Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

6 bible verses about

angels singing


እዮብ 38:7 | 26 Helpful votes

ከዋኽብቲ ጽባሕ ሐቢሮም ኬመስግኑ፡ ኲሎም ደቅ ኣምላኽ እልል ኪብሉ ኸለው፡ መሰረታ ኣብ ምንታይ ተሰረተ፧ ወይ እምኒ መኣዝና ዘቘመ መን ኰን ይኸውን፧

Translation | Context
ሉቃስ 2:13-14 | 25 Helpful votes

ብዙሓት ሰራዊት ሰማይ ድማ ብድንገት ምስቲ መልኣኽ ተጸምቢሮም፥ ክብሪ ንኣምላኽ ኣብ ላዕሊ፡ ሰላም ከኣ ኣብ ምድሪ ኣብ መንጎ እቶም ስምረት ኣምላኽ ዘለዎም ሰባት፡ እናበሉ ንኣምላኽ ኣመስገኑ።

Translation | Context
ራእይ 5:8-11 | 15 Helpful votes

ነቲ መጽሓፍ ምስ ወሰዶ ኸኣ፡ እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ዕስራን ኣርባዕተን ሽማግሌታትን፡ ነፍሲ ወከፎም መሰንቆን ዕጣን ዝመልኤ ጽዋእ ወርቅን ሒዞም፦ እዚ ድማ ጸሎት እቶም ቅዱሳት እዩ፦ ኣብ ቅድሚ እቲ ገንሸል ተደፍኡ። ንሳቶም ከኣ፡ ተሐሪድካስ ብደምካ ኻብ ብዘሎ ዓሌታትን ቋንቋታትን ህዝብን ኣህዛብን ንኣምላኽ ዚዀኑ ሰባት ዐዲግካሉ ኢኻ፡ ንኣምላኽና ዚዀኑ መንግስትን ካህናትን ገቢርካዮም፡ ኣብ ምድሪ ድማ ኪነግሱ እዮም እሞ፡ ንስኻ ነቲ መጽሓፍ ክትወስዶ፡ ነቲ መሓትሙውን ክትፈሖ ብቑዕ ኢኻ፡ እናበሉ ሓድሽ መዝሙር ዘመሩ። ርኤኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፡ ቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፡ ኣሻሕ ጊዜውን ኣሻሕ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 5:11 | 11 Helpful votes

ርኤኹ ድማ፡ ኣብ ዙርያ እቲ ዝፋንን እቶም ኣርባዕተ እንስሳን እቶም ሽማግሌታትን ከኣ ድምጺ ብዙሓት መላእኽቲ ሰማዕኩ፡ ቍጽሮም ድማ ኣእላፍ ጊዜ ኣእላፍ፡ ኣሻሕ ጊዜውን ኣሻሕ እዩ።

Translation | Context
ራእይ 15:1-3 | 10 Helpful votes

ካልእ ዓብይን ዜገርምን ትእምርቲ ድማ ኣብ ሰማይ ርኤኹ፡ እቲ ቝጥዓ ኣምላኽ ብኣታተን ኪፍጸም እዩ እሞ፡ ነተን ሾብዓተ መላእኽቲ ሒዞምወን ዘለዉ ዳሕሮት ሾብዓተ መዓት ርኤኹ። ምስ ሓዊ እተሖሰ ኸም ባሕሪ መረጸን ዚመስል እሞ፡ እቶም ነቲ ኣራዊትን ነቲ ምስሉን ነቲ ቝጽሪ ስሙን ዝሰዐሩ፡ መሰንቆታት ኣምላኽ ሒዞም፡ ኣብቲ ባሕሪ መረጸን ደው ኢሎም ርኤኹ እሞ፡ ኣታ ዅሉ እትኽእል እግዚኣብሄር ኣምላኽ፡ ግብርኻ ዓብይን ግሩምን እዩ። ኣታ ንጉስ ኣህዛብ፡ መገድኻ ጽድቅን ሓቅን እዩ። ንስኻ በይንኻ ኢኻ ቅዱስ እሞ፡ ዎ እግዚኣብሄር፡ ዘይፈርሃካን ንስምካ ዘየኽብርንከ መን አሎ፧ እቲ ቕኑዕ ፍርድኻ ተግሂዱ እዩ እሞ፡ ስለዚ ዅሎም ኣህዛብ ኪመጹ ኣብ ቅድሜኻውን ኪሰግዱ እዮም፡ እናበሉ፡ መዝሙር ሙሴ፡ እቲ ባርያ ኣምላኽን፡ መዝሙር እቲ ገንሸልን ዘመሩ።

Translation | Context
ራእይ 5:13 | 9 Helpful votes

ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኣብ ትሕቲ ምድርን ኣብ ባሕርን ዘሎ ፍጡር ኣባታቶም ዘሎ ዘበለ ዅሉውን፡ በረኸትን ክብርን ግርማን ስልጣንን ንዘኣለመ ኣለም ነቲ ኣብ ዝፋን ተቐሚጡ ዘሎን ነቲ ገንሸልን ይኹን ኪብሉ ኸለዉ ሰማዕኩ።

Translation | Context