Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

14 bible verses about

africa


ግብሪ ሃዋርያት 8:27-31 | 6 Helpful votes

ተንሲኡ ኸኣ ከደ። እንሆ ድማ፡ ኢትዮጵያዊ ስሉብ ሰብኣይ ኣብ ህንደኬ ንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ስልጡን ኣዛዝ ኲሉ ገንዘብ ዝነበረ፡ ኪሰግድ ናብ የሩሳሌም መጺኡ ነበረ። ኪምለስ ከሎ ኸኣ፡ ኣብ ሰረገላኡ ተቐሚጡ ትንቢት ኢሳይያስ የንብብ ነበረ። መንፈስ ከኣ ንፊልጶስ፡ ሕለፍ፡ ናብቲ ሰረገላ ቕረብ፡ በሎ። ፊልጶስ ናብኡ ጐየየ፡ ነብዪ ኢሳይያስ ኬንብብ ሰምዖ እሞ፡ እዚ እተንብቦስ ተስተውዕሎዶ አሎኻ፧ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሓደ እኳ ኸይመሀረኒ፡ ከመይ ኢሉ ይዀነለይ፧ በለ። ንፊልጶስ ከኣ ደዪቡ ምስኡ ኪቕመጥ ለመኖ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 10:34-35 | 5 Helpful votes

ሽዑ ጴጥሮስ ኣፉ ኸፊቱ በለ፡ ኣብ ኲሉ ህዝቢ ንኣምላኽ ዚፈርሆን ቅንዕና ዚገብርን እንተሎ፡ ኣብኡ ቕቡል እዩ እምበር፡ ኣብ ኣምላኽ ኣድልዎ ኸም ዜልቦ፡ ብሓቂ ኣስተብሀልኩ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 12:1 | 4 Helpful votes

ሙሴ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣእትዩ ነበረ እሞ፡ ሚርያምን ኣሮንን ብዛዕባ እታ ዘእተዋ ኢትዮጵያዊት ሰበይቲ ኣብ ልዕሊኡ ተዛረቡ።

Translation | Context
መዝሙር 68:31 | 3 Helpful votes

መሳፍንቲ ኻብ ግብጺ ኺመጹ እዮም፣ ኢትዮጵያ ቐልጢፋ ኣእዳዋ ናብ ኣምላኽ ክትዝርግሕ እያ።

Translation | Context
ዘፍጥረት 10:6-20 | 3 Helpful votes

ደቂ ካም ከኣ፥ ኩሽን ሚስራይምን ፋጥን ከነኣንን። ደቂ ኩሽ ድማ፥ ሴባን ሓዊላን ሳብታን ራዕማን ሳብተካን። ደቂ ራዕማ ኸኣ፡ ሸባን ዴዳንን። ኩሽ ድማ ንኒምሮድ ወለደ። ንሱ ኣብ ምድሪ ጅግና ምዃን ጀመረ። ንሱ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ነበረ። ስለዚ ከም ኒምሮድ ኣብ ቅድሚ እግዚኣብሄር ጅግና ሃዳኒ ተባህለ። መጀመርታ መንግስቲ ድማ ባቤል ኤረክን ኣካድን ካልነን ኣብ ሃገር ሲንኣር ነበረ። ካብታ ሃገር እቲኣ ናብ ኣሶር ወጸ፡ ንነነዌን ንሬሖቦት-ዒርን ከላህን ሰርሔን። ኣብ መንጎ ነነዌን ካላህን ከኣ ንሬስን ሰርሔ፡ ንሳ እታ ዓባይ ከተማ እያ። ሚስራይም ድማ ንሉዲምን ንዓናሚምን ንለሃቢምን ንናፍቱሂምን ንጳትሩሲምን ንካፍቶራውያንን ንካስሉሂምን ወለደ፡ ካብኦም ፍልስጥኤማውያን ወጹ። ከነኣን ድማ ንሲዶን፡ በዅሪ ወዱን፡ ንሄትን፡ ንይቡሳውያንን ንኣሞራውያንን ንጊርጋሳውያንን፡ ንሂዋውያንን ንዓርቂውያንን ንሲኒውያንን፡ ንኣርዋደውያንን ንጽማራውያንን ንሓማታውያንን ወለደ። ድሕርዚ ዓሌታት ከነኣን ተዘርወ። ዶብ ከነኣናውያን ድማ ካብ ሶዶን በታ ንጌራር እትኣትወላ ኣቢልካ ኽሳዕ ጋዛ፡ በታ ንሶዶምን ንጎሞራን ንኣድማን ንሴቦኢም እትኣትወላ ኣቢልካ ኸኣ ክሳዕ ላሻዕ ነበረ። እዚኣቶም፡ በብዓሌቶም፡ በብቛንቋኦም፡ ኣብ ሃሃገሮም፡ ኣብ ሄህዝቦም፡ ደቂ ካም እዮም።

