Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

ask and you shall receive


ማርቆስ 11:24 | 18 Helpful votes

ስለ፥ እትጽልይዎን እትልምንዎን ዘበለ ኸም ዝረኸብኩም እመኑ እሞ ኪዀነልኩም እዩ፡ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:7 | 13 Helpful votes

ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ።

Translation | Context
ማቴዎስ 7:7-11 | 10 Helpful votes

ዝለመነ ዅሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ። ካባኻትኩም፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ እምበኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጹቡቅ ዘይህቦም።

Translation | Context
ያእቆብ 4:3 | 8 Helpful votes

ትልምኑ ኢኹም እሞ፡ ብፍትወት ስጋኹም ምእንቲ ኽትዘርውዎ፡ ብኽፉእ ስለ ዝለመንኩም፡ ኣይትቕበሉን ኢኹም።

Translation | Context
ዮሃንስ 14:13-14 | 6 Helpful votes

ኣቦ ኣብ ወዲ ምእንቲ ኪኸብርሲ፡ ብስመይ ዝለመንኩምዎ ዘበለ ዅሉ ኽገብረልኩም እየ። ብስመይ ገለ እንተ ለመንኩም፡ ክገብረልኩም እየ።

Translation | Context
ፊልጲ 4:6-8 | 5 Helpful votes

ድሌትኩም ዘበለስ ብጸሎትን ልማኖን ምስናይ ምስጋና ኣብ ኣምላኽ ይፈለጥ ኣምበር፡ ብገለ እኳ ኣይትጨነቑ። እቲ ኻብ ኵሉ ኣእምሮ ዚበልጽ ሰላም ኣምላኽ ድማ ንልብኹምን ሓሳብኩምን ብክርስቶስ የሱስ ኪሕልዎ እዩ። ብዝተረፈስ፡ ኣሕዋተየ፡ ሓቂ ዘበለ፡ ርዝነት ዘለዎ ዘበለ፡ ቅኑዕ ዘበለ፡ ንጹህ ዘበለ፡ ተፈታዊ ዘበለ፡ ጽቡቕ ወረ ዘለዎ ዘበለ፡ ገለ ደግነት እንተ ዀይኑ፡ ገለ ንእዶውን እንተ ዀይኑ፡ ብእኡ ሕሰቡ።

Translation | Context
ዮሃንስ 15:7 | 4 Helpful votes

ኣባይ እንተ ጸናዕኩም፡ ቃለይውን ኣባኻትኩም እንተ ሐደረ፡ እትደልይዎ ዘበለ ትልምኑ እሞ ይዀነልኩም።

Translation | Context
ማቴዎስ 21:22 | 4 Helpful votes

የሱስ መሊሱ በሎም፡ እምነት እንተ ኣልያትኩም እሞ እንተ ዘይተዋላወልኩም፡ እዛኦም በለስ ከም ዝዀነቶ ጥራይ ኣይትገብሩን፡ ነዚ ኸረን እኳ፡ ተንስእ፡ ናብ ባሕሪ ውደቕ፡ ትብልዎ እሞ ከም ኪኸውን፡ ኣሚንኩም ብጸሎት እትልምንዎ ዅሉ ኸምእትረኽቡ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context
ሉቃስ 18:1-8 | 3 Helpful votes

ከይቀበጹ ዅሉ ሳዕ ኪጽልዩ ኸም ዚግብኦም ድማ፡ ብምስላ ተዛረቦም፡ ከምዚ ኡሉ፡ ኣብ ሓንቲ ኸተማ፡ ንኣምላኽ ዘይፈርህ ንሰብ ድማ ዘይሐፍር ፈራዲ ነበረ። ኣብታ ኸተማ እቲኣ ድማ መበለት ነበረት፡ ናብኡ እናመጸት ከኣ፡ ምስ እዚ መባእስተይ ፍትሒ ኣውጽኣለይ፡ ትብሎ ነበረት። እናኣበያ ኸኣ ሓያሎ መዓልቲ ኣደንጐያ። ድሕርቲ ግና ብልቡ፥ ኣምላኽ እንተ ዘይፈራህኩ ሰብውን እንተ ዘይሐፈርኩ፡ እዛ መበለት እዚኣ ላሕ ኣቢላትኒ እያ እሞ፡ መመሊሳ እናመጸት ከይተሰልክየንስ፡ ፍትሒ ደኣ ኸውጽኣላ፡ በለ። ጐይታ በለ፥ እዚ ዓመጸኛ ፈራዲ ዚብሎ ዘሎ ስምዑ። ኣምላኽዶ ግዳ ነቶም ለይትን መዓልትን ናብኡ ዚጠርዑ ሕሩያቱ ፍትሒ ኣየውጽአሎምን እዩ፧ ይጽመሞዶኸ፧ ቀልጢፉ ፍትሒ ኸም ዜውጽአሎም፡ እብለኩም አሎኹ። ወዲ ሰብ ምስ ዚመጽእ ግና፡ እንድዒ እምነት ደዀን ኣብ ምድሪ ኺረክብ እዩ፧

Translation | Context
ሉቃስ 11:13 | 3 Helpful votes

እምብኣርሲ ንስኻትኩም እኳ ኽፉኣት ክነስኹም፡ ንደቕኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦ ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ መንፈስ ቅዱስ ዘይህቦም፧

Translation | Context
1ይ ነገስት 3:5 | 2 Helpful votes

ኣብ ጊብዖን እግዚኣብሄር ንሰሎሞን ለይቲ ብሕልሚ ተራእዮ። ኣምላኽ ከኣ፡ እንታይ ከም ዝህበካ ለምን፡ በለ።

Translation | Context
ዮሃንስ 16:24 | 2 Helpful votes

ክሳዕ ሕጂ ሓንቲ እኳ ብስመይ ኣይለመንኩምዎን። ሓጐስኩም ምሉእ ምእንቲ ኪኸውን፡ ለምኑ ኽትረኽቡ ድማ ኢኹም።

Translation | Context
2ይ ቈረንቶስ 5:7 | 2 Helpful votes

ስለዚ ዅሉ ሳዕ እሙንቶ አላትና፡ ብእምነት እምበር፡ ብምርኣይ ኣይኰንናን እንመላለስ ዘሎና እሞ፡ ኣብ ስጋ ሰፊርና ኸሎና፡ ካብ ጐይታ ርሑቓት ከም ዝዀንና፡ ንፈልጥ ኢና።

Translation | Context
መዝሙር 37:4 | 2 Helpful votes

ብእግዚኣብሄርውን ተሐጐስ፣ ልብኻ ዚደልዮ ንሱ ኺህበካ እዩ።

Translation | Context