Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

8 bible verses about

army


ኤፌሶን 6:12 | 7 Helpful votes

እቲ ቕልስና ምስ ሕልቅነትን ስልጣናትን ምስ ናይ ጸልማት ገዛእቲ ዓለምን ምስ መናፍስቲ እከይን ኣብ ሰማያት እዩ እምበር፡ ምስ ስጋን ደምን ኣይኰነን እሞ፡ ንፍሕሶ ሰይጣን ምቅዋሙ ምእንቲ ኽትክእሉስ፡ ኵሉ ኣጽዋር ኣምላኽ ልበሱ።

Translation | Context
መዝሙር 144:1 | 5 Helpful votes

እግዚኣብሄር እምባይ፣ ነእዳወይ ውግእ፣ ነጻብዔይ ድማ ሰልፊ ዝመሀረ፣ ይባረኽ።

Translation | Context
ሮሜ 13:4 | 3 Helpful votes

እቶም ገዛእቲ ንእኩይ ግብሪ እምበር፡ ንሰናይ ግብሪ ዜፍርሁ ኣይኰኑን። ነቲ ብዓል ስልጣን ከይትፈርሆዶ ትደሊ ኢኻ፧ ንሱ ንሰናይካ ኢሉ ኣገልጋሊ ኣምላኽ እዩ እሞ፡ ሰናይ ግበር ንሱውን ኪንእደካ እዩ። እኩይ እንተ ገበርካ ግና፡ ኣገልጋሊ ኣምላኽ፡ ነቲ ገባር እኩይሲ መቕጻዕቲ ዜምጽኣሉ ፈዳይ ሕነ ስለ ዝዀነ፡ ሰይፊ ንኸንቱ ኣይዕጠቕን እዩ እሞ፡ ፍራህ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:52-54 | 3 Helpful votes

ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧ ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧

Translation | Context
ምሳሌ 25:26 | 3 Helpful votes

ኣብ ቅድሚ ረሲእ ሰንከልከል ዚብል ጻድቕ፡ ከምቲ ኣተዘርገ ዓይኒ ማይን ከም ዝሰበበ ዔላን እዩ።

Translation | Context
መሳፍንቲ 5:8 | 3 Helpful votes

ሓደስቲ ኣማልኽቲ ሐረዩ፡ ሽዑ ውግእ ኣብ ኣፍ ደጌታት ነበረ። ኣብቶም ኣርብዓ ሽሕ እስራኤልከ ዋልታ ዀነ፡ ኵናት ኰነዶ ተርኤ፧

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 17:1-19 | 3 Helpful votes

ኣብ ክንዳኡ ኸኣ ወዱ ዮሳፋጥ ነገሰ። ንእስራኤልውን በርትዖም። ኣብ ኲለን እተዐርዳ ኸተማታት ይሁዳ ድማ ወትሃደራት፡ ኣብ ሃገር ይሁዳን ኣብተን ኣቦኡ ኣሳ ዝሐዘን ከተማታት ኤፍሬምን ሓለውቲ ኣቐመጠ። ዮሳፋጥ ድማ በተን ቀዳሞት መገድታት ኣቦኡ ዳዊት ይኸይድ ነበረ፡ ነቶም በዓላት ከኣ ኣይደለዮምን እሞ፡ እግዚኣብሄር ምስኡ ነበረ። ነቲ ኣምላኽ ኣቦኡ ደኣ ደለዮ፡ ብትእዛዛቱ ኸኣ ከደ እምበር፡ ከም ግብርታት እስራኤል ኣይከደን። ስለዚ እግዚኣብሄር ነታ መንግስቲ ኣብ ኢዱ ኣጽንዓ፡ ብዘለዉ ይሁዳ ድማ ንዮሳፋጥ ገጽ በረኸት ሀብዎ፡ ሃብትን ክብረትን ከኣ በዝሓሉ፡ ልቡ ብመገድታት እግዚኣብሄር ምስ ተብዔ፡ ነቲ በረኽትን ኣስታርቴታትን ከኣ ካብ ይሁዳ ኣርሐቖ። ኣብታ ሳልሰይቲ ዓመት ግዝኣቱ ኸኣ ንመኳንንቱ፡ ቤት-ሓዪልን ዖባድያን ዘካርያስን ንታንኤልን ሚካያን ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኺምህሩ ሰደዶም። ምሳታቶም ድማ ነቶም ሌዋውያን፡ ሸማዕያን ነታንያን ዘባድያን ዓሳሄልን ሸሚራሞትን ዮናታንን ኣዶንያን ጦብያን ጦብ-ኣዶንያን፡ እቶም ሌዋውያን፡ ምሳታቶም ከኣ እቶም ካህናት፡ ኤሊሻማዕን ዮራምን፡ ሰደደ። መጽሓፍ ሕጊ እግዚኣብሄር ሒዞም ድማ ኣብ ይሁዳ መሀሩ፡ ኣብ ኲለን ከተማታት ይሁዳ ዞይሮም ከኣ ነቲ ህዝቢ ይምህሩ ነበሩ። ኣብ ልዕሊ ዂለን መንግስትታት ኣብተን ኣብ ዙርያ ይሁዳ ዝነበራ ሃገራት ድማ ፍርሃት እግዚኣብሄር ኰነ እሞ፡ ምስ ዮሳፍጥ ኣይተዋግኡን። ካብቶም ፍልስጥኤማውያን ከኣ ገሊኦም ንዮሳፋጥ ገጽ በረኸት ኣምጽኡሉ፡ ብሩርውን ገበሩሉ፡ ዓረባውያን ድማ ጤለ በጊዕ፡ ሾብዓተ ሽሕን ሚእትን ድዑል፡ ሾብዓተ ሽሕን ሾብዓተ ሚእትን ከኣ ምኩት ኣምጽኡሉ። ዮሳፋጥ ከኣ ኣዝዩ ልዕል ክሳዕ ዚብል እናዐበየ ኸደ፡ ኣብ ይሁዳ ድማ ዕርድታትን ከተማታት መዛግብትን ሰርሔ። ኣብ ከተማታት ይሁዳ ኸኣ ብዙሕ ዕዮታት ነበሮ፡ ኣብ የሩሳሌም ድማ ተዋጋእቲ ሰባት፡ ሓያላት ጀጋኑ ነበርዎ። ቊጽሮም በብማይ ቤት ኣቦታቶም ከኣ እዚ እዩ፡ ናይ ይሁዳ ሓላቑ ኣሽሓት፡ ዓድና እቲ ሓለቓ፡ ምስኡ ድማ ሰለስተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ፡ ድሕሪኡ ኸኣ ዮሓናን እቲ ሓለቓ፡ ምስኡውን ክልተ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ፡ ድሕሪኡ ድማ እቲ ርእሱ ብፍታዉ ንእግዚኣብሄር ዝወፈየ ኣማስያ ወዲ ዚክሪ፡ ምስኡ ኸኣ ክልተ ሚእቲ ሽሕ ሓያላት ጀጋኑ፡ ካብ ብንያም ድማ እቲ ሓያል ጅግና ኤልያዳዕ፡ ምስኡውን ቀስትን ዋልታን ዝሐዙ ኽልተ ሚእቲ ሽሕ፡ ድሕሪኡ ድማ ዮዛባድ፡ ምስኡ ኸኣ ሚእትን ሰማንያን ሽሕ ንውግእ እተዳለዉ፡ ብዘይ እቶም እቲ ንጉስ ኣብተን ዕሩዳት ከተማታት ኣብ ብዘላ ይሁዳ ዘቐመጦም፡ ነቲ ንጉስ ዜገልግልዎ ዝነበሩ እዚኣቶም እዮም።

