Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

babies


መዝሙር 127:3-5 | 10 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ። ከምቲ ኣብ ኢድ ጅግና ዘሎ ፍላጻ፣ ውሉድ ንእስነት ከምኡ እዮም። ጕልድባኡ ብእኦም ዝመልኤ ሰብኣይ ብጹእ እዩ፣ ኣብ ደገ ምስ ጸላእቲ እንተ ተዛረቡ፣ ኣይሐፍሩን እዮም።

Translation | Context
መዝሙር 139:13-16 | 9 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 13:16 | 8 Helpful votes

ሕጻውንቶም ኣብ ቅድሚ ኣዒንቶም ኪጭፍለቑ እዮም፡ ኣባይቶም ኪብዝበዝ እዩ፡ ኣንስቶም ድማ ኪንውራ እየን።

Translation | Context
ኤርምያስ 1:5 | 8 Helpful votes

ኣብ ከርሲ ኣዴኻ ኸይሀነጽኩኻ ፈለጥኩኻ፡ ካብ ማሕጸን ከይወጻእካ ኸኣ ቀደስኩኻ፡ ነህዛብ ነብዪ ኽትከውን ድማ መደብኩኻ፡ በለ።

Translation | Context
ሆሴዕ 13:16 | 7 Helpful votes

ሰማርያ ኻብ ኣምላኽ ኽዲዓ እያ እሞ፣ ብበደላ ትቕጻዕ፣ ብሰይፊ ይወድቁ፣ ሕጻናቶም ይጭፍለቑ፣ ጥኑሳት ኣንስቶም ከኣ ይቕደዳ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 6:29 | 6 Helpful votes

ሽዑ ነቲ ወደይ ኣብሲልና ባላዕናዮ፡ ንጽብሒቱ ኸኣ፡ ወድኺ ሀቢ፡ ክንበልዖ፡ በልክዋ። ንሳ ግና ነቲ ወዳ ሐብኣቶ፡ በለት።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:7 | 3 Helpful votes

ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 15:3 | 3 Helpful votes

ሕጂ ኺድ እሞ ንኣማሌቅ ተዋግኣዮ፡ ዘለዎ ዘበለ ዅሉ ድማ ፈጺምካ ኣጥፍኣዮ፡ ኣይትንሓፎ፡ ግናኸ ካብ ሰብኣይ ክሳዕ ሰበይቲ፡ ካብ ቈልዓ ኽሳዕ ሕጻን፡ ካብ ብዕራይ ክሳዕ በጊዕ፡ ካብ ገመል ክሳዕ ኣድጊ ቕተል።

Translation | Context
ዘዳግም 28:53 | 3 Helpful votes

በቲ ጸላኢኻ ከቢቡ ዜጽብበልካ ጸባብ፡ ስጋ እቶም እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ዝሀበካ ኣወዳትካን ኣዋልድካን፡ ፍረ ኸርስኻ ኽትበልዕ ኢኻ።

Translation | Context
ዘዳግም 2:34 | 3 Helpful votes

በታ ጊዜ እቲኣ ድማ ኲለን ከተማታቱ ወሰድና፡ ኲለን ከተማታት ምስናይ ሰብኡትን ኣንስትን ቈልዑን ሓደ እኳ ኸየትረፍን ፈጺምና ኣጥፋእናዮም።

Translation | Context
ገላትያ 1:15 | 3 Helpful votes

እቲ ኻብ ከርሲ ኣደይ ጀሚሩ ዝፈለየኒ ብጻጋኡውን ዝጸውዓኒ ኣምላኽ ግና

Translation | Context