Translation | Context
ሮሜ 8:35 | 3 Helpful votes

ካብታ ፍቕሪ ክርስቶስ ዚፈልየና መን እዩ፧ ከመዮ፡ ምእንታኻ ምሉእ መዓልቲ ንቕተል አሎና፡ ከም ኣባጊዕ ማሕረዲውን ተቘጸርና፡ ዚብል ጽሑፍ ዘሎ፡ ጭንቀትዶ፡ ጸበባዶ፡ ስደትዶ፡ ጥሜትዶ፡ ዕርቃንዶ፡ ፍርሂዶ ወይስ ሰይፊ፧

Translation | Context
ዘፍጥረት 2:11 | 2 Helpful votes

ስም እቲ ሓደ ፒሶን እዩ። ነሱ ነታ ወርቂ ዘለዋ ዅላ ምድሪ ሓዊላ ይኸብብ።

Translation | Context
1ይ ነገስት 10:1-13 | 2 Helpful votes

ንግስቲ ሳባ ድማ ወረ ሰሎሞን ብዛዕባ ስም እግዚኣብሄር ምስ ሰምዔት፡ ብሕንቅሕንቅሊቶይ ክትፍትኖ መጸት። ምስ ኣዝዩ ብዙሕ ጒዕዞ፡ ምስ ቀመማትን ኣዝዩ ብዙሕ ወርቅን ክቡራት ኣእማንን እተጻዕና ኣግማል ኰይና ናብ የሩሳሌም መጸት፡ ናብ ሰሎሞን ምስ ኣተወት ድማ፡ ኣብ ልባ ዝነበረ ዂሉ ኣዛረበቶ። ሰሎሞን ከኣ ኲሉ ዘረባኣ ገለጸላ፡ ዘይገለጸላ ኻብ ንጉስ እተሰወረ ነገር ኣይነበረን። ንግስቲ ሳባ ጥበብ ሰሎሞንን እታ ዝሰርሓ ቤትን ምስ ረአየት፡ መብልዕ መኣዱን ኣቓማምጣ ገላውኡን ኣቃውማ ኣገልገልቱን ኣከዳድናኦምን ኣሰለፍቱን ነቲ ናብ ቤት እግዚኣብሄር ዚድይበሉ መሳልልን ምስ ረእየት፡ ውኖኣ ተመስጠ። ንንጉስ ከኣ በለቶ፡ እቲ ኣብ ሃገረይ ከሎኹ ብዛዕባ ግብርካን ብዛዕባ ጥበብካን ዝሰማዕክዎ ነገር ሓቂ እዩ። መጺኤ ብዓይነይ ክሳዕ ዝርኢ ድማ፡ ነቲ ዘረባ ኣይአመንክዎን፡ እንሆ ኸኣ፡ ፈረቓ እኳ ኣይነገሩንን። ካብቲ ዝሰማዕክዎ ወረ ዚበዝሕ ጥበብን ጽቡቕ ነገርን አሎካ፡ እቶም ሰብካ ብጹኣን እዮም እዞም ወርትግ ኣብ ቅድሜኻ ደው ኢሎም ጥበብካ ዚሰምዑ ገላውኻ ብጹኣን እዮም። እቲ ኣብ ዝፋን እስራኤል ኬቐምጠካ ዝፈተወካ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ ብሩኽ ይኹን። እግዚኣብሀኢር ንእስራኤል ንሓዋሩ ስለ ዝፈተዎ፡ ፍርድን ጸድቅን ምእንቲ ኸተውጽእ፡ ንጉስ ክትከውን ሸመካ። ንሳ ድማ ንንጉስ ሚእትን ዕስራን ታለንት ወርቅን ኣዝዩ ብዙሕ ቀመማትን ክቡራት ኣእማንን ሀበቶ፡ ድሕርቲ ኸምቲ ንግስቲ ሳባ ንንጉስ ሰሎሞን ዝሀበቶ ዝምብዛሑ ቐመማት ከቶ ኣይመጸን። እተን ካብ ኦፊር ወርቂ ዜምጽኣ መራኽብ ሒራም ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ዕጨይቲ ሰንደልን ክቡራት ኣእማንን የምጽኣ ነበራ፡ ንጉስ ድማ ካብቲ ዕጨይቲ ሰንደል ንቤት እግዚኣብሄርን ንቤት ንጉስን ዚኸውን መጋረዲታት፡ ንመዘምራን ዚኸውን መሰንቆታትን በገናታትን ገበረ። ክሳዕ እዛ መዓልቲ እዚኣ ኸምኡ ዝበለ ዕጨይቲ ሰንደል ኣይመጸን፡ ኣይተራእየን ድማ። ብጀካ እቲ ሰሎሞን ከም ናይ ንጉስ ልግስነቱ ዝሀባ ኸኣ፡ ንጉስ ሰሎሞን ንንግስቲ ሳባ ዝለመነቶ ዘበለ ዂሉ ድላያ ሀባ። ንሳ ድማ ተመሊሳ ምስ ገላውኣ ናብ ሃገራ ኸደት፡

