Browse by letter (More than 5,000 topics available):

A · B · C · D · E · F · G · H · I · J · K · L · M · N · O · P · Q · R · S · T · U · V · W · Y · Z · See all

20 bible verses about

abortion


ዘሁልቍ 5:27-28 | 9 Helpful votes

ነቲ ማይ ምስ ኣስተያ ኸኣ፡ ኪኸውን እዩ፡ ንሳ ረኺሳ፡ ንሰብኣያ ድማ ዓገብ ዐጊባቶ እንተ ዀይና፡ እቲ መርገም ዜምጽእ ማይ አትዩ ኺመራ እዩ፡ ከብዳ ኸኣ ይንፋሕ፡ ሰለፋውን ይወድቕ፡ እታ ሰበይቲ ኣብ ማእከል ህዝባ መራገሚ ትኸውን። እታ ሰበይቲ ዘይረኸሰት፡ ንሳ ንጽህቲ እንተ ዀይና ኸኣ፡ ሓራ ውጽእቲ እያ፡ ዘርኢ ኸኣ ትረክብ።

Translation | Context
ዘሁልቍ 5:19-22 | 9 Helpful votes

እቲ ኻህን ድማ የምሕላ፡ ነታ ሰበይቲ ኸኣ ይበላ፡ ሰብኣይ እንተ ዘይደቀስኪ፡ ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ዘይረኸስኪ እንት ዄንኪ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ መሪር ማይ ኣይጕዳእኪ። ኣብ ትሕቲ ሰብኣይኪ ኸሎኺ ጠሊምክዮ ረኺስኪ እንተ ዄንኪ ግና፡ ብጀካ ሰብኣይኪ ኻልእ እንተ ደቂሱኪ፡ ሽዑ እቲ ኻህን ነታ ሰበይቲ ብማሕላ መርገም የምሕላ፡ እቲ ኻህን ድማ ነታ ሰበይቲ፡ እግዚኣብሄር ንሰለፍኪ ብምውዳቑ፡ ንኸብድኺ ድማ ብምንፋሑ፡ እግዚኣብሄር ኣብ ማእከል ህዝብኺ መራገምን መምሓልን ይግበርኪ፡ ንኸብድኺ ኺነፍሕ ንሰለፍኪ ኸኣ ኬውድቕ፡ እዚ መርገም ዜምጽእ ማይ እዚ ናብ ውሽጥኺ ይእቶ፡ ይበላ። እታ ሰበይቲ ድማ፡ ኣሜን ኣሜን፡ ትበል።

Translation | Context
2ይ ነገስት 15:16 | 8 Helpful votes

ሽዑ ምናሔም ንቲፍሳሕን ኣብአ ንዝነበረ ዂሉን፡ ንዶባታ ድማ ካብ ቲርጻ ጀሚሩ ተዋግኣ፡ እታ ኸተማ ኣይከፈቱሉን፡ ስለዚ ኸኣ ሰዐራ፡ ኣብአ ንዝጸንሓ ዂለን ጥኑሳትውን ቀደደን።

Translation | Context
ዘሁልቍ 31:15-17 | 8 Helpful votes

ሙሴ ድማ በሎም፡ ንዅለን ኣንስቲዶ ብህይወት ሓዲግኩምወን፡ እንሆ፡ በቲ ናይ ጴዖር ነገር፡ ብምኽሪ በላዓም፡ ንደቂ እስራኤል ንእግዚኣብሄር ዘጥለማኦም ንሳተን እየን፡ ስለዚ ኸኣ ኣብቲ ኣኼባ እግዚኣብሄር መዓት ኰነ። ሕጂ ድማ ካብ ቈልዑ ተባዕታይ ዘበለ ቕተሉ፡ ምስ ተባዕታይ ብምድቃስ ሰብኣይ ዝፈለጣ ዅለን ኣንስቲ ኸኣ ቅተልወን።

Translation | Context
ዘፍጥረት 38:24 | 7 Helpful votes

ኰነ ድማ፡ ድሕሪ ሰለስተ ወርሒ ኣቢሉ ንይሁዳ፡ ታማር፡ ሰበይቲ ወድኻ ዘምያ፡ እንሆ ኸኣ ብዝሙት ጠኒሳ አላ፡ ኢሎም ነገርዎ። ይሁዳ ድማ፡ ኣውጽእዋ እሞ ትንደድ፡ በለ።

Translation | Context
ዘሌዋውያን 27:6 | 7 Helpful votes

ካብ ወዲ ሓደ ወርሒ ኽሳዕ ወዲ ሓሙሽተ ዓመት እንተ ዀነ ድማ፡ ገምጋምካ ንተባዕታይ ሓሙሽተ ሲቃል ብሩር፡ ገምጋምካ ንጓል ኣንስተይቲውን ሰለስተ ሲቃል ብሩር ይኹን።

Translation | Context
ዘሁልቍ 3:15-17 | 6 Helpful votes

ንደቂ ሌዊ በብማይ ቤት ኣቦታቶምን በብዓሌቶምን ቊጸሮም። ካብ ወዲ ወርሒ ንላዕሊ ዘሎ ዅሉ ተባዕታይ ቊጸሮም። ሙሴ ድማ ከምቲ ቓል እግዚኣብሄር፡ ከምቲ ንሱ ዝኣዘዞ ገይሩ ቘጸሮም። ደቂ ሌዊ በብስሞም እዚኣቶም እዮም፡ ጌርሾንን ቃሃትን መራሪን።

