Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

18 bible verses about

alcohol


ኤፌሶን 5:18 | 9 Helpful votes

ዝርገት አለዎ እሞ፡ ብወይኒ ኣይትስከሩ። ግናኸ ብመዝሙርን ምስጋናን ብመንፈሳዊ ቕኔን ብልብኹም ንጐይታ እናተቐኔኹምሉን እናደረስኩምሉን ንሓድሕድኩም እናተዛራረብኩምን፡ መንፈስ ይምላእኩም።

Translation | Context
1ይ ቈረንቶስ 6:9-11 | 7 Helpful votes

ዓመጽቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋዶ ኣይትፈልጡን ኢኹም፧ ኣይትስሐቱ፡ ኣመንዝራታት፡ ወይ መምለኽቲ ጣኦት፡ ዘመውቲ፡ ወይ ሕንቁቓት፡ ወይ ግብሪ ሶዶም ዚገብሩ፡ ሰረቕቲ፡ ወይ ስሱዓት፡ ወይ ሰካራት፡ ወይ ተጻረፍቲ፡ ወይ ዘረፍቲ ንመንግስቲ ኣምላኽ ኣይኪወርስዋን እዮም። ገሌኹም ከኣ ከማታቶም ኔርኩም፡ ግናኸ ብስም ጐይታና የሱስ ክርስቶስን ብመንፈስ ኣምላኽን ተሐጺብኩምን ተቐዲስኩምን ጸዲቕኩምን ኢኹም።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-25 | 7 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ። እቲ ፍረ መንፈስ ግና ፍቕሪ፡ ሓጐስ፡ ዕርቂ፡ ዓቕሊ፡ ለውሃት፡ ሕያውነት፡ እምነት፡ ህድኣት፡ ይአኽለኒ ምባል እዩ። ነዚ ኸምዚ ዘመሰለ ዚጻረሮ ሕጊ የልቦን። እቶም ናይ ክርስቶስ ዘበሉ ኸኣ ነቲ ስጋኦም ምስናይ ፍትወቱን ትምኒቱን ሰቒሎምዎ እዮም። ህይወት ብመንፈስ እንተ አልያትናስ፡ ብመንፈስ ከኣ ንመላለስ።

Translation | Context
ምሳሌ 20:1 | 7 Helpful votes

ወይኒ መላገጺ እዩ፡ ዜስክር መስተ ኸኣ ሃዋኺ እዩ፡ በዚ ሰንከልክል ዚብል ዘበለስ ጥበበኛ ኣይከውንን።

Translation | Context
ምሳሌ 23:29-35 | 5 Helpful votes

ዋይዋታ ንመን እዩ፡ ሓዘን ንመን እዩ፡ ባእሲ ንመን እዩ፡ ምስቍርቋር ንመን እዩ፡ ብዘይ ምኽንያት ምቝሳል ንመን እዩ፡ ምቕያሕ ዓይንስ ንመን እዩ፡ ነቶም ኣብ ምስታይ ወይኒ ዚድንጕዩ፡ ነቶም ዝደረቐ ወይኒ ኺመርጹ ዚእከቡ እዩ። ወይኒ ምቕያሑ፡ ኣብ ብርለ ምውዕዋዑ፡ ጥዒሙ ምውራዱ ኣይትጠምቶ። ኣብ መወዳእታ ኸም ተመን ይነክስ፡ ከም ኣፍዑት ሕንዙ ፋፍ የብል። ኣዒንትኻ ሕውዝውዝ ይብላ፡ ልብኻውን ጠዋይ ነገር ይዛረብ። ኣብ ውሽጢ ባሕሪ በጥ ከም ዝበለ፡ ኣብ ጫፍ ደቐል ከም ዝደቀሰ ኢኻ እትኸውን፡ ወቒዖምንስ ኣይትሰምዓንን፡ ዘቢጦምንስ ኣይተፈለጠንን፡ መኣዝ ክነቅሕ እየ፡ መሊሰ ኽደልዮ እየ።

Translation | Context
ማቴዎስ 11:18-19 | 4 Helpful votes

ዮሃንስ እማ መጸ፡ ኣይበልዕ ኣይሰቲ፡ ጋኔን አለዎ፡ ይብሉ። ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ ይሰቲ፡ እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን፡ ይብሉ። ጥበብ ብደቃ ጸደቐት።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 5:23 | 3 Helpful votes

ደጊም ስለ ኽብድኻን ስለቲ ዚመላለሰካ ዘሎ ሕማምንሲ፡ ሒደት ወይኒ ደኣ እምበር፡ ማይ ጥራይ ኣይትስተ።

Translation | Context
ሮሜ 14:21 | 3 Helpful votes

ሓውካ ዚዕንቀረሉ ዘበለ ዘይምግባር፡ ስጋ ዘይምብላዕ ወይስ ወይኒ ዘይምስታይ፡ ጽቡቕ እዩ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 55:1 | 3 Helpful votes