Translation | Context
ዘፍጥረት 25:18 | 2 Helpful votes

ካብ ሓዊላ ኽሳዕ እታ ኣብ መንጽር ግብጺ ዘሎ ሹር፡ በታ ንኣሶር እተእቱ፡ ሰፊሮም ነበሩ። ኣብ መንጽር ኵሎም ኣሕዋቱ ሰፈረ።

Translation | Context
ኣስቴር 1:1 | 2 Helpful votes

ኮነ ኸኣ፡ ብዝመን ኣሓሽዌሮስ፡- እዚ ኣሓሽዌሮስ እዚ፡ እቲ ኻብ ህንዲ ኽሳዕ ኢትዮጵያ ሚእትን ዕስራን ሾብዓተን ሃገር ዝገዝኤ እዩ። -

Translation | Context
2ይ ዜና መዋእል 14:12 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ድማ ነቶም ኢትዮጵያውያን ኣብ ቅድሚ ኣሳን ኣብ ቅድሚ ይሁዳን ሰዐሮም፡ ኢትዮጵያንውን ከኣ ሀደሙ።

Translation | Context
ናሆም 3:6-10 | 2 Helpful votes

ርኽሰት ኣባኺ ኽድርቢ፣ ንዕቕቲ ኽገብረኪ፣ መላገጺ ኽትኰኒውን ክውፍየኪ እየ። ኪኸውን ድማ እዩ፣ ዚርእዩኺ ዘበሉ ዅላቶም ካባኺ ኺሀድሙ እሞ፣ ነነዌ ባደመት፣ መንከ ይበኽየላ፡ ዜጸናንዑኺ ኻበይ ክደልየልኪ እየ፡ ኪብል እዮም። ንስኺዶ ኻብቲ ኣብ መንጎ ርባታት እተቐመጠት፣ ማያት ዝኸበበ፣ ቀጽራ ባሕሪ፣ መካባብያ ኸኣ ባሕሪ ዝዀነ ኖ-ኣሞን ትበልጺ ኢኺ፡ ኢትዮጽያን ግብጽን መወዳእታ ዜብሉ ሓይሊ ነበሩ፣ ፉጥን ሊብያን ሓገዝትኺ ነበሩ። ግናኸ ንሳ ተሰደትን ተማረኸትን፣ ሕጻናታ ድማ ኣብ ርእሲ ዅሉ መገድታት ተጨፍለቑ። ኣብቶም ክቡራት ሰባታ ኸኣ ዕጭ ኣውደቑ፣ ኵላቶም ዓበይቲ ሰባውን ብመቝሕ ተኣስሩ።

Translation | Context
ህዝቅኤል 29:10 | 2 Helpful votes

ስለዚ እኔኹ፣ ኣባኻን ኣብ ርባታትካን ክለዐለካ፣ ንሃገር ግብጺ ኻብ ሚግዶል ክሳዕ ሴኔ ኽሳዕ ዶብ ኢትዮጵያ ኸኣ ምድረ በዳን በረካን ክገብራ እየ።

Translation | Context
ኣሞጽ 9:7-8 | 2 Helpful votes

ኣቱም ደቂ እስራኤል፡ ንስኻትኩም ንኣይ ከም ደቂ ኢትዮጵያውያንዶ ኣይኰንኩምን፡ ይብል እግዚኣብሄር። ንእስራኤል ካብ ሃገር ግብጺ፡ ንፍልስጥኤማውያን ድማ ካብ ካፍቶር፡ ንሶርያውያን ከኣ ካብ ደቂ ቂር ኣነዶ ኣይኰንክን ዘውጻእዎም፧ እንሆ፣ ኣዒንቲ እግዚኣብሄር ኣምላኽ ኣብ ልዕሊ እታ ሓጥእ መንግስቲ እየን፣ ካብ ገጽ ምድሪ ኸኣ ከጥፍኣ እየ፣ ግናኸ ንቤት ያእቆብ ብጥራስ ኣይከጥፍኣን እየ፣ ይብል እግዚኣብሄር።

Translation | Context