Translation | Context
ማቴዎስ 4:1-25 | 2 Helpful votes

ሽዑ መንፈስ ንየሱስ፡ ብድያብሎስ ኪፍተን፡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ። ኣርብዓ መዓልትን ኣርብዓ ለይትን ምስ ጾመ፡ ድሕርዚ ጠመየ። እቲ ፈታኒ ድማ መጺኡ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ እዚ ኣእማን እንጌራ ኪኸውን በል፡ በሎ። የሱስ ግና፡ ሰብ ካብ ኣፍ ኣምላኽ ብዚወጽእ፡ ኵሉ ቓል እምበር፡ ብንጌራ ጥራይ ኣይነብርን፡ ጽሑፍ እዩ ኢሉ መለሰሉ። ሽዑ ድያብሎስ ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ወሲዱ፡ ኣብ ገምገም ቤት መቕደስ ደው ኣበሎ። እግርኻ ብእምኒ ኸይትዕንቀፍ፡ በእዳዎም ኬልዕሉኻ፡ ንመላእኽቱ ምእንታኻ ይእዝዝ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ፡ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ፡ ንታሕቲ ገጽካ ጽደፍ፡ በሎ። የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ኣይትፈታትኖ፡ ድማ ጽሑፍ አሎ፡ በሎ። ድያብሎስ ከም ብሓድሽ ናብ ኣዝዪ ነዊሕ ከረን ወሲዱ፡ መንግስትታት ኵላ ዓለምን ክብረተንን ኣርአዩ እሞ፡ ፍግም ኢልካ እንተ ሰገድካለይ፡ እዚ ዅሉ ኽህበካ እየ፡ በሎ። ሽዑ የሱስ፡ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ስገድ፡ ንእኡ በይኑ ድማ ተገዛእ፡ ጽሑፍ አሎ እሞ ኪድ ርሐቕ፡ ሰይጣን፡ በሎ። ድሕርዚ ድያብሎስ ሐደጎ፡ እንሆ ድማ መላእኽቲ መጺኦም ኣገልግልዎ። የሱስ፡ ማእሰርቲ ዮሃንስ ሰሚዑ። ናብ ገሊላ ድሕር በለ። ናዝሬት ሐዲጉ ድማ፡ ኣብ ወሰን ዛብሎንን ንፍታሌምን፡ ኣብ ጥቓ ባሕሪ ናብ ዘላ ቅፍርናሆም መጺኡ ተቐመጠ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተበህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ ምድሪ ዛብሎንን ምድሪ ንፍታሌምን፡ መገዲ ባሕሪ፡ ማዕዶ ዮርዳኖስ፡ ገሊላ ኣህዛብ፡ ኣብ ጸልማት ዚነብር ህዝቢ ዓብዪ ብርሃን ረአየ፡ ኣብ ዓዲ ሞትን ድኔኣን ንዚነብሩ ድማ ብርሃን ወጸሎም። የሱስ ካብኡ ነጀው፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ አላ እሞ፡ ተንስሑ፡ እናበለ ኺሰብክ ጀመረ። ኣብ ጥቓ ባሕሪ ገሊላ ኺመላለስ ከሎ፡ ክልተ ኣሕዋት፡ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦንን እንድርያስ ሓዉን ገፈፍቲ ዓሳ ነበሩ እሞ፡ መርበቦም ናብ ባሕሪ ኺድርብዩ ረአየ። የሱስውን፡ ኣነ ድማ ገፈፍቲ ሰብ ክገብረኩም እየ፡ ንዑ ስዐቡኒ፡ በሎም። ብኡብኡ መርበቦም ሐዲጎም ሰዐብዎ። ካብኡ ሐሊፉ ኽልተ ኻልኦት ኣሕዋት፡ ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስን ዮሃንስ ሓውን ምስ ዘብዴዎስ ኣቦኦም፡ መርበቦም ኣብ ጃልባ ኼዕርዩ ረአየ እሞ ጸውዖም። ንሳቶም ከኣ ነታ ጃልባን ኣቦኦምን ሐዲጎም፡ ብኡብኡ ሰዐብዎ። የሱስ ድማ ኣብ ኵላ ገሊላ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም እናመሀረ፡ ወንጌል መንግስቲውን እናሰበኸ፡ ኵሉ ሕማምን ኣብ ህዝቢ ዘሎ ዅሉ ድናሰን እናሕወየ ይዘውር ነበረ። ወሪኡውን ኣብ ኵላ ሶርያ ወጸ። ንዅሎም ሕሙማት ከኣ፡ በብዓይነቱ ሕማም ዘለዎምን ቃንዛን ኣጋንንቲ ዘለዎምን ሕማም ባርያ በብወርሒ ዚለዐሎምን መጻጉዓትን ናብኡ ኣምጽኡሉ፡ ንሱ ድማ ኣሕወዮም። ካብ ገሊላን ካብ ዓሰርተ ዓድን ካብ የሩሳሌምን ካብ ይሁዳን ካብ ማዕዶ ዮርዳኖስን ከኣ ብዙሓት ሰብ ሰዐብዎ።

Translation | Context