂሉ ልሙዕ ኣእዋምን ደኣ ንዝሙት ጠንቀላዕላዕ በልኪ እሞ፡ ክፍኣት ርእስኺ ኪቐጽዓኪ፡ ዘይእምንቲ ምዃንኪ ድማ ኪግስጸኪ እዩ። እምበኣረይ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽኪ ምሕዳግን ንኣይ ዘይምፍራህን ክንደይ ክፉእን መሪርን ምዃኑ ፍለጥን ርኣይን፡ ይብል እግዚኣብሄር ጐይታ ሰራዊት።

Translation | Context