Translation | Context
ሆሴዕ 13:16 | 5 Helpful votes

ሰማርያ ኻብ ኣምላኽ ኽዲዓ እያ እሞ፣ ብበደላ ትቕጻዕ፣ ብሰይፊ ይወድቁ፣ ሕጻናቶም ይጭፍለቑ፣ ጥኑሳት ኣንስቶም ከኣ ይቕደዳ።

Translation | Context
መዝሙር 127:3 | 4 Helpful votes

እንሆ፣ ውሉድ ውህበት እግዚኣብሄር እዮም። ፍረ ኸርሲ ኸኣ ዓስቢ እዩ።

Translation | Context
ዘጸአት 20:13 | 4 Helpful votes

ኣይትቕተል።

Translation | Context
መዝሙር 139:13-16 | 4 Helpful votes

ንዀላሊተይ ንስኻ ፈጢርካየን፣ ኣብ ከርሲ ወላዲተይ ኣሊምካኒ፣ መስተንክርን ድንቅን ጌርካ ፈጢርካኒ ኢኻ እሞ፣ ከማስወካ እየ፣ ግብርታትካ መስተንክር እዩ፣ ነፍሰይውን ኣጸቢቓ ትፈልጦ። ብሕቡእ ምስ ተፈጠርኩ፣ ኣብ ከርሲ ምድሪ ምስ ተአለምኩ፣ ኣዕጽምተይ ኣይተኸወላኻን። ኣዒንትኻ፣ ድቂ ኸሎኹ፣ ረኣያኒ፣ እተን ምዱባት መዓልትታተይ፣ ሓንቲ እኳ ኸይነበረት፣ ኵለን ኣብ መጽሓፍካ ተጻሕፋ።

Translation | Context
ሉቃስ 23:29 | 4 Helpful votes

የሱስ ድማ ናባታተን ግልጽ ኢሉ፥ ኣትን ኣዋልድ የሩሳሌም፡ ኣካ እዝጊ ሃባ እታ መኻን ዘይወለደት ከርስን ዘየጥበዋ ኣጥባትን፡ ዚብሉለን መዓልትታት ኪመጻ እየን እሞ፡ ንርእስኽንን ንደቕኽንን ደኣ ብኸያ እምበር፡ ንኣይሲ ኣይትብከያለይ።

Translation | Context
ሆሴዕ 9:14 | 3 Helpful votes

ዎ እግዚኣብሄር፣ ሀቦም። እንታይ ክትህቦም፡ ውሉድ ዘይወልድ ማሕጸን ንጹፍ ጢብን ሀቦም።

Translation | Context
ዘጸአት 21:22-25 | 3 Helpful votes

ሰባት እንተ ተባእሱ እሞ ጥንስቲ ሰበይቲ እንተ ደፍኡ፡ ጥንሳ ድማ እንተ ኸደ፡ ካልእ ጕድኣት እንተ ዘይኰነ፡ ሰብኣይ እታ ሰበይቲ ዝጸዓኖ ኻሕሳ ይኽሐስ፡ ፈረዲ ኸም ዝመደቡሉ ኸኣ ይዕደ። ጕድኣት እንተ ዀነ ግና፡ ነፍሲ ኣብ ክንዲ ነፍሲ ክትህብ ኢኻ። ኣብ ክንዲ ዓይኒ፡ ዓይኒ። ኣብ ክንዲ ስኒ፡ ስኒ። ኣብ ክንዲ ኢድ፡ ኢድ። ኣብ ክንዲ እግሪ፡ እግሪ። ኣብ ክንዲ ምንዳድ፡ ምንዳድ። ኣብ ክንዲ ቝስሊ፡ ቍስሊ። ኣብ ክንዲ ሕበጥ፡ ሕበጥ።

Translation | Context
ዘጸአት 23:7 | 2 Helpful votes

ካብ ዘረባ ሓሶት ርሐቕ። ኣነ ንረሲእ ኣየጽድቖን እየ እሞ፡ ነቲ ንጹህን ንጻድቕን ኣይትቕተል።

Translation | Context
መክብብ 11:5 | 2 Helpful votes

ከምቲ ንመገዲ ንፋስ ዘይትፈልጦ፡ ከምቲ ኣዕጽምቲ ኣብ ከርሲ ጥንስቲ ኸመይ ኢሉ ኸም ዚውጡን ዘይትፈልጦ፡ ከምኡውን ንግብሪ እቲ ዅሉ ዝነገረ ኣምላኽ ኣይትፈልጦን ኢኻ።

Translation | Context
ሆሴዕ 9:16 | 2 Helpful votes

ኤፍሬም ተወቕዔ፣ ሲሮም ነቐጸት፣ ፍረ ኣይፈርዩን፣ እንተ ወለዱ እኳ፣ ነቲ ፍቁር ፍረ ኸርሶም ክቐትሎ እየ።

Translation | Context
ዘጸአት 22:29 | 2 Helpful votes

ካብ ምልኣት ሪቕካን ካብ መጽመቝ ወይንኻን ንምቕራብ ኣይትደንጕ። ካብ ኣወዳትካ እቲ በዅሪ ንኣይ ሀበኒ።

Translation | Context
ግብሪ ሃዋርያት 7:19 | 2 Helpful votes

እዚ ንጉስ እዚ ንዓሌትና ተተናዀሎም፡ ነቦታትና ኸኣ፡ ሕጻናቶም ምእንቲ ኸይዐብዩ፡ ክሳዕ ዚድርብዩ ጨቈኖም።

Translation | Context
ኣሞጽ 1:13 | 2 Helpful votes

እግዚኣብሄር ከምዚ ይብል አሎ፣ ዶቦም ምእንቲ ኺግፍሑስ፣ ነተን ጥኑሳት ጊልዓድ ከብደን ቀዲዶምወን እዮም እሞ፣ ስለ ሰለስተ ገበን ደቂ ዓሞን፣ ኤረ ስለ ኣርባዕተ እኳ ደኣ፣ መዓተይ ካብኣ ኣትክመልስን እየ።

Translation | Context