Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

baal


ኤርምያስ 7:9 | 6 Helpful votes

ኣየ፡ ንስኻትኩም ትሰርቁ፡ ትቐትሉ፡ ትዝምው፡ ብሓሶት ትምሕሉ፡ ንበዓል ትዐጥኑ፡ ንዘይትፈልጥዎም ካልኦት ኣማልኽቲውን ትስዕቡ፡

Translation | Context
ኤርምያስ 23:13 | 6 Helpful votes

ኣብ ነብያት ሰማርያ ድማ ዕሽነት ርኤኩ፡ ብስም በዓል ተነበዩ፡ ንህዝበይ እስራኤል ኣስሐቱ።

Translation | Context
ኤርምያስ 2:8 | 5 Helpful votes

ካህናት፡ እግዚኣብሄር ኣበይ አሎ፧ ኣይበሉን፡ ሕጊ ዝሐዙ ድማ ኣይፈለጡንን፡ ጓሶት ጠለሙኒ፡ ነብያት ብስም በዓል ተነበዩ፡ ደድሕሪ እቶም ዘይጠቕሙ ኸኣ ሰዐቡ።

Translation | Context
1ይ ሳሙኤል 7:4 | 5 Helpful votes

ደቂ እስራኤል ከኣ ንበዓሊምን ንኣስታሮትን ኣርሒቖም ንእግዚኣብሄር ጥራይ ኣምለኹ።

Translation | Context
ሆሴዕ 2:16-17 | 4 Helpful votes

በታ መዓልቲ እቲኣ ኪኸውን እዩ፣ ይብል እግዚኣብሄር፣ ሰብኣየይ ኢልኪ ኽትጽውዕኒ ኢኺ፣ ድሕርዚ ኸኣ በዓለይ ኢልኪ ኣይክትጽውዕንን ኢኺ። ኣነ ድማ ስም በዓላት ካብ ኣፋ ኸውጽእ እየ፣ ድሕርዚ ኸኣ ስሞም ኣይኪዝክርን እዩ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 21:3 | 3 Helpful votes

ንሱ ድማ ነቲ ኣቦኡ ህዝቅያስ ዘፍረሶ በረኸት መሊሱ ሰርሖ፡ ንበዓል ከኣ መሰውኢታት ኣቘመ፡ ከምቲ ኣከአብ ንጉስ እስራኤል ዝገበሮ ድማ ኣስታርተ ገበረ፡ ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይ ከኣ ሰገደሎምን ኣገልገሎምን።

Translation | Context
2ይ ነገስት 23:5 | 3 Helpful votes

ነቶም ነገስታት ይሁዳ ኣብ ከተማታት ይሁዳን ኣብ ዙርያ የሩሳሌምን ኣብ ዘሎ በረኽቲ ኺዐጥኑ ዘሕደርዎም ካህናት ጣኦታትን ነቶም ንበዓልን ንጸሓይን ንወርሕን ንኸዋኽብትን ንብዘለዉ ሰራዊት ሰማይን ዚዐጥኑ ዝነበሩን ድማ ሰዐሮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:5 | 3 Helpful votes

እቲ ጕንዲ ወይኒ ኣነ እየ፡ ጨናፍር ከኣ ንስኻትኩም ኢኹም፡ ብጀካይ ሓንቲ እኳ ኽትገብሩ ኣይትኽእሉን ኢኹም እሞ፡ እቲ ኣባይ ዚጸንዕ ኣነውን ኣብኡ፡ ንሱ እዩ ብዙሕ ፍረ ዚፈሪ።

Translation | Context
2ይ ነገስት 17:16 | 3 Helpful votes

ንዂሉ ትእዛዛት እግዚኣብሄር ኣምላኾም ሐዲጎም ከኣ ዝፈሰሰ ምስልታት፡ ክልተ ምራኹት ገበሩ፡ ኣስታርተውን ገበሩ፡ ንዂሎም ሰራዊት ሰማይ ድማ ሰገዱሎም፡ ንበዓልውን ኣገልገልዎ።

