Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

16 bible verses about

atheism


ይሁዳ 1:22 | 10 Helpful votes

ንገሊኦም፡ ነቶም ዚጣራጠሩ፡ ኣረድእዋም።

Translation | Context
ያእቆብ 2:24 | 6 Helpful votes

ሰብ ብግብሪ ኸም ዚጸድቕ፡ ብእምነት ጥራይ ከም ዘይኰነ፡ ትርእዩ አሎኹም።

Translation | Context
መዝሙር 14:1 | 6 Helpful votes

ዓሻስ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ብልሽዋት እዮም፣ ፍንፉን ግብሪ ገበሩ፣ ሓደ እኳ ሰናይ ዚገብር የልቦን።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:18 | 5 Helpful votes

ንሳቶም፡ ብሰሪ ትሪ ልቦምን ብሰሪ እቲ ኣባታቶም ዘሎ ድንቍርናን ኣእምሮኦም ጸልሚቱ፡ ካብ ህይወት ኣምላኽ ርሒቖም፡

Translation | Context
ሮሜ 1:19 | 4 Helpful votes

ኣምላኽ ገሊጹሎም እዩ እሞ፡ እቲ ብዛዕባ ኣምላኽ ዚፍለጥ ዘበለ ኣባታቶም ግሉጽ እዩ፡

Translation | Context
ሮሜ 1:20 | 4 Helpful votes

ዜማኻንይዎ ምእንቲ ኺስእኑስ፡ እቲ ኻብ ፍጥረት ዓለም ጀሚሩ ብግብሩ ዚፍለጥ ዘይርኤ ባህርዩ፡ እዚ ኸኣ እቲ ናይ ዘለኣለም ሓይሉን መለኮቱን ኣጸቢቑ ይርኤ።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 4:1-5 | 4 Helpful votes

በቲ ዳሕራይ ዘመናት ግና ገሊኦም እምነቶም ክሒዶም፡ ንመናፍስቲ ስሕተት ንምህሮ ኣጋንንትን ከም ዚስዕቡ፡ እቲ መንፈስ ብግሁድ ይብል አሎ። ብግብዝና እቶም ሕሊናኦም ከም ብመዓለም እተዓለመ፡ ሓሶት ዚዛረቡ ሰባት፡ መውስቦ እናኸልከሉስ፡ እቶም ኣመንትን ሓቂ ዝፈለጡን፡ ብምስጋና ኪቕበልዎ ኢሉ ኣምላኽ ዝፈጠሮ ብልዒውን ሰብ ኪሐርሞ ይእዝዙ አለዉ። እቲ ፍጥረት ኣምላኽ ብዘሎ ጽቡቕ እዩ እሞ፡ ብምስጋና እንተ ተቐበልካዮ፡ በቲ ቓል ኣምላኽን ጸሎትን ዚቕደስ ስለ ዝዀነ፡ ገለ እኳ ዚድርበ የብሉን።

Translation | Context
እዮብ 12:7-25 | 3 Helpful votes

ግናኸ ንእንስሳ ጠይቀን እሞ፡ ኪምህራኻ፡ ነዕዋፍ ሰማይውን፡ ኪገልጻልካ እየን። ወይስ ንምድሪ ተዛረባ፡ ክትምህረካ እያ፡ ዓሳታት ባሕሪውን ኪነግሩኻ እዮም። በዚኣቶም ኲሎምሲ ኢድ እግዚኣብሄር ከም ዝገበረቶ ዘይፈልጥከ መን እዩ፧ ህያው ነፍሲ ዘበለን፡ መንፈስ ኲሉ ሰብን ኣብ ኢዱ ደይኰነን፡ ከምቲ ትንሓግ ንምግቢ ዜስተማቕሮ፡ ከምኡዶ እዝኒ ንቓላት ኣይለልዮን እዩ፧ ጥበብ ኣብ ሽማግሌታት፡ ምስትውዓልውን ኣብ ምንዋሕ ዕድመ እዩ። ጥበብን ስልጣንን ኣብኡ አሎ፡ ምኽርን ምስትውዓልን ድማ ናቱ እየን። እንሆ፡ ንሱ የፍርስ፡ ከም ብሓድሽ ዚነድቕ ከኣ የልቦን፡ ንሱ ንሰብ ይዐጽዎ፡ ዚኸፍቶ ድማ የልቦን፡ እንሆ፡ ንሱ ንማይ ይኽልክሎ እሞ ይነጽፍ፡ ከፊቱ ይድርጒሖ እሞ ምድሪ ይድምሰስ። ሓይልን ኣእምሮን ናቱ እየን፡ እቲ ዚስሕትን ዜስሕትን ናቱ እዮም። ንሱ ንመኸርቲ ቐንጢጡ ይሰዶም፡ ንፈረድቲውን ዓያሱ ይገብሮም። ንሱ ንስልጣን ነገስታት ይፈትሖ፡ ኣብ ሓቛቚኦም ድማ ገመድ የዕጥቖም። ንሱ ንኻህናት ቀንጢጡ ይሰዶም፡ ንጽኑዓት ከኣ ይግልብጦም። ንዘረባ እቶም እሙናት የፍርሶ፡ ንኣረገውቲ ኣእምሮኦም የሕድጎም። ንመሳፍንቲ ንዕቀት የፍስሰሎም፡ ንሓያላትውን ዕጣቖም የላሕልሓሎም። ነቲ መዓሙቚ ካብ ጸልማት ይቐልዖ፡ ንድነ ሞትውን ናብ ብርሃን የውጽኦ። ንህዝብታት የብዝሖም የብርሶም ከኣ፡ ንህዝብታት የስፍሖም የባርሮምውን። ነሕሉቕ ኣህዛብ ምድርስ ኣእምሮ የሕድጎም፡ መገዲ ብዜብሉ በረኻ የዀብልሎም። ንሳቶም ብርሃን ስኢኖም፡ ኣብ ጸልማት ሃሰስ ይብሉ፡ ንሱውን ከም ሰካራት ሰንከልከል የብሎም።

