Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

11 bible verses about

alert


1ይ ጴጥሮስ 5:8 | 13 Helpful votes

ድያብሎስ፡ እቲ መጻርርትኹም፡ ዚውሕጦ ደልዩ ኸም ዝጓዝም ኣንበሳ ዀይኑ ይዘውር አሎ እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
ኤፌሶን 6:18 | 7 Helpful votes

ብዅሉ ጸሎትን ልማኖን ኵሉ ሳዕ ብመንፈስ እናጸሌኹም እሞ፡ ምስናይ እዚውን ብኵሉ እናተጸመምኩም፡ ስለ ዅሎም ቅዱሳን ብጸሎት ንቕሑ፡

Translation | Context
1ይ ጴጥሮስ 1:13 | 5 Helpful votes

ስለዚ ሓቛቝ ልብኹም ተዐጢቕኩም እናተጠንቀቕኩም፡ ነቲ ብምግሃድ የሱስ ክርስቶስ እትረኽብዎ ጸጋ ምሉእ ተስፋ ግበሩ።

Translation | Context
1ይ ተሰሎንቄ 5:2-9 | 5 Helpful votes

ግናኸ፡ ኣሕዋተየ፡ እታ መዓልቲ ጐይታ ኸም ሰራቒ ኰይና ብለይቲ ኸም እትመጽእ፡ ባዕላትኩም ኣርጊጽኩም ትፈልጡ ኢኹም እሞ፡ ብናይ ዘመናትን ጊዜታትን ክንጽሕፈልኩምሲ ኣየድልየኩምን እዩ። ሰላምን ደሓንን እዩ ኺብሉ ኸለዉ፡ ንጥንስቲ ቕልውላው ከም ዚሕዛ፡ ሽዑ ጥፍኣት ብድንገት ይመጾም፡ ከቶውን ኣይከምልጡን እዮም። ንስኻትኩም ግና፡ ኣሕዋተየ፡ ኵላትኩም ደቂ ብርሃንን ደቂ መዓልትን ኢኹም እሞ፡ እታ መዓልቲ እቲኣ ኸም ሰራቒ ኸይትመጻኩምሲ፡ ኣብ ጸልማት ኣይኰንኩምን ዘሎኹም፡ ንሕና ናይ ለይትን ናይ ጸልማትን ኣይኰንናን። ደጊም ንንቃሕን ንጠንቀቕን እምበር፡ ከምቶም ካልኦት ኣይንደቅስ። እቶም ዚድቅሱስ ብለይቲ እዮም ዚድቅሱ፡ እቶም ዚሰኽሩውን ብለይቲ እዮም ዚሰኽሩ። ንሕና ግና ደቂ መዓልቲ ኻብ ኰንናስ፡ ድርዒ እምነትን ፍቕርን፡ ነታ ተስፋ ምድሓንውን ከም ቍራዕ ርእሲ ጌርና፡ ተኸዲንና ንጠንቀቕ። ኣምላኽ፡ ብጐይታና የሱስ ክርስቶስ ምድሓን ክንረክብ እምበር፡ ንቝጥዓስ ኣይመደበናን።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:44 | 5 Helpful votes

ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ።

Translation | Context
ማርቆስ 14:38 | 4 Helpful votes

ናብ ፈተና ኸይትኣትዉ፡ ንቕሑ ጸልዩውን። መንፈስሲ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ፡ በሎ።

Translation | Context
ማቴዎስ 24:42 | 4 Helpful votes

ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ።

Translation | Context
ማቴዎስ 26:41 | 3 Helpful votes

ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ።

Translation | Context
ማርቆስ 13:33-37 | 2 Helpful votes

እቲ ጊዜኡ መኣዝ ምዃኑ ኣይትፈልጥዎን ኢኹም እሞ፡ ተጠንቀቑ፡ ንቕሑን ጸልዩን። ከም ዝገሸ ሰብ እዩ፥ ቤቱ ኺሐድግ ከሎ፡ ንባሮቱ ስልጣን ሃቦም፡ ንነፍሲ ወከፍ ከኣ ዕዮኡ፡ ንሓላው ደገውን ኪነቅሕ ኣዘዞ። እቲ ብዓል ቤት መኣዝ ከም ዚመጽእ፡ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ወይ ምሸት፡ ወይ ፍርቂ ለይቲ፡ ወይ ደርሆ ነቆ፡ ወይ ከኣ ንግሆ፡ ብድንገት መጺኡ ደቂስኩም ከይረኽበኩምሲ፡ ስለዚ ንቕሑ። እዚ ንኣኻትኩም ዝብለኩም ዘሎኹ፡ ንዅሉ እብሎ አሎኹ፥ ንቕሑ።

Translation | Context
ኤፌሶን 4:22-24 | 2 Helpful votes

ነቲ ቐደም እተመላለስኩምሉ፡ ብትምኒት ስሕተት ዚጠፍእ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥኩም፡ በቲ ናይ ኣእምሮኹም መንፈስ ክትሕደሱ እሞ፡ እቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ልበሱ።

Translation | Context
ሉቃስ 10:25-28 | 2 Helpful votes

እንሆ ኸኣ፡ ሓደ ፈላጥ ሕጊ፥ መምህር፡ ናይ ዘለኣለም ህይወት ምእንቲ ኽወርስ እንታይ እግበር፧ ኢሉ ኺፍትኖ ተንስኤ። ንሱ ከኣ፥ ኣብ ሕጊ እንታይ ጹሑፍ አሎ፧ ከመይሲ ተንብብ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፥ ንእግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብምሉእ ልብኻን ብዅሉ ነፍስኻን ብዅሉ ሓይልኻን ብዅሉ ሓሳብካን ኣፍቅሮ፡ ንብጻይካ ድማ ከም ነፍስኻ፡ ኢሉ መለሰሉ። ንሱ ኸኣ፥ ጽቡቕ መለስካ። ከምኡ ግበር እሞ ብህይወት ክትነብር ኢኻ፡ በሎ።

Translation | Context