Translation | Context
መሳፍንቲ 2:10-23 | 2 Helpful votes

እቲ ወለዶ እቲ ዅሉ ድማ ናብ ኣቦታቶም ተኣከቡ ድሕሪኦም ከኣ ንእግዚኣብሄርን ነቲ ንሱ ንእስራኤል ዝበበሮ ግብሪ ዘይፈልጥ ካልእ ወለዶ ተንስኤ። ደቂ እስራኤል ድማ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ክፉእ ገበሩ፡ ንበዓልውን ኣገልገሉ። ነቲ ኻብ ምድሪ ግብጺ ዘውጾም ኣምላኽ ኣቦታቶም ሐዲጎም፡ ካብ ኣማልኽቲ እቶም ኣብ ዙርያኦም ዝነበሩ ህዝብታት ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ኸዱ፡ ንኣታቶምውን ሰገዱሎም እሞ ንእግዚኣብሄር ኣቘጥዕዎ። ንእግዚኣብሄር ሐዲጎምስ ንበዓልን ንኣስታርቴታትን ኣገልገሉ፡ ሽዑ ዅራ እግዚኣብሄር ኣብ እስራኤል ነደደ፡ ኣብ ኢድ ዚማርኽዎም ማረኽቲ ድማ ኣሕሊፉ ሀቦም፡ ኣብ ኢድ እቶም ኣብ ዙርያ ዘለዉ ጸላእቶም ሸጦም እሞ፡ ደጊም ኣብ ቅድሚ ጸላእቶም ኪቘሙ ኣይከኣሉን። ከምቲ እግዚኣብሄር እተዛረቦምን ከምቲ እግዚኣብሄር ዝመሐለሎምን፡ ናብ ኵሉ ዝኸድዎ፡ ኢድ እግዚኣብሄር ንሕሰም ኣብኦም ነበረት እሞ፡ ብዙሕ ጸበቦም። ሽዑ እግዚኣብሄር ካብ ኢድ እቶም ማረኽቶም ዜድሕንዎም መሳፍንቲ ኣተንስኣሎም። ንሳቶም ግና ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ መንዘሩን ሰገዱሎምን እምበር፡ ነቶም መሳፍንቶምሲ ኣይሰምዕዎምን። ካብታ ኣቦታቶም ንትእዛዛት እግዚኣብሄር ብምእዛዝ ዝኸዱላ መገዲ ቐልጢፎም ኣግለሱ፡ ከማታቶምሲ ኣይገበሩን። ብዛዕባ እቶም ወቓዕቶምን ሳቐይቶምን ዘቘዘምዎምን እግዚኣብሄር ተጣዕሰ እሞ፡ እግዚኣብሄር መሳፍንቲ ምስ ኣተንስኣሎም፡ ብዅሉ ዘበን እቲ መስፍን፡ እግዚኣብሄር ምስቲ መስፍን ከይኑ ካብ ኢድ ጸላእቶም የድሕኖም ነበረ። እቲ መስፍን ምስ ሞተ ግና፡ ተመሊሶም ደድሕሪ ኻልኦት ኣማልኽቲ ብምሶዓቦምን ንኣታቶም ብምግልጋሎምን ብምስጋዶምን ካብ ኣቦታቶም ዝገደደ ተበላሸዉ። ካብ ግብሮምን ካብ ድርቅና መገዶምን ኣይተረፉን። ኵራ እግዚኣብሄር ከኣ ኣብ እስራኤል ነደደ፡ በለ ድማ፡ እዞም ህዝቢ እዚኦም እቲ ነቦታቶም ዝኣዘዝክዎም ኪዳነይ ስለ ዘፍረሱ፡ ደሃየይ ከኣ ስለ ዘይሰምዑ፡ ኣነ ድማ ንእስራኤል፡ ከምቲ ኣቦታቶም ዝሐለውዎ፡ መገዲ እግዚኣብሄር ንምኻድ ዚሕልዉ እንተ ዀይኖም ወይ ዘይሕልዉ፡ ብኣታቶም ምእንቲ ኽፍትኖም፡ ካብቶም እያሱ ኺመውት ከሎ ዝሐደጎም ህዝብታት ደጊምሲ ሓደ እኳ ኣይክሰጕግን እየ። እምበኣርሲ እግዚኣብሄር ነዞም ህዝብታት እዚኦም ቀልጢፉ ኸይሰጐጎም ሐደጎም፡ ኣብ ኢድ እያሱ ኸኣ ኣሕሊፉ ኣይሀቦምን።