Translation | Context
መዝሙር 53:1 | 3 Helpful votes

ዓሻ ብልቡ፣ ኣምላኽ የልቦን፣ ይብል። ተበላሸዉ፣ ግብሪ ርኽሰት ገበሩ፣ ሰናይ ዚገብር ሓደ እኳ የልቦን።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 2:14 | 2 Helpful votes

እቲ ስጋዊ ሰብ ነቲ ኣብ መንፈስ ኣምላኽ ዘሎ ኣይቅበሎን፡ ብመንፈስ ዚምርመር ስለ ዝዀነ፡ ንእኡ ዕሽነት እዩ እሞ፡ ኬስተውዕሎ ኣይከኣሎን እዩ።

Translation | Context
ዮሃንስ 6:44 | 2 Helpful votes

እቲ ዝለአኸኒ ኣቦይ ዝሰሐቦ እንተ ዘይኰይኑ፡ ናባይ ኪመጽእ ዚኽእል የልቦን። ኣነ ድማ በታ ዳሕረይቲ መዓልቲ ኸተንስኦ እየ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 2:22-26 | 2 Helpful votes

ካብ ትምኒት ጕብዝና ህደም፡ ምስቶም ብንጹህ ልቢ ንእግዚኣብሄር ዚጽውዕዎ ኸኣ ኣሰኣሰር ጽድቅን እምነትን ፍቕርን ሰላምን ስዓብ። ነቲ ኽርክር ዕሽነትን ላግጽን ግና፡ ባእሲ ኸም ዜምጽእ ፈሊጥካ፡ እበዮ። ባርያ እግዚኣብሄር ንዅሉ ለዋህ፡ መሃሪ፡ ዕጉስ ኪኸውን እምበር፡ ኪብአስ ኣይግብኦን እዩ። ምናልባሽ እግዚኣብሄር ንሓቂ ምእንቲ ኺፈልጥዋ ኢሉ፡ ንስሓ እንተ ሃቦም፡ ንሱ ነቶም ተጻረርቲ ብህድኣት እናገንሖም፡ ፍቓድ ኣምላኽ ኪገብሩ ኢሉ ምስ ኣውጽኦም፡ ንሳቶም ካብ መፈንጠራ ድያብሎስ ኣምሊጦም ናብ ልቦም ይምለሱ እዮም።

Translation | Context
ዮሃንስ 10:37 | 2 Helpful votes

ግብሪ ኣቦይ እንተ ዘይገበርኩ፡ ኣይትእመኑኒ።

Translation | Context
ቈሎሴ 2:8 | 2 Helpful votes

ከም ናይ ክርስቶስ ዘይኰነስ፡ ብልማድ ሰብ፡ ከም ምህሮ ቝልዕነት እዛ ዓለም እዚኣ፡ ብጥበብ ዓለምን ብኸንቱ ምጥባርን ሓደ እኳ ኸይማርኸኩምሲ፡ ተጠንቀቑ።

Translation | Context
ዮሃንስ 3:16 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ፡ በቲ ሓደ ወዱ ዝአመነ ዅሉ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኺረክብ እምበር፡ ከይጠፍእሲ፡ ንወዱ በጃ ኽሳዕ ዚህብ፡ ክሳዕ ክንድዚ ንዓለም ኣፍቀራ።

Translation | Context
2ይ ጢሞቴዎስ 4:3 | 2 Helpful votes

ኣእዛኖም ኣስሕይዎም ደኣ፡ ብትምኒት ርእሶም መምህራን ኪእክቡ እምበር፡ ነቲ ጥዑይ ትምህርቲ ዘይዕገሱሉ ዘመን ኪመጽእ እዩ፡ ሽዑ ኣእዛኖም ካብ ሓቂ ኺመልሱ፡ ናብ ጽውጽዋያትውን ኪምለሱ እዮም እሞ፡ ብዅሉ ዓቕልን ብምህሮን እቲ ቓል ክትሰብኽ፡ ብጊዜኡን ብዘይጊዜኡን ከተስምዕ፡ ክትገንሕ፡ ክትቀጽዕ፡ ክትምዕድ፡ ኣብ ቅድሚ ኣምላኽን ኣብ ቅድሚ እቲ ንህያዋንን ምዉታንን ኪፈርድ ዘለዎ ክርስቶስ የሱስን በቲ ምግላጽ መንግስቱን ኤማሕጽነካ አሎኹ።

Translation | Context