ኣቱም ጽሙኣት ኲላትኩም፡ ናብ ማያት ንዑ፡ ኣቱም ገንዘብ ዜብልኩም ከኣ፡ ንዑ ተሻየጡ እሞ ብልዑ። እወ ንዑ፡ ብዘይ ገንዘብ ብኸምኡ ወይንን ጸባን ተሻየጡ።

Translation | Context
መዝሙር 104:14-15 | 3 Helpful votes

ወይኒ ንልቢ ሰብ ኬሐጕሶ፣ ዘይቲ ንገጹ ኼብርሆ፣ እንጌራውን ንልቢ ሰብ ኬጽንዖስ፣ ካብ ምድሪ ምግቢ ምእንቲ ኼውጽእ፣ ንእንስሳስ ሳዕሪ፣ ንጥቕሚ ሰብ ከኣ ተኽሊ ኣብቈልካ።

Translation | Context
ኢሳይያስ 5:22 | 3 Helpful votes

እቶም ንምስታይ ወይኒ ዚሕይሉ፡ ዜስክር መስተ ንምሕዋስ ከኣ ዚብርትዑ ሰብ ወይለኦም።

Translation | Context
ሉቃስ 7:34 | 3 Helpful votes

ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ፡ ይሰቲ፡ እንሆ፡ በላዕን ሰታይ ወይንን፡ መፍቀር ተገውትን ሓጥኣንን፡ ትብሉ አሎኹም።

Translation | Context
ኢሳይያስ 5:11 | 2 Helpful votes

እቶም ንብርቱዕ መስተ ኺስዕቡ ወጋሕታ ኣንጊሆም ዚትንስኡ፡ ወይኒ ኽሳዕ ዜርስኖም ድማ ኣዝዮም ዜምስዩስ ወይለኦም።

Translation | Context
መክብብ 9:7 | 2 Helpful votes

ኣምላኽ ንግብርኻ ተቐቢልዎ እዩ እሞ፡ ኪድ እንጌራኻ ባህ ኢሉካ ብላዕ፡ ወይንኻውን ብሓጐስ ልቢ ስተ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 10:9 | 2 Helpful votes

ንደቂ እስራኤል እቲ እግዚኣብሄር ብሙሴ ዝነገሮም ኲሉ ሕጋጋት ምእንቲ ኽትምህርዎም፡ ኣብ መንጎ ቅዱስን ዘይቅዱስን፡ ኣብ መንጎ ንጹህን ርኹስን ድማ ክትፈልዩ፡ ንስኻን ደቅኻን ናብ ድንኳን ምርኻብ ክትኣትዉ ኸሎኹም፡ ምእንቲ ኸይትሞቱ፡ ወይንን ዜስክርን ኣይትስተዩ። እዚ ንውሉድ ወለዶኹም ሕጊ ዘለኣለም ይኹንኩም።

Translation | Context
1ይ ጢሞቴዎስ 3:8 | 2 Helpful votes

ዲያቆናትውን ከምኡ፡ ነቲ ምስጢር እምነት ኣብ ንጹህ ሕሊና ሒዞም፡ ረዘንቲ፡ ሰብ ክልተ ልሳን ዘይኰኑ፡ ብዙሕ ወይኒ ንምስታይ ዘየድህቡ፡ ርኹስ ረብሓ ዘይደልዩ ኪዀኑ ይግባእ።

Translation | Context
ምሳሌ 23:20-21 | 2 Helpful votes

ሰካርን ህሩፍን ይደኽዩ፡ ድቃስ ከኣ ጨርቂ የኽድን እዩ እሞ፡ ኣብ ማእከል ሰተዪ ወይኒ፡ ኣብ ማእከል ህሩፋት በላዕቲ ስጋ ኣይትኹን።

Translation | Context
ገላትያ 5:19-21 | 2 Helpful votes

እቲ ግብሪ ስጋ ግሁድ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ምንዝር፡ ርኽሰት፡ ዕብዳን፡ ኣምልኾ ጣኦት፡ ጥንቈላ፡ ጽልኢ፡ ባእሲ፡ ቅንኢ፡ ቍጥዓ፡ ሻራ፡ ምፍልላይ፡ ዝርግርግ፡ ቅንኣት፡ ቅትለት፡ ስኽራን፡ ጓይላ፡ ከምዚ ዘመሰለ ኻልእውን እዩ። እቶም ከምዚ ዘመሰለ ዚገብሩ ንመንግስቲ ኣምላኽ ከም ዘይወርስዋ፡ ከምቲ ቐደም ዝበልክዎ ኣቐዲመ እብለኩም አሎኹ።

Translation | Context