Translation | Context
2ይ ነገስት 10:18-25 | 2 Helpful votes

የሁ ድማ ንብዘለዉ ህዝቢ ኣኪቡ፡ ኣከኣብሲ ንበዓል ቅሩብ እዩ ዘገልግሎ፡ የሁ ግና ኣብዚሑ ኼገልግሎ እዩ። ሕጂ ኸኣ፡ ንበዓል ብዙሕ ዝስውኦ አሎኒ እሞ፡ ንዂሎም ነብያት በዓል፡ ኲሎም ኣገልገልቱን ኲሎም ካህናቱን ጸውዑለይ፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይጒደል፡ ዝጐደለ ዘበለ ብህይወት ኣይነብርን እዩ፡ በሎም። የሁ ግና ነቶም ኣገልገልቲ በዓል ምእንቲ ኼጽንቶም ኢሉ እዚ ብተንኰል ገበሮ። የሁ ኸኣ፡ ንበዓል ዓብዪ በዓል ቀድሱ፡ በለ። ንሳቶም ድማ ኣወጁ። የሁ ድማ ናብ ብዘሎ እስራኤል ለአኸ፡ ኣገልገልቲ በዓል ከኣ ኲሎም መጹ፡ ከይመጸ ዝተረፈ ሰብ የልቦን። ናብ ቤት በኦኣል ድማ ኣተዉ፡ ቤት በኦኣል ከኣ ኣፍ ንኣፍ መልኤት። ነቲ ሓላዉ ክዳውንቲ ድማ፡ ንዂሎም ኣገልገልቲ በዓል ክዳውንቲ ኣምጽኣሎም። በሎ። ንሱ ኸኣ ክዳውንቲ ኣምጸአሎም። ሽዑ የሁ ምስ ዮናዳብ ወዲ ሬካብ ናብ ቤት በዓል አተወ እሞ ነቶም ኣገልገልቲ በዓል ብጀካ እቶም ኣገልገልቲ በዓል ጥራይሲ፡ ካብቶም ኣገልገልቲ እግዚኣብሄር ምሳኻትኩም ከይህሉ ኣስተብሂልኩም ርአዩ፡ በሎም። መስዋእቲ ሕሩድን ዚሐርር መስዋእትን ኪስውኡ ኸኣ ኣተዉ። የሁ ግና ሰማንያ ሰብ ብወጻኢ ኣቐመጡ፡ ካብዞም ኣነ ኣብ ኢድኩም ኣሕሊፈ ሂበኩም ዘሎኹ ሰባት ሓደ ሰብ እንተ ኣምለጠ፡ ኣብ ክንዲ እታ ነፍሲ እቲአ ነፍሱ ኽትሐልፍ እያ፡ በለ። ኰነ ድማ፡ ነቲ ዚሐርር መስዋእቲ ሰዊኡ ምስ ፈጸመ፡ የሁ ነቶም ዘብዔኛታትን ሓላቑን፡ እተዉ፡ ቅተልዎም፡ ሓደ ሰብ እኳ ኣይውጻእ፡ በሎም። ብስሕለት ሴፍ ከኣ ቀተልዎም፡ እቶም ዘብዔኛታትን ሓላቑን ድማ ደርብዮምዎም ናብ ከተማ ቤት በዓል ከዱ።

Translation | Context